ኣብ ይኣክልስ ርዒምና እንኽእሎኸ ንገብርዶ ኣለና?

2020-01-22 09:14:15 Written by  ብርሃነ ገብረመድህን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1673 times

ዓመተ 2019 ኣብ ኤርትራ፣ ምንቅስቓስ ይኣክል ብደረጃ ዓለም ለኸ ተወሊዱ ዝዓበየሉን  ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ዝሓሸ ምቅርራብን ሓሓሊፉውን ስምረት ዝተራእየሉ ዓመት ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ።  ብፍላይ ኣብ ኣበጋግስኡ መብዛሕትኤን ፖለቲካዊ ውድባት ንምንቅስቓስ ይኣክል ከም ሓደ ዓቢ ህዝባዊ ምልዕዓል ተቐቢለን ምስኡ ሓቢረን ክሰርሓ  ዘርኣይኦ ወለንታ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ብራህዋ ኤርትራ ዝግደሱ ወገናትን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ቅልጡፍ ሓድነት ክመጽእ’ዩ ዝብል ተስፋ ዘሕደረሎም ኣጋጣሚ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ብሸነኽ ፖለቲካዊ ውድባት ግን ብጀካ እተን ዝሰመራ ውሑዳት፣ መብዛሕትኤን ዓቕመን ዝፈቕዶ ክነሱ ምስቲ ህዝብና ዘለዎ ትጽቢትን ባህግን ዝዳረግ ጉሉሕ ናይ ሓድነት ንጥፈታት ከርእያ ኣይከኣላን። ስለዚ ሎሚውን ናብ 2020 ክንኣቱ እንከለና ነቲ ብኩራት ሓድነት ዝብሃል ክፍወስ ዘይክኣለ ሕዱር ሕማም ሒዝና ስለዝኾንና እዚ ኣተሃላልዋ እዚ መስሓቕ ታሪኻዊ ጸላእትና ከይገበረና ኣይተረፈን።  

ንኣብነት እቲ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ንስርዓት ኢሳያስ ከወድስ፣ ንሉዓላውነት ኤርትራ ብመራኸቢ ብዙሓን ከቈናጽብ ዝሰማዕናዮ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ብስቱር ዝእለም መጠነ ሰፊሕ ውዲታት ዘጋለጸ ነጸብራቕ ናይ ታሪኻዊ መርገጺ መስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ እዩ። መግለጺ ናይቲ ጋዜጠኛ ነቶም ዛጊት ንስርዓት ህግደፍ ዘይቀበጹዎ ጌግኦም ንኽርድኡ ከም ሓደ ጭቡጥ መርኣያ ክቐርበሎም፣ነቶም ብስም ተቓውሞ ኣብ ዕንክሊል ዝነብሩ ድማ ካብ ድቃሶም ከበራብሮም ዝኽእል ደወል ጌርካ ክውሰድ ዝኽእል እዩ። ነቲ ሕጂ ኣፍጢጡ ዝመጸና ዘሎ ናይ ህልውና ሕቶ ብውሕሉል ኣገባብ ንምምካት ስጡም ሓድነት ነረጋግጸሉ ሓድሽ ተበግሶ ክንወስድ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

ሎሚውን ከም 1950’ታት ካብቲ ንዓና ብግህዶ ዝርኣየና ንላዕሊ ብዝተራቐቐ ሜላ ንሉዓላውነትና ዝፈታተኑ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ግዳማውያን ሓይልታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ሃገርና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገማግም ጸድፊ እንከላ ንሕና ተቓወምቲ ተነጻጺልና ነካይዶ ንጥፈታት ካብቲ ዘንጸላልወና ዘሎ ናይ ብርሰት መልኣከሞት ዘናግፈና ኣይኮነን። ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ዓንኬል ተደሪትካ ብዛዕባ ፍልልይ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ኣብ ምዝታይ ዝጠፍእ ግዜ የለን። ነብስወከፍና ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ነንባዕላትና ሒዝና፣ንውልቃዊ ውዳቤና ብኻልኣይ ደረጃ ሰሪዕና ምእንቲ ህልውናና ክንብል ከም ዜጋታት ኣብ ሓደ ጽላል ተሓቛቚፍና ብዕቱብ ክንሰርሕ እንተዘይክኢልና ዓይንና እናረኣየ ሃገርና ካብ ኢድ ዜጋታታ ወጺኣ መፍቶ ባዕዳውያን ክትከውን እትኽእለሉ  ከቢድ ስግኣት የንጸላልዋ ኣሎ።

