ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኤርትራዊ እምበር  ጸላኢ ኣይኮነን

2020-01-18 14:20:38 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1672 times

እዚ ምክልኻል ሰራዊት፡ ኣብ ኣእምሮና ሓንሳብ “ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት” ኢልና ስለ ዝወገናዮ ብምንም ዓይነት ኤርትራዊ ወይ ሃገራዊ እዩ ኢልና ክንኣምን የሸግረና እዩ። እዚ ሰራዊት እዚ ተዋጊኡ ናጽነት ዘረጋገጸ ሰራዊት ሃገራውነቱ ይኹን ህዝባዊ ታሪኹ ክሕከኽ ኣይከኣልን እዩ።

ብመሰረቱ ሰራዊት ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኩሉ ግዜ በቲ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ስርዓተ- መንግስቲ፥ ዲክታቶርያዊ ይኹን ህዝባዊ ተማእዚዙ  እዩ ዝኸይድ። ወተሃደር ድማ ብመሰረቱ ንዝመጾ ትእዛዝ ክቕበል ናይ ግድን እዩ። እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ከይገፍሓና እቲ ሰራዊት ሃገራዊ ዲዩ ወይ ኣይኮነን ኢልና ኣብ መጎተ ንኣትወሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ እቲ ሰራዊት በቶም ውሑዳት  ምስቲ ገዛኢ ደርቢ ጠቕሚ ዘለዎም ሰብ ጸሩራታትን  መዓርግን ኢዩ ዝምእዘዝ። እዚ ዝሕብረና እንተልዩ እቲ ሰራዊት ተኣዛዛይ እምበር ካብቲ ስርዓት ዝርኸቦ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። እቶም ቀንዲ ተረባሕቲ እዮም እቶም ቀንዲ ክኹነኑን ክንጸጉን ዝግበኦም። እንተኾነ ዋላ ንዓኣቶም እውን ሃገራዊ መንነቶም ክንገፎ ዘይከኣል እዩ። ቅኑዕን ህዝቢ ዝመረጾን ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ዝምስረተሉ ከም ደቂ ሃገር ብዝፈጸምዎ ገበን መሰረት ሕጊ ብዘፍቅዶ መቕጻዕቶም ክወስዱ ግን ናይ ግድን እዩ።

እቲ ተራ ኣባል  ሰራዊት፡ ከምኡ እውን እቲ ካብቶም ምስቲ ስርዓት ጥቡቕ ውልቃዊ ረብሓ ዘይብሎም፥ ካብቲ መዓልቲ ፍርዲ ናጻ እዮም ክኾኑ ዘለዎም። እዚ ነቲ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ዝብል ክርዕምን ነቲ ጨቋንኡ ክቃወምን ኣጸቢቑ ዘራጉድን ነቲ ለውጢ ናተይ ኢሉ ክከላኸል ዘኽእልን እዩ። ከም ኣብነት ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ሱዳን ምስተባረዐ፡ እቲ ሰራዊት ቅድም ክብል ንትእዛዛት ጨቋኒ ስርዓት ዘተግብር ዝነበረ ውጹዕ ብምዃኑ፡ ምስ ህዝቡ ደው ኢሉ። እቶም ገለ ካብ ሰራዊት ዘይተዋሕጠሎም ግና ብትእዛዝ ናይቲ ዘምልኽዎ ስርዓት ብዙሕ ነፍሳት ኣህሊቖም ኢዮም። እምበእር  ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኤርትራ’ውን ኣብ መወዳእትኡ ከምቲ ናይ ሰራዊት ሱዳን  እዩ ክኸውን።

 ብወገን ደምበ ተቓውሞ፥ ነዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ብደገ ኰይና፡ ንስኻ’ውን ልዕሌና ተጨቊንካ ኣሎኻ ኢልና፡ ኣብ ጎድኒ ውጽዓት ደው ክብል ኢና ክንጽዕር ዝግበኣና። ካብኡ  ሓሊፍና ክሳብ ኣብ ኤርትራዊ መንነቱ ክንገፎ ንሕልን ኰይንና ግን ሃገራዊ  ሓይሊ ምዃኑ ንዝንግዕ ምዃንና እዩ ዝእምት። እዚ ሰራዊት እዚ ሃገሩ ጠንጢኑ  እንተወጸ ሃገራዊ፥ ኣብ ሃገሩ ኮፍ እንተበለ ዘይሃገራዊ ኢልና ክንፈርዶ እንተዀንና፥ ንሕና እቶም ህዝብና እናተወጸዐ ከሎ በይንና ከመይ ገርና ልዕሊ እቲ ሰራዊት ሃገራውያን ንኸውን? እዚ ሰራዊት እዚ  ውዒሉ ሓዲሩ ዘተኣማምን ድሕ-ረባይታ ረኺቡን እዚ ደምበ ተቓውሞ ሓደ ኢድ ኮይኑ ተጠርንፉ ኣሎናልካ ምስ ዝብልን፥  ነቲ ጨቋኒኡ  ዝኾነ ስርዓት ፈጺሙ ከናሕሰየሉ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ነዚ ሰራዊት እዚ እምበኣር ኣብ መስርዕ ጸላኢ ኣእቲና ብብረት ክነጥቅዖ ኣብ ንብገሰሉ እዋን እቲ ውግእ ሓድሕድ እዩ እንተ ተባሪዑ፡  ነቶም ተራ ኣባላት ሰራዊት ንኸነጥፍእ እንተዘይኮይኑ ነቶም ኣዘዝትን ተረባሕትንሲ ፈጺምና ኣይከንረኻኽበሎምን ኢና።  ውግእ ሓድሕድ ምስ ዝባራዕ ከኣ ሓደ እቲ መንእሰይ ሓይሊ እዩ  ካብ ክልቲኡ ወገን ዝድምሰስ። እዚ ሓይሊ እዚ ምስ ዝድምሰስ ከኣ ነታ ሃገር ደው ከብላ ዝኽእል ፍልጠትን ዝከላኸል ጉልበትን ብኸንቱ ክበርስ እዩ። እቲ ሰራዊት’ውን ክተጥቅዖ እናመጻእካ መሊሱ ህልኽ ይሕዞ እምበር ኢዱ ክህብ ውን ኣይኮነን።

