ኤርትራ፡ ጂኦስትራተጂካዊ መናውራታት ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ

2019-04-25 21:05:29 Written by  BBC Tigrinia Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1838 times

 

BBC 1 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ናይ ምስሊ መግለጺ ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

ንዘመናት ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓለም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱ፡ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ሓያላት ሃገራት ዓለምን፡ ኣተኲሮ ሃገራት ናይቲ ዞባን ስሒቡ ከም ዘሎ ዘርእዩ፡ ሓያሎ ምዕባለታትን መናውራታትን ይራኣዩ ኣለዉ።

ትማሊ ሰንበት፡ ብኣሳሳይነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብጽሒት ዘለወን ሃገራት ናይቲ ዞባ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ዝዝቲ ኣኼባ ኣካዪደን።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ማለት፡ ኤርትራ፤ ጂቡቲ፤ ሶማልያ፤ ሱዳን፤ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፤ የመን፤ ግብጺን ዮርዳኖስን ተሳቲፈን።

ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግን ኤርትራ ርዱእ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣይተረኽበትን።

ብወገን ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ንጡፍ ምንቅስቓሳት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራ እናዓበየ ምምጽኡ ዘርእዩ ንጥፈታት ክካየዱን፡ ዝተፈላለዩ ምስ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝተተሓሓዙ መግለጺታት ክዋሃቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብ23 መጋቢት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘስፈረቶ "ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን 'ሰላምን ርግኣትን' ቀይሕ ባሕሪ" ዝብል ሓተታ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ንፓሊሲ መንግስቲ ዘመላኽቱ መግለጺታት'ዩ።

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይዚ ሓተታ፡ ኣብቲ "ተኣፋፊ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት" ሓያልን ካብ ጸግዒ ካልኦት ናጻ ዝኾነ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ክምስርታ ዝጽውዕ'ዩ።

"ብፍሉይነት" ድማ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርህ እቲ ሓተታ። ሰለስተ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ግብጺን ዮርዳኖስን ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተጠቕሳን።

ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድናኣ ሻሕኪሩ ብምንባሩ ኣብቲ እማመ ብቐጥታ ኣይተጠቕሰትን።

ግብጺ ድማ፡ እቲ ዘለዋ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ፡ ንሚዛን ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ባሕሪ ይኹን ዝእቶ ኪዳን፡ ከዘንብሎ ይክእል ይኸውን።

ዋላ'ኳ እዞም መግለጺታት እዚኣቶም ሕጂ ይወሃቡ፡ ኤርትራ ምስቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምትሕባባር ካብ እትጅምር ቀኒያ'ያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንእግረመንገዱ ህላወ ወታሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ተኣሚኑ'ዩ፡ ዋላኳ እቲ መዓስከር ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ እንተኾነ።

§  ኤርትራ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን-ድልየታት ኢትዮጵያን

§  ኣዱሊስ፡ "ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ኣርኪኦሎጂካዊ ፓርክ" ክትከውን ትዳሎ

BBC 2

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Image copyright AAK ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ ተንታኒ ቅልውላዉ የመን

ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ከም ዝብሎ፡ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ኪዳን ክሳብ ዝኾነት ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ዘገርም ከም ዘይኮነ ብምሕባር፡ መደበር ታዕሊም ናይ ሓይልታት ናይቲ ኪዳን ምህላው ከም ዝፈልጥ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጸጥታዊ ስግኣታት ቀይሕ ባሕሪ ኣዮኖት'ዮም?

ቀይሕ ባሕሪ ዳርጋ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ንግዲ ማሪታይም ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር'ዩ። ኣደጋስነቱ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዂዓት ስዊዝ ካናል፡ መራኽብ ኣውሮጳ ነቲ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ) ተጠውየን ዝኸድኦ ዝነበራ ጉዕዞ ኣዝዩ ስለዘሕጸሮ፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ዓብዩ'ዩ።

ብቐረባ ግን ኣብ ጎዶቦ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ናብ ምዕራብ ዝሰድኦ ነዳዲ ብኡ ስለዝሓልፍ ንኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱ ዝያዳ የዕዝዞ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ መስመርን ደቡባዊ ኣፍደጊኡን ውሕስነት ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ማለት'ዩ።