መጻኢ ዕድልና ብውድበይ ውድብካ ወይ ድማ በብውልቅና ብንወስዶ ስጉምቲ ዘይኮነስ ከም ዜጋታት ቅልጽምና ኣወሃሂድና ብነካይዶም ንጥፈታት እዩ ዝውሰን። እዚ ክግበር ዝነበሮ ትማሊ እዩ ነይሩ፣ ኣይተዓደልናን ድኣምበር። ሕጂ ድማ በዛ ተሪፋ ዘላ ዕድል ክንጥቀም እንተድኣ ኴንና ንጽባሕ ከይበልና ሕጂ ንበገስ። ከምቲ ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ ዝብሃል ኩለን ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ውድባት፣ማሕበራት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሰን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣብ ስራሕ ንኸውዕላ ብቐዳምነት ሓራን ውሑስን ህልውና ሃገር ከረጋግጻ ኣለወን። ብቐዳምነት ካብቲ ህግደፍ ንሃገርና ኣዳልዩላ ዘላ መሸጣ ኣድሒነን ንፖለቲካዊ ዕላምአን እትኸውን ኤርትራ ከውሕሳ ኣለወን። ጸላእትና ክውሕጡና እንጉይ እናበሉ እናረኣና ንውድብ ወይ ንማሕበር ቅድሚ ሃገር ምስራዕ ዘይቅኑዕ ኣኻይዳ ስለዝኾነ ከብቅዕ ኣለዎ።

ብመሰረቱውን ታሪኽ ደንበ ተቓውሞ ከምዝምስክሮ ከም እኽሊ ለማኒ ፋሕ ዝበለ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ኣብ ዝበዝሓሉን ጸላኢ ኢድ ኣእትዩ ክዘርገካ ኣብ ዝኽእለሉን ኩነታት ኣብ ክንዲ ንቀራረብ ነንሕድሕድና ክንባላዕ እዩ ግዜና ባኺኑ።ዛጊት ንሓድነት ዝበቕዑ ውድባት እቶም ሓደ ዓይነት መደብ ዕዮ ወኒኖም ብቕንዕና ንስምረት ዝተበገሱ ውሑዳት ጥራይ እዮም። ሕጂ ዝድለ ዘሎ ግን ቀጻልነት ህልውና ሃገርና ምርግጋጽ ስለዝኾነ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ጠርኒፉ ንኹሉ ንጥፈታትና ዘማእክል ሓደ ሃገራዊ ፎረም/ጽላል ናይ ምፍጣር ሕቶ እዩ።ኣተሃላልዋና ነጥቢ መቐይሮ ክገብር ኣለዎ። ሃለዋት ህዝብና ካብ ልቢ ከደንግጸና ኣለዎ፣ ነንሕድሕድና ንከባበር፣ ብዛዕባ ትማሊ ክንወቓቐስ ክንብል ሎሚ ከይንዝመት ብዓንተቦና ይቕረ ንብህሃል።

