ሕዝቢ ኤርትራ ኣርዑት ስለ-ዝኸበዶ  መራሕቲ-ሃይማኖት ደሃዩ ክገብሩ ይጽውዕ ኣሎ

2019-04-25 18:38:27 Written by   ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1678 times

እቶም ሰብ ታሪኽ ዝኾኑ ዓደቦና  “-ኣውያት ግበር’ሞ፥ ሰብ ክእከብ ረዳኢ ከኣ ክርከብ-” ዝብል ምስላ ጸኒሑዎም’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፥ ዝኾነ ጸገም ክፍታሕ ዝኽእል፥ ሰብ ምስ ዝእከብን ምኽሪ ምስ ዝርከብን’ዩ ንምባል እዩ። ብርግጽ ድማ ንሕና ብታሪኽና ምስ ባይቶ-ዓደቦ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ከመይሲ ንኹሉ ጸገማት ክፈትሕ፥ ሕቶ ኅብረተ-ሰብ’ውን ክምልስ ዝጸንሐ፥ ባይቶ ዓደቦ ምዃኑ’ዩ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ።

ስለዚ’ውን ኣብ ኅብረተ-ሰብና፥ ባይቶ-ዓደቦ ዝለዓለ ተራ’ዩ ጸኒሑዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ግና፥ ታሪኽ ባይቶ ዓደቦ ነበረያ ነበረ ከም-ዝበሃል፥ ኣሰሩ ደሊኻ’ውን ክርከብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘሎና። ብዝተረፈ ናይ ዕድል ነገር ግዲ ኮይኑ፥ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ባዕዳውያን ገዛእቲ መጺኦምን ከይዶምን ‘ዮም። ንክብሪ ባይቶ ዓደቦ ዝገሃሰ ገዛኢ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ ግና ኣይጸንሓናን። ካልእሲ ይትረፍ እቲ ኣብ 40-ታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ-መሥርሕ ሃገርና እንተረአና።

ሕዝብና ኣብቲ መጻኢ ዕድሉ ንክውስን፥ ክልተ ግዜ ቀሪቡሉ ዝነበረ ሕቶ። ኣብቲ ክልቲኡ እዋናት፥ እቶም ብመንገዲ ኅቡራት-መንግሥታት ኣቢሎም መጺኦሞ ዝነበሩ ሓተትቲ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ባይቶ ዓደቦኡ መጺኦም ደኣ’ዮም ዝሓተቱዎ እምበር፥ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ጸዊዖም ወሲዶሞ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ 1991 ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ ግና። ንባይቶ ዓደቦ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ከኣ፥ ሕዝብና ኣፉ ስለ-ዝተለጉመ። ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ፥ እንሆ ከም መሸላ እናሓረረ ክስሕቕ፥ ተገዲዱ ይርከብ ኣሎ።

ብዝተረፈ ከየብዛሕካን ከየውሓድካን ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ሃገርና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ትርከብ ምህላዋ፥ ብዙሓት ብዛዕባኣ ጽሒፎምን ተዛሪቦምን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ’ዮም፥ ነቲ ሕጂ ዘሎዋ መንነት ንምግላጽ “-ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮርያ-” ዝብል ቅጽል ክህቡዋ ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ዝተዋህባ ቅጽል’ዚ ከኣ፥ ልክዕ ዝሰማምዓን ብዕቅና ከም-ዝተሰፍየን ክዳን ስለ-ዝኾነ። ካብ ንዕኣ ሓሊፉ ንማንም ካልእ ይሰማምዖ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ከመይሲ እቲ በቲ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት። ሓደን ክልተን ኢልካ ዝርዝሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝብና፥ ካብ ማእሰርትን, ቅትለትን, ስደትን, ሞትን ምልቓቕ ስኢኑ፥ ብቐጻሊ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ቅዋማዊ-መንግሥቲ ካብ ዘይብላ ሃገር ከኣ፥ ሕግን ፍትሕን ሥርዓትን ክርከብ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ግዳስ ንሕና እቶም ሕዝቢ’ዛ ሃገር’ዚኣ እንበሃል። ገሌና እንስሕቕ ገሌና ከኣ እንቝዝም ብምዃንና።  ንማኅበረ-ሰብ ዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ምህላውና’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ሕማምና ሓኪም ክፈልጦን ክፍውሶን ዘይክእል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

