ጽልእን ንዕቀትን ዝማእዘኖ ምልካዊ ስርዓት

2019-09-29 21:55:09 Written by  ብርሃነ ሃይለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1726 times

ኣብ ዓለምና ብዓይነቶምን ብጻዕቂ ምልከቶምን ዝፈላለዩ ብዙሓት ምልካዊ ስርዓታት ተራእዮምን እናተዘውተሩን ኢዮም። እቶም ፍሉጣት ዓይነታት ምልኪ ሓሙሽተ ኢዮም።

  • ወተሃደራዊ ምልኪ፡ ካብ ወተሃደራት ዝመጹ መኮንናት ስልጣን ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ንህዝቢ መሰላቱን ረብሓታቱን መንዚዖም ብሓይሊ እናረገጹ ዝመርሕሉ እዩ።
  • ሓደ-ሰልፋዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ሓደ ሰልፊ ዝዕብልሎ ስርዓት፡ ኣብ ኩሉ ስልጣናት ናይቲ መንግስቲ ዝስኩዑን ዝሽየሙን ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ኢዮም።
  • ንጉሳዊ ምልኪ፡ ብንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ተገቢቱ ዝኸይድ ስልጣን። እዚኣቶም ስልጣን፡ ምምራሕ ንዓኣቶም ጥራይ ከም ዝተዋህበ ኣሚኖምን ኣእሚኖምን ቤተሰቦም እናተተኻኽእሉ ዝኸይድ ስርዓተ-ምሕደራ ኢዩ። ንስርዓተ ምሕድራኦም ዝጻረርን ዝነቅፍን ኣብ ዝመርሕዋ ሃገር ክነብር ኣይክእልን።
  • ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት (ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ)፡ ኩሉ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ኢዩ። ረብሓታትን ሹመታትን ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝወሃብ። ኣባል ፓርቲ ወይ ኣባል ወተሃደራዊ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ፓርቲ ወይ ሚሊታሪ ኣብ ምውሳን ግደ የብሉን። ንሱ ዝደልዮም ኣዕሩኽቱ፡ ኣዝማዱ ወይ ተለኣኣኽቱ ኢዩ ኣብ ኣገደስቲ መንግስታዊ ቦታታት ዘቐምጥ።
  • ካብ ኩሉ ዝተዳቐለ ምልካዊ ስርዓት፡ እዚ ምልካዊ ስርዓት'ዚ ጠባያት ናይ ውልቀ-ሰብኣዊ ምልክን ሓደ-ስልፋዊ ምልክን ወተሃደራዊ ምልክን ሓዋዊሱ ወይ ኣዳቒሉ ዝኸይድ ኢዩ።

እቲ ንኹሎም ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዘመሳስሎም፡ ንፖለቲካዊ ስልጣንን ንጠቕላላ ጉዳያትን ናይ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽፃሮም ኣእቲዮም መሰላት እናረገጹን ህዝቢ እናጨፍለቑን ዝመርሑ ስለዝኾኑ ኢዮም። መተካእታ ክመጽእ ኣይደልዩን ኢዮም። እንተተቐልቀለ ድማ ከይዓበየ የሕቅቕዎ።  ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩን ዘፍቅሩን ንሳቶም ጥራይ ከምዝኾኑን፡ ንመንገዶም ዘይሰዓበ ዕድሉ ሞት ወይ ማእሰርቲ ኢዩ።

እቲ ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ ዲክታቶርነት ነዚ ዝመስል ካብ ኮነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣየናይ ዓይነት ኢዩ? መዓስ ኢዩኸ  መጺኡ? ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢዩ። ምኽኒያቱ ከኣ፡ ኩሉ ስልጣን ናይቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ኢዩ ዘሎ። ሓደ ሰብ ኢዩ፡ ንሱ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ንኹሉ ረብሓታትን ፖለቲካዊ ሹመታትን ዝውስኖ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኢሰያስ ይድቀቕ ይዕበ ጉዳይ ሃገር ክውስን ዝኽእል የለን። እቶም ከም ኣስማት ጥራይ ዝቖሙ ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ንማለቱ ውን ኣኼባ ካብ ዘይገብሩ ልዕሊ 15 ዓመታት ሓሊፍዎም ኢዩ።

ምዕራባውያን ተማጎትቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ከም "ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ" ገይሮም ክገልጽዎ ይረኣዩ ኢዮም። ንዓና ኤርትራውያን ግን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝኸፍአ ኢዩ። ሰሜን ኮርያ ናትና ዝብልዎ ትሸዓተ ግዜ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ኣለዎም። እታ ሃገር ወናኒት ናይ ኑዩኩለራዊ ዓቕሚ ኮይና ዘላ እያ። ናታ እትምረሓሉ ኣይዲዮሎጂ ሒዛ ውሽጣ ኣረጋጊኣ እትኸይድ ዘላ ኢያ።

 ኤርትራ ግን ብዘይ ሕገ-መንግስትን እዚ ኢዩ ክትብሎ ዘይትኽእል ዓለመ-ርእይቶን፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ፊን ብዝበሎ እትምራሕ ዘላ ሃገር ኢያ።