 ከሳስን ተኸሳስን ኴንና ንዳነየሉ ሃገራዊ ቤትፍርዲ ስለዘይብልና ነንሕድሕድና ምውንጅጃል ኣብ ትዕዝብቲ ጥራይ ኢዩ ከውድቐና።ምስ ህግደፍ ዘለዉ ክመጹና እናጎስጐና ክነስና ነቶም ትማሊ ዝተጸንበሩና ከነጓንዮምን ክንንጽሎምን ኣይግባእን። ዝኾነ ይኹን ሰብ ነዚ ናይ ሕጂ ቃልሲ ብጭቡጥ ከተዓናቕፍ ክሳዕ ዘይተረኽበ ነቲ ሕሉፍስ ድሕሪ ምውሓስ ሃገር ነርክበሉ።ጸለመ፣ ሕሹኽሹኽ፣ ሕመይታ መለለዪ ህግደፍ ድኣምበር ባህሪ ናይ ደላይ ፍትሒ ኣይኮነንሞ በጃኹም ደቂሃገር ንመዓዓድ።

ብዙሓት ከማና ዝኣምሰሉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መንጎኦም ንዝፍጠር ፍልልይ ካብ ዝተጠቕሙሉ ብስልጡን ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ተሞኩሮ ከም ኣብነት ክውሰድ ዝኽእል’ዩ። ርሑቕ ከይከድና ሓውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሓድነቱን ሓርነቱን ዝገብሮ ዘሎ ቅያ ክስትውዓል ዝግብኦ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብቑጽሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓበየ ክነሱ ሓድነቱ ንምድልዳል ኣይተጸገመን። ጸገም ነይሩዎ እንተኾይኑ እውን ከምንርእዮ ዘለና ምፍትሑ ኣይከበዶን። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ንዝገጠሞ ናይ ህልውና ሕቶ ከመይ ጌሩ ብውሕልነት ክሰግሮ ከምዝኸኣለ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። መራሕቱ ንዝሓለፈ ጌግኦም ይቕሬታ ሓቲቶም ንህዝቦም ኽኽሕሱዎ ብልቢ ስለዝተበገሱ ነቲ ተጻዊዱሎም ዝነበረ መፈንጥራታት ጥሒሶሞ ይግስግሱ ኣለዉ። ንምንታይ ድኣሉ ንዓና ንኤርትራውያን ሓድነት ምፍጣር ዝኸብደና?

 ኔልሰን ማንዴላ ን27 ዓመታት ምስዝኣሰሮ መራሒ ሃገሩ ተዛትዩ ክዕወት፣ ፖል ካጋመ ኣስታት 800,000 ዜጋታት ብጭካኔ ዝተቐትሉሉ ውግእ ሕድሕድ ንህዝቡ ይቕረ ኣበሃሂሉ ንሩዋንዳ ኣብ ጎደና ምዕባለ ክመርሕ ብሓባር ዝተዓዘብናዮ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያውን  ኣብዚ ቀረባ እዋን ብልጽግና ፓርቲን ፈደራላዊ ሓይልታትን  ዝባሃሉ ክልተ ደንበታት ምስተፈጠሩ ገለ ካብቶም ኣብ ግዜ ለውጢ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሎም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ተነጣጠፍቲ ናይ ባዕላቶም ሰልፍታት ሒዞም ምስተን ኣቐዲሞም ዝቃለሱወን ዝነበሩ ውድባት ሓቢሮም ንምስራሕ ከምዝተሰማምዑ ንርኢ ኣለና። ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ነቲ ዝነበረ ግርጭት ረሲዖም ሕጂ መላፍንቲ ክኾኑ ክትርኢ እንከለኻ ዝንኣድ  ስልጡን ኣተሓሕዛ እዩ። ናህና ድኣ ስለምንታይ እዩ ዓመታት ወሲዱስ ውጽኢት ኣልባ  ኮይኑ ዘሎ?  