የግዳስ ከም ሓቂ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ኃቢርና ክንበክን ክንቝዝምን ዝግበኣና ሕዝቢ ደኣምበር፥ ተፋላሊና ክንርከብ ዝግብኣና ኣይነበረን። ከመይሲ   እቲ ኩሉ ኣደራዕ ብኃባር ኢና ክንቅበሎ ንርከብ ዘሎና። እቲ ሕዝቢ ኣብ ሓሳብ ሓደ ኮይኑ ንኸይርከብ ግና፥ እተን ፈቖዶኡ ጫጭሐን ዝርከብ ዘለዋ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈታት። ኣብቲ ሕዝቢ እሾኽ ኣብ ምዝራእ’የን ተዋፊረን ዝርከባ ዘለዋ። ከም ውጽኢት’ዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፥ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና ዋይ እናበለ ክቝዝም ከሎ። እቲ ካልእ ክፋል ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ ክስዕስዕን ክዕልልን’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ንሳቶም እቶም ዝስዕስዑ፥ ኣብ ዓዲ ዴሞክራሲ እናተቐመጡ ከለዉ፥ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ሕዝቦም እናላገጹ ክስዕስዑ ምድላዮም እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ-ዓዲ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና ግና። ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣውያቱን መረረኡን ከስምዕ ዘኽእሎ ባይታ ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ሥርዓት ንሕቶ ሕዝቢ ክምልስ፥ ወይ ንዝቐርበሉ ወቐሳ ክጻወር ዘኽእሎ ትዕግስቲ፥ ትማሊ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ-ዝኾነ’ውን ዝኾነ ዝለዓል ሕቶ፥ ነቲ ሥርዓት ከም-ምቅዋም ወይ ከም ጸላኢ ስለ-ዝውሰድ። ዝኾነ ነገር ክብል ዕድል ኣለዎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ሕዝቢ-ኤርትራ ከም ኣድገ በቕሊ፥ ብልጓም-ፖለቲካ እናተገርሐ፥ ዝበሉዎን ዝኣዘዙዎን ኮይኑ ምንባር እንተ-ዘይኮይኑ። ሕዝቢ ንክሓትት ዘፍቅድ መሰል ኣብ ኤርትራ፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን።   

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንዓና ከም ሕዝቢ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ክህበና ዝኽእል ኣይኮነን። ሓደ ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል፥ ጥርናፈ ስለ-ዝተሳእነ ግና። ገሌና ከነጣቕዕ ገሌና ድማ ክንነብዕ ንርከብ ኣሎና። ግዳስ ከምቲ “-ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ-ይሰትያ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ። ናይቲ ሰብኣዊ-ክብርና ገፊፉ፥ ደም ከንብዓና ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት፥ ኣጣቓዕቲ ኮንና ንርከበሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ናይ ሞት ይጽናሕ፥ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ኢሎም ዝምስሉ።    

ርግጽ’ዩ ኣከያይዳና ኣይጸበቐን ብምባል፥ ልዕልና ሕጊ ዝተኸተለ ሥርዓት ንኽህሉ፥ በብግዚኡ ክግበሩ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ነይሮም ‘ዮም። ግዳስ እቲ  ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ንኹሎም ውሒጡ ከም-ዘጥፍኦም፥ ካብቲ እቶም ክልተ ጀጋኑን ተባዓትን ዝኾኑ ተጋደልቲ፥ ማለት ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተክለ-ጊዮርጊስን፥ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቶም ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ፥ ጌጋ ንኽእርሙ ኢሎም ተላዒሎም ዝነበሩ ምሁራን። ተደምሲሶም ከም-ዝጠፍኡ ክግበር ዝተኻእለኮ፥ ኣብ ገበን ስለ-ዝተረኽቡ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ነይሩዎ ዘይበሃል መሪሕነት። እቲ ምንቅስቓስ ናይቶም ምሁራን፥ ንሥልጣኑ ከም ሓደጋ ወይ ስግኣት ኮይኑ ስለ-ዝረኣዮ። እቶም ሓልዮት ሕዝብን ሃገርን ዝነበሮም ምሁራን፥ ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ክጠፍኡ ከለዉ፥ እቶም ተጋደልቲ’ውን እንተኾኑ፥ ይርእዩን ይሰምዑን ነይሮም’ዮም። ዓገብ-! ክብሉ ግና ኣይተረኽቡን።   

እቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝነበሩ፥ ናይ ማይ-ሓባር ተጋደልቲ’ውን። መሰልና ይተሓሎ ኢሎም’ዮም ዝሓተቱ እምበር፥ ካብኡ ሓሊፎም ዝበሉዎን ዝገበሩዎን ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝረኸቡዎ መልሲ ግና፥ ኣብ ማእከል ጎልጎል ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ከም-ዝጠፍኡ‘ዩ ዝተገብረ። ብወገን ሕዝቢ ኮነ፥ በቶም ብጾቶም ተጋደልቲ ግና፥ ርኢኻ ሱቕ ካብ ምባል ሓሊፉ፥ ዝተገብረ ወይ ዝተላዕለ ተቓውሞ ነይሩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ሕልና’ቶም ተጋደልቲ ኮነ፥ ሕልና’ቲ ሕዝቢ መሬት ከም-ዝዘብጥ ኮይኑ ስለ-ዝተሃስየ። እንኳንዶ እምቢ-! ብምባል ድምፂ ተቓውሞ ከስምዕሲ ይትረፍ፥ ዝኾነ ነገር ክብል’ውን ዓቕሚ ነይሩዎ ዝበሃል ኣይነበረን።

ይተካእ ይለቀብ ድማ፥ ኣብ 1997 ዓ/ም (2005) ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዘወሃሃዶ ኣድማ፥ ካብ ሥልጣኖም ብፖለቲካዊ-ጐነጽ ከም-ዝወርዱ ክግበር ከሎ። ሽዕኡ’ውን ዓገብ-! ክብል ዝኽእል ሕዝባዊ-ተቓውሞ፥ ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ከመይሲ ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ዓድታት ሓማሴን፥ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጉዳይ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዐን ተባሂለን “ናዅራ” ከም-ዝሰፍራ ዝተገብራ ዓድታት ስለ-ዝነበራ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዝኾነ ነገር ክብል ዝደፈረ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ሕዝቢ፥ ብቐጻሊ እናሞተ ከሎስ፥ ሞት ካብ ምፍርሁ ዝኣክል፥ ከም እንስሳ ኩን ዝበሉዎ እናኾነ ዝነብር ዘሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን፥ እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ። እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣከያይዳ’ቲ ሥርዓት። ቅዋማዊ ኣሠራርሓ ዘይተኸተለ፥ ብሓደ ሰብ ተመሪሑን ተጐቲቱን ዝኸይድ ምዃኑ  ብምቅዋም። ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንኽትህሉ’ዮም ጻውዒት ዝገበሩ። እዋኑ ዝሓለወን ግዚያዊ ሕቶን ብምንባሩ ድማ፥ እዚ ሕቶ’ዚ ምሉእ ናይ ሕዝቢ ደገፍ ከም-ዝነበሮ ዝፍለጥ’ዩ። ንሱ እቲ ውልቀ-መላኺ ግና፥ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ፥ ክጻወር ዘኽእል ብቕዓት ወይ ትዕግስቲ ስለ-ዘይነበሮ። ነቶም ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን ኮነ፥ ኣዳለውቲ ብሕታውያን-ጋዜጣታት ዝነበሩ ኩሎም ብኣልማማ፥ ኣብ መቝሕ ከእትዎም’ዩ ዝተጓየየ። ዓገብ-!! ክብል ዝኽእል ሕዝቢ ግና ሽዕኡ’ውን ኣይተረኽበን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት ድማ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ። ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። መወዳእታኡ ድማ ኣብ 2005 ዓ/ም (2113) ኣብ ላምባዱሳ 365-ደቂ-ሕዝቢ፥ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ጠፊኦም ዝብል መርድእ ተሰሚዑ። በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ድማ፥ ዓለም ብዓለሙ’ዩ ከንቀጥቅጥ ዝተራእየ። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሥርዓት ግና “..ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን’ዮም..” ብምባል’ዩ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ክህብ ዝተሰምዐ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ንዕቀት ከም-ዘለዎ ዘርኢ’ዩ ነይሩ።