ገለ ሰባት ዲታቶርነት ኢሳይያስ ካብ ግዜ ምእሳር ጉጅለ 15ን  ኣዳለውቲ ናጻ ጋዜጣታትን ዝጀመረ ጌሮም ክገልጹ ይፍትኑ ኢዮም። ገለ’ውን ካብ 20 ሰነ 1991 ኣብ መዓልቲ ስዉኣት " ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን" ካብ ዝበለሉ ኢዩ ጀሚሩ ዝብሉ ኣለዉ።

እዚ ክልተ ኣጋጣሚታት'ዚ መግለጺ ናይ ዲክታቶርነቱ ምዃኑ ዘየማትእ እኳ እንተኾነ፡ ሽዑ ኢዩ ጀሚሩ ዘብል ግን ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ኣብ ሜዳ ከሎ፡ ካብ ቅድም ቦታኡ እናመድመደ ኢዩ መጺኡ። ኣብ ስልጣነይ ዕንቅፋት ክኾኑኒ ይኽእሉ ኢዮም ንዝብሎም ኣርሒቖም ጠመትቲ ተጋደልቲ ኣብ ጉዕዞ ኣሕቂቕዎም። ነታ መወዳድርቲ ክትከውን ኢያ ኢሉ ዝፈርሓ ዝነበረ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ተማሓዚዩ ኣድኪምዋ። ብዘይካ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣቲዩ ምቅላስ፡ ከም ናጻ ውድብ ኮይኑ ዝኾነ ውድብ ንኸይቃለስ ተኣጊዱ። ስለዚ እቲ ምልኪ ካብ ድሕሪ ናጽነት ዝጀመረ ዘይኮነስ ቅድሚኡ ዝነበረ ኢዩ።

ዲክታቶራውያን ፍቕሪ ሃገሮም ከም ዘለዎም ብጭርሖታት ይገልጹ ኢዮም። ሙሶሊኒ ንጣልያን፡ ሂትለር ንጀርመን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ንኢትዮጵያ ዘይጨርሕዎ ኣይነበረን።ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ካብ ሃገራቶም ወጺኦም ዘይናቶም መሬትን ህዝብን ክሕውሱ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዲክታቶርነቶም ምኽኑይ እንተዘይነበረ፡ ኢጣልያውነት፡ ጀርመናውነት፡ ኢትይጵያውነት ዝብል ስምዒታት ኔርዎ ኢዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ልቢ ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ኤርትራውነት ዝብል ስምዒት የለን። ንህዝቢ ኤርትራ ኣይፈትዎን ኢዩ። ብንዕቀት ኢዩ ዝሕዞ። ህዝቢ ኤርትራ ክሕጎስ ኣይደልዮን ኢዩ።

ዲክታቶር ኢስያስ፡ ናይ ኤርትራውነት ስምዒት እንትዝነብሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈቱ እንተዝነብር፡ ብቐዳምነት ዶባት ኤርትራ ካበይ ናበይ ኢዩ ከም ዝፍለጥ ምገበረ። እዚ ድማ ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን፡ ኣብ 1991 ክኸውን ዝነበሮ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈቱ ነይሩ እንተዝኸውን ካሕሳ ካብ ገዛኢት መንግስቲ ክሓትት ምተገብአ ነይሩ። እዚ ኹሉ ተሪፉ ግን፡ "ዝምድናና ናብ ዶብ ኣልቦ ደረጃ ከነሰጋግሮ ኢና" ብማለት ነቲ መሰረታዊ መለለይ ናይ ሓንቲ ሃገር "ዉሱን ዶባት ዘለዋ" ዝብል ጎስይዎ ከይዱ።

ሕጂ’ውን ነቲ ድሕሪ ክንደይ ህይወትን ንብረትን ተኸፊልዎ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተበየነ  ናይ ዶብ ጉዳይ፡ ናይ መወዳእታ መልክዑ ከትሕዞ ኣይደለየን። ኤርትራ ብውሱን ዶባታ እትፍለጥ ሃገር ኮይና ክትረአ ድሌት የብሉን። ኣብ ክንድኡ፡ "ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ፡ ክልተ ህዝቢ ኢዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ  ዘይፈልጡ ጥራይ እዮም" ይብለና ኣሎ።

ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ፈጢራ፡ ክሳብ ናብ ኮንፈደረሽን ምግባር ዝብጽሕ ኩነታት እንተመጺኡ፡ ምሕንጻጽ ዶባታ፡ መለለይኣ ድኣምበር ዓንቃፊ ኣይኮነን። ናይ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብያ ንምሕንጻጽ ዶብ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይቀስንን ካልእ ውዲት ዘለዎን ኢዩ።

ዲክታቶር ኢስያስ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ብብዙሕ ኣጋጣሚታት መልክዓትን ተገሊጹ ኢዩ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕሸል መንእስያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ኣብ ላምፓዱሳ) ክመቱ እንከለዉ፡ ክንዲ ቅንጣብ ትኣክል ድንጋጸ ኣይርኣናሉን። ኣስከሬኖም ኣብ ሓመድ ዓዶም ከይቅበር ድማ ከልኪልዎም።

ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ክብሩን ሃገራዊ መንነቱን ክመልስ ሓቢሩ ክትስእ ይግብኦ። ነዚ ብንዕቀትን ጽልእን ዝገዝኦ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምልጋስ ካብዚ ሕጂ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ንላዕሊ ምኽፋል ዘድልዮ ኣይኮነን።

Last modified on Sunday, 29 September 2019 23:57