ኣብ ዮተቦርግ ዝካየደ ዓመታዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ኤርትራውያን ተሳቲፎም
2019-09-29 12:26:54 Written by ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1661 timesእቲ ዉሩይ ናይ መጻሕፍቲ ምርኢት( Expo ወይ Bokmässa ) ዝፍለጥ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዝካየድ 2ተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ሓንቲ ደራሲትን ተሳቲፎም ።
ካብ ዕለት 26 መስከረም ክሳብ 29 መስከረም 2019 ዝቅጽል መርኢት ናይ መጻሕፍቲ ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ኣደራሽ ናይ ክልተ ደርቢ ከተማ ዮተቦርግ ስቨንስክ ሜሳ ዝካየድ ዘሎ ኣሽሓት ሽወደናውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ደረስቲ ጸሓፍቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕባሌ ናይ ዲጂታል ማስ መዲያ ተክንሎጂን ትርኢትን ሓበረታን ዝህቡ ትካላት ፡ ሰሚናር ብኪኢላታትን ፡ ኣገደስቲ ፖሊቲከኛታት ዓውደ ክትዕን ዝካየደሉ ብኣሽሓት በጻሕቲ ከዕለቅልቅ ይርከብ። ኣብዚ ሰፊሕን ኣገዳስን ምርኢትን መሸጣ መጻሕፍትን ሃነጽቲ ሰሚናራትን ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማለት ኣሮን ብርሃነ ሓላፊ ብሕታዊ ጋዜጣ ሰቲቲ ኣማሓድሪ ዝነበረ ካብ ካናዳ፡ ኣማኒኤል ግርማይ ሓላፊ ጠረበዛ ዜና ናይ ነጻ ማዕከን ራዲዮ ኤረና ካብ ፈረንሳ ፡ ደራሲት ይርጋኣለም ፍሳሃ ካብ ጀርመን ተሳቲፎም።