ወዮ ድኣ  ዘበነ ስደትን ፋሕፋሕን ኮይኑ ባህልን ወግዕን ርሒቑና እምበር ትንፋስ ሰብ ንዝሓለፈሉ ባእሲ ከይተረፈ ዝዓርቁ ወራዙት ወለዲ ዝነበሩና ህዝቢ ኢና።  እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝገበሩዎ ዓይነት ዕርቂ ንዓናውን ዝኸብድ ኣይነበረን፣ኣይኮነንውን። ተወፋይነት ጥራይ ኢዩ ዝደሊ። ቀዳማይ ነገር ኣጠማምታና ኣማዓራሪና ኩሉ ኣተሓሳስባና ናብ ረብሓ ሃገር ጥራይ ዘተኮረ ጌርና ቀዳምነታት ክንሰርዕ፣ ከምኡውን ዓቕምናን መዛምድትናን ኣለሊና ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከቕርቦ ዝጸንሐ ናይ ሓድነት ጻውዒት ካብ ገለ ኣሓት ውድባት ተቐባልነት ዝረክብ ዘሎ ይመስል። ሓያሎይ ውድባት ኣብ ሓድሓደ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር መግለጺ ከውጽኣ ምርኣይውን ሞራል ዝህብ እዩ። ዝተፈላለያ ኣካላት ማሕበራዊ ሚድያ ደቂሃገር ዝገብሩዎ ናይ ሓባር ዜናውን ሓበሬታውን ስርሒታትውን ብሓቂ ዝንኣድዩ። ስለዚ ንሓድነት ባይታ ዝጣጥሕ ዘሎ ይመስልሞ ከይደንጐና ንጠቐመሉ። ስለዚ

ክሳዕ ሎሚ ኣብ መንጎና ንዝተፈጠረ ፍልልያት እንተተኻኢሉ ብይቕሬታ ክንሓልፎ ኣይኮነን ድማ ሃገር ካብ ህግደፍ ሓራ ክሳዕ ትወጽእ ኩሉ ነገር ተወንዚፉ ከምዝጸንሕ ምግባር፣ መሰረታዊ ናይ ጥርናፈና ዕላማ ምውሓስ ህልውና ሃገር ይኸውን።

ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝጥርንፍን ብመላእ ህዝቢ እምነት ዝግበረሉን ነቲ ጸረ-ምልኪ ቃልሲ ኣማእኪሉ ዝመርሕን ሃገራዊ ጽላል ብህጹጽ ምፍጣር፣ በዚ ኣጋጣሚ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን እውን ዓቢ ተራ ስለዝህልወኩም ተበግሶ ወሲድኩም እቶም እትፋለጡ ተጸዋዊዕኩም ኣብ ከይዲ እናበዛሕኩም ክትከዱ ስለእትኽእሉ ብዝተረኽበ ቁጽሪ ነብሰ ምውድዳብ ጌርኩም ናይ ሓድነት ጻውዒት ክትገብሩ ብትሕትና ንላቦ።  

ዞባዊ ጂኦፖለቲክስን ናይቲ ከባቢ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ኣብ ግምት ብምእታው ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብግቡእ ገምጊምካ ምስቶም ንሉዓላዊነትና ዝቕበሉ ሓይልታት ዝምድናና ምድልዳል። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ክልል ዓፋርን ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥቀሱ እዮም። ሽሕኳ ኣብ መስርሕ ናይቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝነበረ ዝምድና ዘጋጠመ ኣሉታዊ ተሞኩሮታት እንተነበረ ህወሓት ኣብ ርእሲ’ቲ ንምዕዋት ብረታዊ ቃልስና ዝኸፈሎ መስዋእትን ንዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ እቲ ነጻነት ዝሃቦ ውሳኔን፣  ሎሚውን ኣብ ነጻነት ኤርትራ መርገጺኡ ዘይቀየረ ውድብ  ምዃኑ ርዱእ  እዩ።