 ሓደ ርሑቕ ከይከድና ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል፡  እቲ ሰራዊት ደርግ ክሳብ ዝሰዓር ኢዱ ኣይሃበን። ኣብቲ ዝተኻየደ ውግእ መንእሰይ ኢትዮጵያ እዩ ሃሊቑ እምበር እቶም መራሕትስ ኣይተሃስዩን።  ድሕሪ እቲ ውግእ እቲ ነታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ነቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ዝጥቀመሉ  ከም ጸላኢ ቆጺሩ ነቲ ትካል ካብ ሱሩ ምሕይዎ።  እዚ ክኸውን ዘይንጽበዮ ኣብ መንጎ ክልተ ደቂ ሃገር ዝካየድ ኲናት ኣብ መወዳእትኡ መሰል ዘይተረጋግጸሉ እንተዀንካ ንገዛእ ርእስኻ ካብቲ ዝሓለፈ ጨቋኒ ስርዓት ዘይትመሃር ምዃንካ እዩ ዘመልክት። እቲ ሰራዊት ሃገራውነቱ ተሓልዩ ከም ወዲ ሃገር መጠን መሰሉ ሕልው ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኩሉ ትካላት እቲ ጨቋኒ ስርዓት ብሱሩ ክመሓው ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፥ ንሓይልታት ምክልኻል ከም ጸላኢ ብምርኣይ ኣይኮነን።

ንሕና ደምበ ተቓውሞ እቲ ለውጢ ብውሽጢ ኢዩ ዝመጽእ ዝብል፡ ተረድኦ ካብ ሃለወና፡ ምናልባት ዓዲ ምስኣቶና ከምዚ ሰራዊት ደርግ ባሕጒግና መሰሎም ዘይሕለወሉ ኣገባብ ዲና ክንክተል። ከምኡ ዝብል ሕልና እንተልዩና ከምቲ ምስላ ኣበው “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት ንስኽንዶ ከይትበልዒ ሸዊት’ ዝብልዎ፡ ክኾነና እዩ እቲ ጉዳይ። ስለዚ ሕልና ደንበ ተቓውሞ ሓደን ንጹህ ሓደን ገበነኛ ከምዘይብሉ፥ ሓደ ሃገራዊ ካልእ ዘይሃገራዊ ገርና እንፈላልየሉ መገዲ ብምንም ኣገባብ ክንክተሎ ኣይግባእን። ብኸምዚ ኣገባብ እዚ እንተተጓዒዝና  መፍቶ እቶም ኣብ ፈቐዶ መራኺቢ ብዙሃን ንሰምዖ ዘሎና፡ ንሕና ተግርኛ ተዛረብቲ ተጋሩ ኢና እናበሉን፥ እቲ ኣብ ኣርባዓታት ምእንቲ ኤርትራዊ መንነቶም ክቃለሱ ዝተመስረተ ሰልፍታት ክነኣእሱን ታሪኽ ኣቦታትና ክድምስሱን፡ ብኡ ኣቢሎም ንህዝቢ ኤርትራ ክፈላልይዎ  ህርድግ ይብሉ ከም ዘለዉ ክንከውን ኢና።

ስለዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣነኣኢስና ዋጋ ከምዘይብሉ ካብ ምግባር ክንቁጠብን ንመጻኢ እውን መሰሉ ከም ሃገራዊ መጠን ሕልው ክኸውን ከምዝለዎን ብመትከል ክንኣምነሉ ይግባእ። እዚ ሰራዊት እዚ ጽባሕ ክሳብ ኤርትራ ትረጋጋእን ጥሮታ ዝወጽእን ንኡኡ ዝትክእ መከላኸሊ ሓይሊ እትሃንጽን  ነቲ ዝርከብ ሃጓፍ ዝምልእ እዩ ክኸውን። ምናልባት ካብ ውሽጡ ንህዝቢ ኮነ ኢሉ ዘበሳበሰን ገበን  ዝፈጸመን እንተልዩ ግን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ እዩ።

Last modified on Saturday, 18 January 2020 15:32