ብርግጽ ድማ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን። ካብዚ ዘሎናዮ ጸበባን መከራን ንኽንገላገል ተባሂሉ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ኩሉ-ዓመታት፥ ክግበር ዝጸንሐ ምትእኽኻባት ውሑድ ኣይነበረን። ሃገራዊ-ባይቶ ቈይሙ ዝተባህለሉ እዋናት’ውን ነይሩ’ዩ። ንጸገም ሕዝብና መሠረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳብ ግና፥ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ’ውን እቲ ንሕዝቢ ዘይውክል ዲክታተርያዊ-ሥርዓት። ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ሕዝቢ ኮይኑ፥ ምሽክዕላሉ ክቕጽል’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና ከም ንሕና መጠን ግና፥ እቲ ከም ሓደ ሕዝቢ ደው ከብለና ዝኽእል ዝነበረ ጥርናፈ፥ ዓቂብናዮ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ።

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ብኣጋጣሚ ዝኾነ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንታይ ደኣ እቲ ኣብ 1991 ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ከዕገርግረናን ሰላምና ክዝርግን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ንእስራኤላውያን’ውን፥ ኣብ ግዜ ሮብዓም ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ነይሩ’ዩ። ንዕሽነትን ንዕቀትን ሮብዓም ግና ተጻዊሮሞ ክኸዱ ኣይደለዩን። ብትብዓት መኪቶም’ውን፥ ነቲ ተጻዒኑዎም ዝነበረ ኣርዑት ባርነት፥ “-እምቢ-” ብምባል፥ ሰይሮም ከም-ዝደርበዩዎ’ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። (1ነገ.12/3-17)

ኩነታት ሰላም-ሃገርና ድማ። እቲ ተስፋ መመሊሱ እናረሓቐ ደኣ’ዩ ክኸይድ ዝርአ ዘሎ እምበር፥ ዛጊት ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንምምሥራት ኣብ ዘኽእል ተስፋ፥ ተበጺሑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ እቲ ጉዳይ ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ። ደቂስና ክንሓድር ዘኽእለና፥ ወይ ሰላምን ቅሳነትን ክህበና ዝኽእል ኮይኑ ኣይረአን ዘሎ። እቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ ተጻዊርና ድማ፥ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ንሕና ክንነብር እንተደኣ ኮንና፥ ዘሎና ምርጫ ሓደ ጥራይ’ዩ። ንሱ ድማ ህልውና’ቲ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሡሩ ተማሕዩ ከልግስ፥ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢልና ክንጥምት፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ይግድደና ምህላዉ ክንዝንግዕ የብልናን።

ስለዚ ኩሎም መራሕቲ-ሃይማኖት። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝኾነ ዋኒን ንላዕሊ። ቀዳምነት ሂቦም ክሥርሑሉ ከም-ዝግባእ፥ ንሳቶም’ውን  ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ሕዝቢ ይብተን ሃገር ከኣ ትፈርስ ኣላ፥ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት’ዚ። ልቦም ወዲቑሎም ክድቅሱ ይኽእሉ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ እቲ መኣዝኑ ስሒቱን፥ ናበይ ከምዘብል’ውን ጠፊኡዎ ዝርአ ዘሎ ሕዝብና። ኣንፈት ዘትሕዞን መንገዲ ዘርእዮን ሓጋዚ ይደሊ ኣሎ።

እዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት’ዚ ከኣ። ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታት ንላዕሊ፥  ክበቕዖ ወይ ክምልከቶ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ዘሎ ኣይመስለናን። ንሳቶም ብሓባር ዝጸውዑዎ ጉባኤ ከም-ዝዳሎ ኮይኑ ከኣ። ንኩሉ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ ከሳትፍ ዝኽእል። ብደረጃ-ሃገር ዝጥመት ሓደ ዓቢይ ጉባኤ ክግበር፥ እቲ ሕዝቢ ይሓትት ምህላዉ፥ እቶም ኣቦታት ብዓቢይ ትዅረት ክጥምቱዎ ዝግባእ፥ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ወሳኒ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ።

ብዝተረፈ እቲ ግዜ ኣንጻር ረብሓ ሕዝብና፥ ፍጥነት ወሲኹ ክጐዪ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቶም ን27-ዓመት መመላእታ ብዕድል ሕዝብን ሃገርን ክጻወቱ ዝጸንሑ መራሕቲ ፖለቲካ ከኣ። ኣብ ካልእ ዘይምልከተና ጸገም፥ ከእትዉና ደኣ’ዮም ሃነፍነፍ ክብሉ ዝረኣዩ ዘለዉ እምበር። ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ክቕመጡ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ኣብ ዝኾነ እዋን፥ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፥ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ክባራዕ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፥ እቶም መጀመርታ በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ክልብለቡ ዝኽእሉ። ንሕና ኢና’ምበር፥ ካልእ ሕዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ከምኡ’ውን እቲ ብመንገዲ ዶክተር-ዓቢይ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዕርቂ። ንሕና ከም ሕዝቢ እንደልዮን እንምነዮን እኳ እንተኾነ። እቲ ሓንሳእ ጎንደር ሓንሳእ ድማ፥ ኣዋሳ እናኸድካ ክግበር ዝተራእየ ወዛሕዛሕ-!! ግና፥ ካብ ንፕሮፖጋንዳዊ-ሃልኪ ምዃን ሓሊፉ። ውሕስነት ዘለዎ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ይኽእል’ዩ፥ ዝበሃል ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ። እዚ ብጭቡጥ ከምዚ’ዩ ነይሩ ኢልካ ክዝረበሉ ዘይክኣል ዑደት’ዚ። ውጽኢታዊ’ዩ ነይሩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ንኽልቲኡ ሕዝቢ ዘርብሕ ዘተኣማምን ዕርቅን ሰላምን ተረኺቡ’ዩ ዝብል እምነት ኣብቲ ሕዝቢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።ብዝተረፈ እቲ ናብ ኵናት ንኽእቶ ጠንቂ ዝኾነ ባድመ፥ ኣብ ክሊ ትግራይ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ። እቲ ንትግራይ ዘሊካ ብምኻድ፥ ኣብ ጎንደርን ኣዋሳን ክግበር ዝቐነየ ብልቦና ዘይተጠመተ ፖለቲካ። ኣብ ዝኾነ ክበጽሕ ዘይክእል ፍሹል ምንባሩ፥ ክልቲኡ ሕዝብታት ድሮ ፈሊጡዎ ኣሎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘሎና።  