ወጥሪ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ

ኣብቲ ኣብ ሱዕዲ ዝተገብረ ዋዕላ ዝቐረበ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝገለጾ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኰነ ዕንደራታት ዝተፈጥረ ኣራግጽን ሕልኽላኻቱን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት'ዩ ፈጢሩ ዘሎ"።

ይኹን 'ምበር ይብሉ ተንተንቲ፡ ኤርትራ ንባዕላ፡ በቲ ክትወስዶም ዝጸንሐተ ተቐያያሪ መርገጺታትን ዝምድናታትን ኣካል ናይቲ "ኣራግጽ" ኮይና ትርከብ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ሃያማኖታዊ ሰረት ዘለዎ ኾይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ተኸታሊት ሱኒ (ዋሃቢ) ዝኾነት ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ሺዓ ኢራንን ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ዘንቀሎ ህልኽ'ዩ።

ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ ምሁር ፓለቲካዊ ስነፍልጠት ኮይኑ፡ መሰረት ናይቲ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብን መናውራታትን ካብዚ'ዩ ዝብገስ በሃላይ'ዩ።

"ክልተ ዓንኬላት ዞባዊ ሓይልታት ኣለዉ፡ እቲ ቀዳማይ ዓንኬል ብቱርኪ፤ ኢራን፡ ቐጠር፡ ከምኡ'ውን ሱዳን ዘለውዎ ኮይኑ፡ እዚኦም ብኣሕዋት ሙስሊሚን ዝኽተልዎ ፍልስፍና ዝተጸልወ ኣካይዳ ኣለዎም ተባሂሎም ዝግምገሙ'ዮም።

"ኣብቲ መሳልል ናይቲ ሕሉፍነት ወይ ኣኽራርነት እንተ ሪኢናዮ፡ ኣልቃዒዳን ዳዒሽን ኣብቲ ጫፍ ኣለዉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል"።

እቲ ካልኣይ ዓንኬል ድማ "ብሱዕድን ኢማራትን ዝተማእከለ ኮይኑ፡ ምናልባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መሻርኽቲ ኣብኡ ኣለዋ" ይብል ዶ/ር ኣዳነ።

ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ መወዳእታ እዋን፡ ናብ ሱዕዲ ገጹ ክዛዙ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግበኦ፡ ሱዳን ኣባል ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምዃና እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንምርዳእ ይካኣል።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩዌት፡ ግብጺ፡ ባሕሬን ዝበላ ሃገራት ንመስመር ሱዕዲ ዝኽተላ ክኾና እንከለዋ፡ በቲ ሓደ ጫፍ ድማ ሶርያ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ጉጅለ ሕዝቡላህ ምስ ኢራን ዝወገኑ'ዮም።

ርእሳ ኪኢላ ኣብቲ ዞባ ሓያል ጽልዋ ክህልዋ ትኒዕ ትብል ዘላ ቱርኪ ብወገና፡ ነተን ካብ መስመራት ኢራንን ሱደዕን ወጻኢ ዘለዋ ወይ ድማ ድኹም ምትእስሳር ዘለወን ዝበለተን ሃገራት ናብኣ ንምቐራብ ፈተነታት ከተካዪድ ትረአ'ያ።

እታ ብብዝሒ ህዝብን ጆግራፊን ንእሽቶይ ዝኾነት፡ ብገንዘብ ዝተሰርነቐት ቐጠር ድማ፡ እቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ዓንኬል ምስ ኣወገናን፡ እገዳታት ምስ ገበረላን ምስ ቱርኪ ክትጽጋዕ ተገዲዳ'ያ። ቐጠር፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ምስ ኢራን'ውን ዝሓሸ ርክብ ዘለዋ ተባሂላ'ያ ብጎረባብታ ትሕመ።

ቱርኪ ንቐጠርን፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ከም ሱዳን ሶማልን ዝበላ ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት፡ እግሪ ክትተክል እትገብሮ ዘላ ሃቐነ ንሱዕድን ደገፍታን ቅሳነት ኣይሃበንን።

