ሽግራትና ቅዋም ከይሓንጸጽና ኣይፍታሕን እዩ

2019-09-27 05:59:05 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1979 times

ቀዳሞት ወለድና በቲ ዝነበሮም ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብሓባር ዝናበረሉ ሕጊ ብምምስራት ፍሉጣትን ውሩያትን ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ኮይኮነ፥ ኣብ ንሓድሕዶም ተሳንዮምን ተኸባቢሮምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮፍ ኢሎም፡ “ኣይፋልካን ኣቦይ እገለ፡ ነዓ ደኣ ካብ ሕጊ ዓዲ ኣይትውጻእ” እናበሉ ነገር ዘዳቕሱን ዝዓርቁን ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ፡ ወረድኡን ርቡኡን በብደረጃኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኢዩ። ከምኡ ክገብሩ እንከለዉ ነቲ ዝመርሖም ቆጽሊ የውድቑሉ እሞ ብኡ ተማእዚዞም ጸገም ከጋጥም እንከሎ “ዝባን ሕጊ” እናተበሃሃሉ ብሰላም ይነብሩ ነይሮም።

ሎሚ ሎሚ ግና ትምህርቲ እናሰፍሐን እናማዕበለን፡ ፍልጠት እውን ኣዝዩ ክብ ዝበለሉ ግዜ በጺሕና ክንስና፥ ክንዲቲ ኣእምሮ ቀዳሞት ወለድና ክንከውን  ኣይበቓዕናን። እዚ ምስቲ ግዜን ኩነታትን፥ ምዕብልናን ስልጣኔን ዝቀያየር ባህሪ ወዲ ሰብ ዘምጽኦ ጠባይ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ከመይሲ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝጥምቱ ናብ ንዓይ ይጥዓመንን ውልቃውነትን የድህቡ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ድማ ፍልልያት ይፍጠር እሞ፡ ኣብ ርኹብን ስኡንን ይመቓቐል። ብኡ መጠን እውን እቲ ማዕርነትን ተጻዋርነትን ይሃስስ። ኣብ ከምዚ ኩነት ድማ እቲ ግሉጽነትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ብናይ ሸፈጥን ኣንነትን ይትካእ እሞ ናብ ዘይተደልዩ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ገጹ ከምዘድህብ ይገብር።

እዚ ማለት፡ እቲ ብኣነነት ዝተጎብአ ባእታ ምስ ካልኦት ኣብ ስምምዕ ክኣቱ ክጻገም ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ክወስዶ ዝኽእል ኣገባብ ወይ ተጓናጺ፥ ዓማጺ፥ ርህራሄ ዘይብሉ ናይ ውልቁ ረብሓ ጥራይ ከምዝጥምት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ግዜ እዚ ነታ ረብሓኡ ክብል ንደቂ ሰባት ብዝኾነ መልክዕ  ኣላኺዑ ዲዩ፥ ኮታ ናብታ ዝደልያ ንምብጻሕ ብዙሕ ምስ ደቂ ሰባት ዘየሳኒ ክፍጽም ይኽእል እዩ። ንኣብነት ነፍሰ ተኣማንነት ምስ ዝስእን ብብሄር ዲዩ ብሃይማኖት፥ ቀቢላ መብቆል ኣቢሉ ንምትእስሳር ሃተምተም ክብል ይጅምር። እዚ ነቲ ዘጋጥም ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕን ዘተሓቛቚፍን ፍታሕ ምንዳይ ነቲ ሽግር መመሊሱ ከም ዝባላሕ ይገብሮ።