ብዝተረፈ ከምቲ “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-” ተባሂሉ ዝምሰል። እቶም ንሕዝቢ-ኤርትራ ትማሊ፥ ኣብዚ ኩሉ ጸበባን መከራን ከም-ዝሽመም ዝገበሩዎ መራሕቲ-ፖለቲካ። ሕጂ ድማ ንዕኡ ነቲ ደም ከንብዕዎ ዝጸንሑ ሕዝቢ ሓሊፎም፥ ነቲ መድረኽ ቀዲሞም ክቈጻጸሩዎ። ብዝኾነ ተኣምር ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ’ዚ እቶም መራሕቲ-ሃይማኖት ኣቦታት፥ ነዚ ሰብ ክጾሮ ዘይክእል መከራን ጸበባን እናተቐበለ፥ ግደ ማእሰርትን ሞትን ስደትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ። ዝጸንሖ ፍልልያት ኣወጊዱ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሰላምን ዕርቅን መኣዲ ክራኸብ’ሞ፥ ነቲ ናይ መጻኢ ዕድሉ  ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ። ባዕሉ ዝቈጻጸሮን ዝውንኖን ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ። ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ’ዚ።ሓገዝ መራሕቲ-ሃይማኖቱ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕርን ምርድዳእን መኣዲ ከራኽቡዎ’ሞ፥ ንመሰሉን መጻኢ-ዕድሉን ባዕሉ ወሳኒ ኮይኑ ክርከብ። እስከ ዘይብሉ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ከካይዱ፥ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም-ዘለዎም ይዝንግዑዎ’ዮም ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እቶም ን27-ዓመት መመላእታ፥ ነቲ ሕዝቢ ደም ከንብዑዎ ዝጸንሑ መራሕቲ-ፖለቲካ ሃገርና። ሕጂ ንሕዝብን ንሃገርን ብምውካል፥ ኣብዝን ኣብትን እናተገላበጡ ወዛሕዛሕ  ክብሉ ዝፈቕደሎም ሕዝቢ የልቦን። ካብ ሕጂ ንደሓር እግሮምን ኢዶምን ኣኪቦም ደኣ፥ ወሰን ከይዶም ጸግዖም ይሕዙ እምበር። ወከልቲ ሕዝቢ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ክቐርቡ፥ ሕጋዊ ኮነ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን። ከመይሲ ባዕላቶም’ውን “-game over-” ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ብርግጽ ድማ እቲ ብዕድል ሓደ ሕዝቢ፥ ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ኣብዚ ኣብቂዑ ስለ-ዝኾነ። ካልኣይ ግዜ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ይረኽቡ’ዮም ኣይንብልን።     

ስለዚ’ውን እቲ ሕጂ ሃገርና፥ በጺሓቶ ትርከብ ዘላ ውድቀት። ግዜ ክህበና ዘይክእል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ ወጻኢ ዝርከቡ ዘለዉ ተጸዋዕቲ ሃይማኖታውያን-ትካላት። እቲ ኣብ መንጎ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ተጻዊሮም ብምክእኣል። ንድኅነት ሕዝብን ሃገርን’ውን ክብሉ። ሓደ ንኹሉ ከሳትፍ ዝኽእል፥ ዓቢይን ሰፊሕን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝከኣለሉ ኣቢሎም፥ ጠመተ ወይ ጻዕሪ ክገብሩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገርና፥ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞም ምህላዉ ክዝንግዑዎ የብሎምን በሃልቲ ኢና።

ይኹን እምበር እቶም ኣብ ሥልጣን ዘለዉ መራሕቲ-ፖለቲካ። ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት። ሕዝብና ሃይማኖትን ባህልን ክብርን ታሪኽን መንነትን ዘይብሉ ኮይኑ ንኽተርፍ። ብመደብ ክሠርሑሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ከም ንሕና መጠን። ሓደ-ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል ጥርናፈ ስኢንና፥ ኣብ ሓደ መወዳእታ ክርከቦ ዘይክእል፥ ኮለል ኣቲና ንርከብ ዘሎና

ስለ’ዚ ነዚ ናይ ቅርሕንቲ ሕማም’ዚ ፈዊሶም። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ከራኽቡዎ ዝኽእሉ፥ ንሳቶም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ስለ-ዝኾኑ። ኣውያት እቲ ሕዝብን እታ ሃገርን፥ ኣብ እዝኖም ክበጽሕ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ፥ ኣብቲ ገምገም ንርከብ ምህላውና። እዚ ጥቓ ሞትን ጥፍኣትን ዘሎ ሓደጋ’ዚ፥ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት፥ ተኸዊሉዎም ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል።ደሃይ ሃቡ-!! ይበሃሉ ኣለዉ’ሞ፥ ሃገር ብሃገሩ ድምፆም ክሰምዕ ይጽበ’ዩ ዘሎ።

                                 ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

                                 ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

                                     ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን

                                            ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ                                              

            

     

 

Last modified on Thursday, 25 April 2019 20:43