ኤርትራ ንቱርኺ፡ ቐጠርን ሱዳንን ዝጥቅን ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምውጽኣ ነዚ ናይ ቱርኪ ኣብቲ ከባቢ ምቕልቃል ዝቃወም'ዩ ክበሃል ይከኣል'ዩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኣቦ መንበር "ኣስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ" ኢሉ ዝጠቐሶ መራሒ ቤት ምኽሪ ዑለማእ ኣስላም ኤርትራ ዝተባህለ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተት ብምንቃፍ፡ እቲ "ውዲት...ምወላን ኣገልጋልነትን ቐጠርን" ብሓደ ወገን፡ "ኣሳሳይነት" ናይቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን ድማ በቲ ካልእ ከም ዘለዎ ይውንጅል።

ሰለስቲአን ሃገራትን፡ እቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ሊቃውንቲ ኣስላም ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ዮም።

ግጭት የመን

ግጭት የመን ድማ እዞም መስመራትን ቃልኪዳናትን ዝቃለስሉ ግልል ዝበለ ቦታ ኮይንዎም'ዩ። እቲ ንግጭት የመን ከም ዝጋደድ ዝገበረ፡ ምትእትታው ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተጸንበረቶ ወታሃደራዊ ኪዳን'ዩ።

እቶም ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ፡ ጉጅለ ሑቲ ነቲ ኣብ 2011 ብ"ቀውዒ ዓረብ" ዝተወለዐ ናብ ጎነጽ ዘምረሐ ፓለቲካዊ ቅልውላው ብምምዝማዝ ወይ'ውን ብምብጋስ'ዮም ንርእሰከተማ ሰንዓ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ኪኢሎም።

እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ'ዩ ተኪእዎ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።

§  ዘይዛሪ ቅልውላው የመን

ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢ ተላዒሉ፡ ኣብ መጀመርታ 2015 ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም።

BBC 3

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Image copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ የመን ምትእትታው ጀሚሩ

ጉጅለ ሑቲ ዘዪዲ ዝተባህለ ምስ ሺዓ ዝቀራረብ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ'ዮም።

ይኹን 'ምበር፡ ሱዕዲ እቲ ጉጅለ ብኢራን ዝድገፍ'ዩ ኢላ ስለ እትኣምን፡ ኣብ 2015 ቀጥታዊ ወታሃደራዊ ምትእትታዉ ብምግባር፡ ንሰራዊት ናይቲ ካብ ሰንዓ ዝተባረረ ሰራዊት መንግስቲ ብምድጋፍ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከተካዪድ ጸኒሓ።

§  ቅልውላው የመን ኣበይ ኮን ይውዳእ ይኸውን?

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዘሎ ብወግዒ ክእመን ከሎ፡ ነቲ ምሩዃት ኲናት የመን ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ክሲ ግን ነጺግዎ።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ኤርትራ ንኣሸበርቲ ጉጅለታት ዳዒሽን ኣልቃዒዳን ከም እትድግፍ ዝገለጾ ክሲ ዝነጽግ መግለጺ ብሚኒስትሪ ዜና ወጺኡ።

ኣቶ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ብወገኑ፡ እንተወሓደ፡ ምስቲ ናይ ሱዕዲን ኢማራትን ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ከተአንግድ ኣይትኽእልን'ያ ይብል።

BBC 4

I

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

mage copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ጉጅለ ሑቲ ንርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ጥሪ 2015 ተቖጻጺሮማ

"ብዘይብኡ'ውን እቲ ስርዓት ኣብ ከምኡ [ምድጋፍ ኣሸበርቲ ጉጅለታት] ዝኣቱ ኣይመስለኒን" ኢሉ።

እንተኾነ ግን ይብል ንሱ፡ እቶም ኣብ ጎኒ መንግስቲ የመን ዝተኣኻኸቡ "ዳርጋ 90% ካብቶም ናይ መንግስቲ ሰራዊት እክብካብ'ዩ"።

"ኣብቲ ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ፡ ሓደ ሰራዊት ኣይኮነን። ሰለስተ ሰራዊት ኣለዉ" ብምባል ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ የመን ከም ዘለዉ ይዛረብ።

