ሰዲህኤ፡ ኣፍሪቃ ንጸገም ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዘየቕለበሉ የዘኻኽር

2019-04-27 08:20:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1804 times

ብ24 ማዝያ 2019፡ 400 መንእሰያት ዝተሳተፍሉ 2ይ መድረኽ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ምስዚ ጉዳይዚ ብዝዛመድ፡ ኣፍሪቃ ብዛዕባቶም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ዘይምቕላባ ዘዘኻኽር ኤርትራዊ መልእኽቲ ናብ  ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ መሃመት ፋቒ ቀሪቡ።

እዚ ን4 መዓልታት ዝቐጸለን በቶም ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኸፍተን ርክብ መንእሰያት ኣፍሪቃ  “ሓደ ሚልዮን ኣብ ናይ 2021 ተበግሶ” ብዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ነቲ 4E ((Employment/ስራሕ, Enterpreneurship/ዋንነት, Education/ትምህርቲ and Engagement/ተሳትፎ) ንረብሓ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ሓሳባት ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።

African Union Asked to Consider Plight of Scattered Eritrean Youth

እቲ ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣቶ ሙሳ መሓመት ፋቂ ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ ነቲ ተበግሶ ንኢዱ፡ እንተኾነ  ኣብ ኤርትራ ይፍጠር ንዘሎ ማሕበራዊ ብርሰት ቆላሕታ ዘይምሃቡ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መዘክር፡ ኣብዚ እዋንዚ መጽናዕትታት ከም ዘረድኦ ኣስታት 2 ሚሊዮን ኤርትራውያን መብዛሕተኦም ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ወጻኢ ካብ ሃገሮም ፋሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዞም መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክሳብ ዘይተወገደ፡ በቲ 4E ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ተበግሶ ናይ ምጥቃሞም ዕድል ርግጸኛ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

መዘክር ሰዲህኤ ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ከቕልበሉ ክሕበሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣስዒቡ ድማ እቲ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክሳብ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከይተረፈ ዝኽሰሱ ኣባላት ገዛኢ ጉጅለ፡ ኣብ ቅድሚ ተሓታትነት ከቕርቦም እቲ ግቡእ መስርሕ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

እቲ ሕርቃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ኣብዚ መልእኽቱ ሕብረት ኣፍሪቃ  ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብተደጋጋሚ ክቐርብ ንዝጸንሐ  መጸዋዕታታት ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘመን ጸማም እዝኒ ብምሃቡ ዝተሰምዖ ሓዘን ጠቒሱ። ብምቕጻል ከኣ  እቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ዘይጠዓስ ኣካይዳ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ሕማቕ፡ ኣቐንዛዊ፡ ሰላም ዘይህብን ጸጥታ ዝዘርግን ኩነታት ክመርሕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ።

Last modified on Saturday, 27 April 2019 10:25