ልክዕ እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ወዲ ሰብ ናቱ ርድኢትን ሓሳብን ኣለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ምስ ካልኦት ከመይ ትሰማማዕ፥ ሓቢርካ ትሰርሕን ተኸባቢርካ ትነብርን ኣብ ዝብል ክሓስብን ክስመዖን እንተዘይክኢሉ ናብ ዓመጽ ገጹ ዝኸይድ ባህሪ ኢዩ ዘጥሪ። እዚ ከኣ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ነቲ ናቱ ሓሳብ ተቐባልነት ንኽረክብ ሃይማኖት፥ ወይ ብሄር፥ ወይ ዓሌት ከም ጭብጢ ክጥቀመሎምን ክኸፋፍለሎምን ይፍትን። እዚ ከኣ ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር የጒድሎን የጒድሞን፡ ናብ ናይ ነንወገንካ ምሕብሓብ ገጹ ድማ ይድይብ።

ደቂ ሰባት ኩሉ ህይወቶም ምስ ምንባር ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ናይ ግድን እዩ ኣብ ንሓድሕዶም ክደላለዩ። እዚ ግን ንኹሎም ብማዕረ ዘገልግልን ነቲ ዘይምዕሩይነት ብማዕርነት ዝትክእ ኣገባብ ክኸውን ይግበኦ። ማለት፡ እቲ ንደቂ ሰባት ዘተኣሳስር ሃገራዊ ቅዋም ብናይ ሃይማኖት ወይ ዓሌት ወይ ብሄር ዝተመርኰሰ ምትእስሳር ከኸውን የብሉን። እቲ ጉዳይ ንኹሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ከምኡ’ውን ባህሊ ብማዕረን ፍትሓውን ዝኾነ ዳንነት ዝረኽበሉ፥ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መነባብሮ ህይወት ደቂ ሰባትን እምነትን  ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ነጻነት ዝተመርኮሰ ኣሳታፊ ምትእስሳር እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ብወገኑ ንባህሪ ከመይ ገርካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ትእቱን፥ ነቲ ብሓባር ዘናብረካ ድማ ካብ ናይ ሓባር ርድኢትን ስምዒትን ነቒልካ ኣብ ረብሓ ኩሉ ዝውዕል ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ድኽነት ምውጋድን ንፍልልያት ምጽባብን ቅንዲ ዕላማኡ ክኸውን ይግበኦ። እዚ እውን ኣድልዎ ብዘይብሉ ሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን፥ ሕውነትን፥ ፍቕርን ኣቢሉ ንኻልኦት ብዘይሃሲ መፍትሒ ብምንዳይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኩሉ ግና ብቃልሲ እምበር ከምዚ ሎሚ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሃለዋት፡ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ኰንካ ዝረጋገጽ፡  ወይ እውን መላኺ ስርዓት ክተዂበልካ እትጽበዮ ኣይኮነን።

እዚ ማለት ግና ሰባት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካውን ሃገራውን ጉዳያት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ብዘየሕድር ኣገባ፡ ሃይማኖታዊ ብሄራውን ኣውራጃውን ርክባት ኣይሃልዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ መሰልን ነጻነትን ናይ እምነት፥ በብቋንቋኻ ምዝራብን ባህልኻ ምዕቃብን ይኸልእ ማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ምስ ካልኦት ብዘይገራጮ ወይ እውን ኣብ ህልኻትን ግርጭታትን ብዘየእቱን፥ ነቲ ኣብዝሓ ዘተኣሳስር ፈትልታት ብዘይበትኽን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብማሕበራዊ ጉዳያት ኣምሲልካ ደሓር ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክተእትዎ ግን፥ ነቲ ክህሉ ወይ ክፍጠር ዝኽእል ሽግራት ብዝኸፍአ መልክዑ የጋድዶ። ምኽንያቱ ሓንሳብ በዚ ዝካየድ ምጥርናፋት ወይ ምትእስሳራት ነቲ ምርሕሓቕ መሊሱ እዩ ዘጋፍሖ። እቲ ምርሕሓቕ ኣብ ዝጋፈሓሉ ድማ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ጥሙሕ ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ብግልጺ ተዛትዮም ነቲ ፖለቲካ በኪሎም እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ፍልልያት ክነብር ስለ ይደፋፍእዎ። 

Last modified on Friday, 27 September 2019 08:01