ኣወዳድባ  እወ ያኣክል ከመይ ይኹን

2019-04-27 14:34:51 Written by  ፍስሃ ናይር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1928 times

ናጽነትን ሉዑላውነትን ሕዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ምስ ተረጋገጸ፣  ኤርትራ ብዓለምለኸ ከምሉዑላዊት ሃገር ምስተፈልጠት፣ድሕሪኡ ዝሰዓበ እቲ ክኽወን ዘነበሮ መእዋጅ መረታዊ ዶብን፣ ኣቋቁማ ሃገረ ኤርትራን፣ ኣቋቁማ መንግስታዊ ቅርጻን፣ ሕዝባውን ግላውን ትካላት፣ በብመዳዩ ማለት ፖሊቲካውን ፣ምጣነሃብታውን ፣ማሕበራውን ንባህርያዊ ክብረታት ዚጋታት ኤርትራ ማዕረን፣ፍትሕን፣ ሰላምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተው ኣጀማምራ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ መን ዘምጻልካ ናጽነት ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ፈቲኻ ጸሊእካ ንሕና ኢና ንገዝኣካ ብዝብል ትምክሕታውን ጸብለልታውን ስለዝነበረ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን፣ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘቈጥዕ ባርባራዊ ተግባራትን፣ሕዝቢ ኤርትራ ሓሳባቱ ብነጻ ዘይምግላጽን፣ ናይ እምነትን ሓርነትን ምስኣኑ ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባ ኢዩ።

 ናይ ኤርትራውያን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ታሪኽ ( The Historical Idea of Eritrean Nationalism) ድሕሪት ተመሊስና ማለት ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ሓምሳታት ቀጺሉ ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲ፣ ድህሪኡ ድማ ድህሪ ናጽነት ይኹን ክሳብ ሕጂ ዝወረስናዮ እዚ ድሑርን ዘይስልጡንን ኣተሓሳስባ ኢዩ፣ከም ሕዝብን ሃገርን ናይ ሓድሕድ እምነት ስኢና ንሕዝብና ክንመርሕን ክንምራሕን ኣይከኣልናን፣ ግዳያት ውሁዳት ባእታት ኰና ድማ እዚ ዘሎናዮን ዘሕለፍናዮን ግዜ እኹል ምስክር ኢዩ። ካብዚ ባርባራዊ ስርዓት ክንገላገል ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታትን ኣተሓሳስባን ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ፣፡

 ያኣክል ምልክነት ካብ ንብል እኳ ሓደ 27 ዓመታት ሓሊፉ ዝሰምዓና ድኣ ስኢና፣ ሕጂ እውን ኣይደንጐየን ማዕበል ያኣክል ብወገነይ ብምሉእ ዕግበት እድግፎ። ነዚ ጻዋዒትዚ ናብ ክውንነት ንምልዋጥ ግን ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ኣብ ኣድማሳዊ መሰላትን፣ ክብርታት ሕዝብታት ኤርትራ፣ ብማዕረ ካብ ናይ ትምክሕትን ኣግላልን ኣረኣእያ ነጻ ኩይኑ ምስ ዝውደብ ኢዩ ዕዉት ዝኸውን፡፤

ሎም ቅነ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላት ኣብ ወጻኢ በብሃገሩ ዝነኣድ ኢዩ፣ ኣብ ሕዝብና ድማ ተሰማዕነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ፣ ከምቲ ናይ 2001 ውልዕ ኢሉ ከይጠፍእ ግን ክንህመል የብልናን፡፤እወ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደምክራስያ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን መሰናኽላትን ዘመልኦ ኢዩ።

ናህና ቃልሲ እውን ካብዚ ዕንቅፋታት ነጻ ኣይኮነን፣ ሎሚ ቃልስና ኣብ ባይታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ መራኸቢ ሰለዝኾነ መን ምስ ኣንጻር መን ይቃለስ ናይሓድሕድ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣብ ዘይተረጋገጸ ሓበረታ እናተመርኰስካ ብበላ በለው ሓድሕድ ምንዕዓቅን ምንእኣስን ስለዝበዝሖ ወኒ ናይ ቃልስኻ ዝቀትል መርዛም ኣዘራረባ ይፍኖ ኣሎ፣ ገለ ባእታት ከም ፈላጣት ፍልጠቶም ድማ ኣብ ሰባት ኣብ ምጽልላም ጥራሕ ተሓጺሩ፣ ትምህርታዊ ዘይኮነ 24 ሰዓት ኣብ facebook ሃተፍ ተፍ ክብሉ ዝውዕሉ ኣለዉ እዚኣቶም ንጻዋዒት ያኣክል ዕንቅፋት ኢያቶም።

