ውህደት ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ስደት፡ (ውደኤ) ነቲ ኣብ ኤርትራ ብቤት ክህነት ካቶሊካውያን ዝመሐደራ ናይ ጥዕና ትካላት ምዕጻው ኣጥቢቓ  ትኹንን

2019-07-17 07:37:52 Written by  ውህደት ደቀንስትዮ ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1796 times

ውህደት ደቒንስትዮ ኤርትራ (ውደኤ) ኣብ ስደት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብቤት ክህነት ካቶሊካውያን ዝመሐደራ ዝነበረ ናይ ጥዕና ትካላት ምዕጻው ኣጥቢቓ  ትኹንን።

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይ`ቲ ብሰፊሑ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ጥዕና ትካላትን ብሓልዮት ሃይማኖታት ዝካየዳ ቤት ትምህርትታትን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፡ ንኹሉ ኤሪትራዊ ብፍላይ ንደቀንስትዮን ሕጻናትን፡ ብሕልፊ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ክበጽሖ ዘይኽእል ቦታታት ኣብ ገጠራት ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ 29 ናይ ጥዕና ትካላት ከም ዝዓጸወ ተፈሊጡ።  እዚ ብዘይሐደ ምኽንያትን ብሐሶት ክሲ ጥሩፋት ሃይመናታውያን እዮም እናበለካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝግበር ዝነበረ ማእሰርትን ንናይ ነዊሕ ታሪኽ ባህሪ ግፍዕን ግህሰትን ስርዓት ህግደፍ  ዘቃልሕን ዘጋልጽን`ዩ።

“እዚ ብመንግስቲ ዝተወሰደ ስጉምታት ዝኹነ ይኹን ምኽኒያት ዘይብሉ`ዩ። እዚ ስጉምታት`ዚ ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቀዑ ድኻታት ንዝሕግዙን ዝከናኸኑን ኣካላት ዝቐጽዕ ተግባር`ዩ። መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ናይ`ዚ ሕክምናዊ ኣገልግሎት`ዚ ኣመንቲ ሃይማኖት ኮቶሊኽ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካልኦት ኣመንቲ ተዋህዶ ክርስትና ሃይማኖትን ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምናን ኣባላት ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖትን እዮም ነይሮም። ብዙሕ ክፋላት ናይ`ዚ ትካልት`ዚ ኣብ ገጠራት ኣብ ርሑቕ ቦታታትን`ዩ ነይሩ” ኣባ ሙሴ ዘርአይ። 

እዝን ብካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝመሐደራ ናይ ጥዕና ትካላት ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ብቁሩብ ገንዘብ ወይ ድማ ብነጻ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ`የን።  እዚ በይናዊ ህላውነት ናይዘን ትካላት ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ብዙሕ ሕዝቢ ብሕልፊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ኣዚዩ  ወሳኒ መተካእታ ዘይብለን  ናይ ጥዕና  ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ዝገብረን።  ስለዚ ምዕጻው ናይዘን ትካላት`ዚኤን ነቲ ተጠቃሚ ማሕበረ ሰብ  ዓቢ ጉድኣት ከም ዘስዕበሉ ርጉጽ`ዩ።  ኣብዚ ከኣ ናይተን ንነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ መሰረታዊ ጥዕናዊ ኣግልግሎት ብሕልፊ ከኣ ንደቂኣንስትዮን ሕጻናትን ኣብ ምቕራብን፡ ኣብ`ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈሸለሉ ክበጽሖ ዘይኸኣለን ንዝርከቡ ዘኽታማት ሕጻናት ምንባይን ምክንኻንን ወሳኒ ተራ ዝተጻወታ ደናግል ከይተዘከረ ክሓልፍ የብሉን። እዚ ኣብ ን100,000 ሰብ 6 ዶከተራት ዘለዋ ሃገር -(ካብ ሰነዳት  WHO) ብቤት ክህነት ካቶሊክ ዝመሓደር ትካላት ብዘይ ሌላን ጉሌላን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘቅርቦ ዝነበረ ንሕጽረታት መንግስቲ ዝሽፍን ጥዕናዊ ግብረ ሰናይ ትካላት ምዕጻው  ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ እዩ።  እቶም ነዚ ትካላት`ዚ ንምዕዛው ዝመጹ ወተሃደራት ነተን ኣብኡ ዘገልግላ ዘነበራ ደናግል ብሓይሊ ምውጻእን ትካላት ምዕጻውን ርኡይ ግፍዒ ነይሩ።

ንሕና ውህደት ደቀንስትዮ ኤርትራ  ኣብ ስደት  ከም ተጣበቅቲ መሰላት ኩለን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ መጠን ብዛዕባ ሃለዋት ናይቶም ካብቲ ሆስፒታል ዝተሰጉ ሕሙማትን ናይ`ተን ውፍያት ደናግልን ኣቕሽሽትን ናይቶም ኣብቲ ትካላት ንማሕበረ-ሰባት ኣገልግሎት ዘቅርቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንሐትት። ከምኡ ድማ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት`ዚ ደረት ክግበረሉን፡ ነዚ ግፍዓዊ መንግስቲ ኣብ ኤሪትራ  ናይ ዝፍጽሞ ተግባራት በተሓታትነት ክቀርብ ንጽውዕ።

ውህደት ደቀንስትዮ ኤርትራ

ዕለት፡ 13 /07/2019 

ኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Last modified on Wednesday, 17 July 2019 09:45