§  ኩናት የመን፡ ኣብ ተስፋ ዕርቀ ሰላም

ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንኸምዚኦም ዝበሉ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ሱር ክሰዱ ዝገብር ምዃኑ፡ ንናይ ዓለም ሓይልታት ኮነ ናይቲ ዞባ ሓደገኛ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝፈጥር'ዩ

ቅርሰና (ፓይረሲ)

BBC 5

Image copyright Alamy

እቲ ኣብ ማያት ሶማልያ (ህንዳዊ ውቅያኖስ) እናወሰኸ ዝመጸ ተርእዮታት ቅርሰና፡ ኣብ ቀራና መስመራት ንግዲ ምፍጻሙ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይክኣል። ክምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ርሑቕ ምብራቕን ሓይሊ ባሕሪታተን ናብቲ ዞባ ብምውፋር ንመራኽብ ንግዲ ከሰንያ ዝተገደዳ።

እቲ ኩነታት ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀዪሕ ባሕሪ (ወሽመጥ ዓደን) ምግጣሙ ንርእሱ፡ ንቀይሕ ባሕሪ'ውን እቲ ሓደጋ ከንጸላልዎ ዘይተርፍ'ዩ።

ብፍላይ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍራስ መንግስትን፡ ወግእ ሓድሕድን ምስቲ ሶማልያ ንሰላሳ ዓመታት ዝሓለፈቶ ኩነታት ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ቅርሰና ንዘካይዱ ጉጅለታት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር'ዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ እቲ ወሽመጥ ዓደን'ውን ውሕስነት ክረክብ ዝሕሰብ ዘሎ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሶማልያ ግድን ኣካል ናይቲ ዝፍጠር ውህደት ክትከውን ኣለዋ።

ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምውሳና ኣቓልቦ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈኦ ነዊሕ ደማዊ ኲናት ተኣሳሲሩ ምጥርጣር ፈጢሩ'ሎ።

ኢትዮጵያውያን ከም ዝብልዎ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ብቑጽሪ ህዝቢ ይኹን ቁጠባ እታ ዝዓበየት ምዃናን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ ቀንዲ እትህሰ ስለዝኾነት፡ ኣብቲ ማያት ህላወን ተሰማዕነትን ክህልዋ ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።

§  ስለምንታይ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትህቅን?

BBC 6

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER

ድሮ ኢትዮጵያ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ብምሻም፡ ትሕተ ቀርጺ ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ኣብ ምጥጣሕ ትርከብ ኣላ። ምስ መንግስቲ ፈረንሳ'ውን ምስ'ዚ ዝተኣሳሰር ስምምዕ ፈሪማ ከም ዘላ ይንገር።

እቲ ገና ፡ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ግን፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ'ዩ ክኸውን ዝብል'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ እቲ መደበር ኣብ ባጽዕ ከም ዝኸውን ዝሃቦ ርእይቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ነጺግዎ'ዩ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ "ዝተወሃሃደ እዝን ቁጽጽርን" ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ተሳታፍነት ዝህልዋ እንተ ኾይኑ፡ ጸኒሕካ ዝረአ ክከውን'ዩ።

ህላወ ዓበይቲ ሓይልታት

ከም በዓል ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ዝበላ ሃገራት፡ ንስትራተጂካዊ ረብሓታተን ክብላ'ውን ኣብቲ ዞባ ጉሉሕ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለወን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ገዚፍ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለዋ፡ ቀንዲ ሰፈር ማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብኡ ምዃኑ'ውን መርኣያ ናይ እዚ'ዩ። እቲ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ዘካይድ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ።

ጂቡቲ፡ ብዘይካ'ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወታሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ፡ ናይ ቻይናን ጃፓንን ሰራዊት'ውን ኣአንጊዳ ትርከብ።

ህላወ ናይዞም ዓበይቲ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ኣብቲ ዞባ ምክፍፋላት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምፍጣሮም ኣይተረፎምን።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-47883323

 

Last modified on Thursday, 25 April 2019 23:33