መስርሕን ኣወዳድባን "ጻዋዒት ያኣክል" ኣብ ባይታ በብሃገሩ ተጀሚሩ ዘሎ ንኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ንምብጻሕ ቃልሱ መጀመርያ ነፍሱ ወዲቡ፣ መጀመርያ ንምልካዊ ሰርዓት ካብ ሱሩ መንቊሱ፣ ካልኣይ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንጽባሕ ኤርትራ ስማዊ ደሞክራስያን ፍትሕን ዘይኮነ ግብራዊ ውዕል ቅዋም ሃገር ብኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት ዘለዎ መሰል ኩለን ብሔራት ምኽባርን ፍትሕን ሰላምን ጸጥታን ዘውሕስ መንግስታዊ ትካላትን፣ ነጻ ቁጠባውን፣ማሕበራውን፣ ባህላውን፣ ሲቪላውን፣ ፖሊቲካውን መሰላት ዝኽበር ው ዕል ባይታ ክፈጥር ድማ ካልኣይ መደብ ቃልሲ ናይዚ ጻዋዒት ያኣክል ክኽወን ኣለዎ፣ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ኣፈላላዪ መን ዘምጻልካ ሓርነት ኢኻ ትዘራብ ዘሎኻ እንተ ድኣ ኮይኑ ከይዱ ከይዱ ተሓጺብካ ኣብ ምልክነት ምምላስ ኢዩ ዝኸውን መኽሰቡ፣ ኣብዚ ግዜዚ ገለገለ ባእታት ሓደ ዞቦ ኤርትራ ጥራሕ ኢዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ዝብል ናይ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝንዛሕ ንጥቅሚ ኩልና ኣይኮነን፣ሰለዚ በዞም ከምዚ ዝብሉ ክንድሃል የብልናን፣ በብዞባና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምልዓል ኣዎንታዊ ኢዩ፣ ምእንቲ ንካልኦት  እውን ኣብነታዊ ክኸውን ግን፣መስርሕ ዘተ፣ ዕርቂ፣ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ክራኸብን፣ እናኣትኣተወን፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ክቃለስ ኣለዎ፡፤ ውሽጣዊ ግርጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሓሉ ትሕተ ቅርጻ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሕሰበሉ ኣለዎ፡፤ ናይ ቅድም ደም ምፍሳስን፣ ሓድሕድ ውግእን ዝነበረ ጠባይ ናይ ጥርጠራን፣ ዘይምትእምማንን ተሪፉ፣ ኣብዚ ግዜዚ ካብ ተመክሮናን ተመክሮ ካልኦት ሃገራትን ተማሂርና ዘተ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ኢዩ ትምህርታዊ መጽናዕትታት ኣህጉራዊ ትካል ንደምክራስያውን፣ ምርጫውን ስቶክሆልም ( IDEA) ዝመደበሩ ከምዝምስክሮ፣ ንሕና ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ካብዚ መጽናዕታትዚ ክንቀስም ይሕግዘና ኢዩ፡፤

ቐንዲ ኣትኩሮና ነዚ ብሓዲሽ ወለዶ ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ጻዋዒት ፣ ያኣክል፣ ናብ ሰናይ ምእንቲ ክቅንዕ ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ ንሕና እቶም ብዕድመ ዝደፋእና ተመክሮን ምኽርን ብምልጋስ እጃምና ነበርክት፡፤ እወ ልክዕ ኢዩ ሉዕላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣሎ እዚ ድማ ብናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ስርዓት ዘይኮነስ ብናህና ምዝሕታልን ኣብ ሓድሕድ ቁርቁስ ስለዝነበርናን ዘሎናን ኢዩ ሰለዚ መጀመርያ ነዚ ጠባይ ናይ ሓድሕድ ተጻቦኦታት ነፍሰ ወከፍና ካብ ሕልናና ነውጽኣዮ፡፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝፍጠር ኣብ ምዝራግን፣ ተጻብኦን፣ ሕግታት መሰላት ሕዝብታት ዝነጽግ ፣ ኣብ ምግህሃር ውግእን ወረ ውግ እን ዝነብር ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ኢዩ፡ ካብዚ ባህርያት ጸረ ሰላም ድማ ክወጽእ ኣይኽእልን፣ እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ዝብል እውን ሽፋን ኢዩ እምበር ሓቀኛ ሰላም ኣይኮነን ድሮ እኳ ምልክታት ሓቀኛ ዘይምዃኑ ይርኤ ኣሎ። መራሕቲ ያኣክል ጻዋዒት ብቅልጡፍ ዝምድና ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን በቲ ሓቀኛ መንገዱ ክኸይድ ክረባርቡ ኣለዎም ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ማዕበል ንደምክራስያዊ ለውጢ ብኣዋጅ ክድግፉ ኣለዎም።

ጻዋዒት ያኣክል ኣንጻር ምልክነት እናተቃለሰ ምሕዝነት ምስ ጉረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን  ናይ ምምሃዝ ዓቅሙ ከልዕል ኣለዎ ምኽንያቱ እዚ ዞባውን ኣህጉራውን ምሕዝነት ኣብ ምውዳቅ ምልክነት ዓብይ ተራ ኣለዎ፡፤

መቆምያታት/ መሪሕ- ሓሳባት/ Principles ጻዋዒት ያኣክል እንታይ ክኸውን ኣለዎ። መሪሕ ሓሳባት ናይ ያኣክል

  1. ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምፍጣር 2. ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ ምትኳር 3. ምትሕልላይ  4. ምኽብባር

እምበኣር በዚ መቆምያታት/ Principles ተማእዚዙ ዝኸይድ ቃልሲ ዓወቱ ናይ ግድን ሰለዝኾነ፣ ጻዋዒት ያኣክል ኣትኮሮኡ ኣብ ጽፋፍን ቀጻልን ስትራተጂ ኣብ ምውጣን ኮይኑ ነዚ ሕዝብና ብጅምላ ዘሳቂ ዘሎ ምልክነት ኣልጊሱ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ማሐበረ ሰብ ንምሕናጽ ክረባረብ ኣለዎ፡፤

ውከሳ ጽሕፋት

  1. IDEA, Democracy Capacity building
  1. Universal Human Rights
  1. International Conventions on Economic, Social and Cultural Rights
  1. International Conventions on Civil and Political Rights
Last modified on Saturday, 27 April 2019 16:39