ርግጽዩ ምስ ዝምድና ህወሓትን ህግሓኤን ተታሓሒዙ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን  ኣብ ዘበነ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ነጻነት ብዙሕ ክኸውን ዘይነበሮ በደል ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝቢ ተፈጺሙ እዩ። ገሊኡ ታሪኽ ጥራይ ዝዝክሮ ገሊኡ ድማ እንታይነቱ ተመምዩ ሕጋዊ መዓልቦ ዝተገበረሉ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ነዚ ዝምድና ናብ ንቡር ክንመልሶ እንኽእል ንዝሓለፈ ጌጋታት ደጋጊምካ ብምልዓል ወይከኣ ንዝተወንዘፉ ጉዳያት ኣብዘይጥጡሕ ኩነታት ቅጽበታዊ ፍታሕ ይገበረሎም ብምባል ዘይኮነስ መጀመርያ ኣብ መንጎኻ ርክብ ፈጢርካ ንሕሉፍን ህሉውን ሓባራዊ ጉዳያትካ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ ቀጻሊ ስጉምትታትካ ተዛቲኻ  ፍታሕ ብምንዳይ እዩ።

ጉርብትናን ሕውነትን ብኣምላኽ እትዕደሎ ድኣምበር ብፖለቲካዊ ውሳኔ ወይከኣ ብምርጫ ዘይመጽእ ነባሪ ህልውና ዘለዎ  ከምምዃኑ መጠን ብገለ ኣጋጣሚታት ክትኳረ ጸኒሕካ ድማ ክትትኣራረምን እንተዘይኮይኑ ጌጋ ተረኺቡ ኢልካ ዝስረዝ ሕውነት የለን። ትግራይ ናብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ዝጽጋዕ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቐቢላ ብዘይ ስክፍታ ከምዝነብር ጌራቶ ዘላ ሓደ ምኽንያት እዚ ሕውነትዚ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ እዩ። ብሸነኽ ክልል ዓፋርውን ከምኡ ክልቲኡ ህዝቢ ብሓባር ይነብር ኣሎ። ንህወሓት ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ብሉዓላውነት ምእማኑ ጥራይ ዘይኮነስ ከልቲኡ ህዝቢ ከም ኣሕዋት ተፋቒሩ ከም ጎረቤት ድማ ተሓጋጊዙ ክነብር ከምዝደሊ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ገሊጹ ናብ ህዝቢ ኤርትራውን ደጋጊሙ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉ እዩ። ምስቶም ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ግቡእ ምቅርራብን ምትሕግጋዝን ክገብር ድማ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ተማሓዝዮም ከይነብሩ ብዙሕ ኣስማት እናሃበ ከረሓሕቕ ዝፍትን ሸነኽ ዘይሩ ዘይሩ ብራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይግደስ እዩ ምኽንያቱ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ምስኩሉ ጎረባብቱ ብስኒት ምንባር ስለዝኾነ። ሰላም ንኹሉ እዩ ዘርብሕ።

መራሒ ህግደፍ ካብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ብዝተዋህቦ መምርሒ ሓይልታት ለውጢ ኢና ኢሎም ንነብሶም ምስዘጠምመቑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሻሪኹ ንኤርትራ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ክሽምማ እንከሎ ህወሓት ግን ነዚ ብምንጻግ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተቐራሪቡ ንኽሰርሕ  ጻውዒት ምቕራቡ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ናይቲ ዞባ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ስለዚ ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓና ክንብል  ተቐራሪብና ንሰርሓሉ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ንሉዓላውነትና ዝጻባእ መስፋሕፍሒ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ንመላኺ መራሒኣ ካብ መረጸ ንሕና ድማ ብዓቢኡ እቲ ሕውነት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ብውሕዱ ረብሓ ህዝብና ምስ ዘውሕስ ሸነኽ ክንዛመድ ባህርያዊ ኢዩሞ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ብርቱዕ ኣቓልቦ ክዋሃቦ ዝግባእ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ዓለምና ነባሪ ረብሓ እምበር ነባሪ ዕርክነት የለን ከምዝብሃል ኩልና ልቢ ነዕቢ ንኹሉ ከይንስእኖ ከኣ ኣምላኽ ይሓግዘና።

ሓድነት ሓይሊ እዩ!

 

Last modified on Wednesday, 22 January 2020 10:17