ኢትዮጵያ፡ ኣብ ብዓል ጥምቀት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም

2020-01-21 08:58:07 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1666 times

20 ጃንዩወሪ 2020

ዝፈረሰ ዳስ Image copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ቀጹሪ ግዳያት ክሳብ 10 ክበጽሕ ከም ዝኽል ተገሊጹ

ኣብቲ ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዝካየድ ዝነበረ ጽምብል በዓል ጥምቀት፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ቁጽሪ ናይቶም ምውታት ክሳብ 10 ከም ዝበጽሕን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ኣብቲ ሓደጋ ቆሲሎም ምህላዎምን'ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቲ ሓደጋ፡ ሓደ ኣብ ውሽጢ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ሃጸይ ፋሲለደስ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ብምፍራሱ ዝሰዓበ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን ሓደጋ ሰባት ሂወት ንምድሓን እናጸዓሩ እንከለዉ Image copyright AFP

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ጽምብል፡ ልዕሊ 15 000 ወጻእተኛታት ዝተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ።

ክልተ ወጻእተኛታት "ፊኲስ ጉድኣት" ከም ዝወረዶም ድማ፡ ማዕከን ዜና ፋና፡ ንሰብመዚ'ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ፋና፡ ኣብ ጸብጻቡ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ጠቒሱ'ሎ።

እቶም ሰብመዚ ኣብቲ ሓደጋ ሂወቶም ዝሓለፈ ሰባት ከም ዘለዉ'ኳ እንተረጋገጹ፡ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ግን ዛጊት ኣይጠቐሱን።

ጠምቀት ከብዕል ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ እዋን ሓደጋ Image copyright AFP

ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ መደረ ከም ዘስመዐት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

ወይዘሮ፡ ሳህለወርቅ፡ ኣብ መደረኣ'ውን "እዚ ዝረአናዮ ሓደጋ" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ክትዛረብ ተሰሚዓ ነይራ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-51180182

 

Last modified on Tuesday, 21 January 2020 10:03