ኣከፋፍተኦምን ኣተዓጻጽዋኦምን፡ ዘይፍለጥ ኣፍደገታት

2019-04-25 07:26:22 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1644 times

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተቐየረ ካብ ዘመልከቱ ስጉምትታት ሓደ፡ ምኽፋት ዶባዊ ኣፍደገታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ቅድም ኣፍደገ ሰርሓን ዛላንበሳን ኣብ ዕለተ ቅዱስ ዮሃነስ ተኸፊቱ። ኣብዚ ዕለት ኣፍደገ ቡሬ እውን ተኸፊቱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣፍደገታት  ክሳድ ዒቃን ራማን ከምኡ’ውን እሞሓጀርን ሑመራን ተኸፊቶም። ድሕሪ ምኽፋት ናይዞም ዶባት ተኸቲሉ ዝተራእየ ምዕባለታት ከኣ መልእኽቱ ንጉጅለ ኢሳይያስ ዘሰንብድ ነይሩ።

ዶብ ሰርሓን ዘለንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡  ኢሳይያስ ነቲ ናይ ህዝቢ ርክብ እናቆንጠረ ከካይዶ እዩ ነይሩ መደቡ። ንኣብነት ኣብቲ ዕለቲ ናብቲ ተጋሩ ኣዳልየምዎ ዝነበሩ ናይ ዛላንበሳ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡  ክሳተፉ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራዊት ወሲኽካ 1,500 ሰባት ጥራይ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ህዝቢ ሓደ ምክትል ወረዳ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ምክትል ወረዳታት’ዩ ካብ ህግዲፍ ፈቓድ ከይተጸበየ በብዝጠዓሞ ኣገባብ  ደፊኡ ኣትዩ። ካብቲ ብጸቢብ ስነስርዓት ብምቁጽጻር ክንድዚ ይከኣል ተባሂሉ ዝተገመት ሰራዊት እውን ዕጥቁ ፈቲሑ ከምቲ ሲቪል ህዝቢ ዝያዳ ኣሃዝዩ ደፊኡ ኣትዩ። ካብዞም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሽዑ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዳግማይ ናብ ኤርትራ ዘይተመልሱ ብዙሓት እዮም። በዚ ዘይተጸበዮ ማዕበል ዝሰንበደ ኢሳይያስ ካብቲ ዶብ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ብኸመይ ከም ዝሃደመ ሽዑ ብናይ ቀጥታ ፈነወ ተለኢቪዥን ብዙሓት ዝተዓዘብዎ እዩ።

እቲ ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝተራእየ ዋሕዚ፡ ተራ ሃገር ገዲፍካ ምውጻእ ዘይኮነ ናብቲ ዲክታቶር ናይ “ንስኻ ኣይናትና ንሕናውን ኣይናትካን” መልእኽቲ ኣመሓላለፈ ነይሩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዝጥቀመሉ ዝተጸበዮ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብዝሕን ኣገባብን ግና ካብ ግምቱ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ሳላዚ ዘይግሉጽን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይተሓስበሉን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ትግራይን፡ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ስድራቤታት ምርኻቡ ብኣውንታ ዝርአ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕያሎ ዓመታት ብስእነትን ልዑል ክብርን መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ምኽፋት ዶባት፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ቀረብ ብርትዓዊ ዋጋ ክረክብ ምኽኣሉ እውን ካልእ ናይዚ ብስምዒትን ብዘይንጹር ቀጻልነትን ዝተኸፍተ ዶባት ዝተረኽበ መኽሰብ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ “ስለምንታይ ሎሚ፡ ብመን፡ በየናይ ስምምዓት፡ ክሳብ መዓስከ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይመለሰ ሽፉን ስለ ዝነበረ ህዝቢ ብዓይኒ ስኽፍታ እዩ ርእይዎ። እነሆ ከኣ እቲ ስኽፍታ ስኽፍታ ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን ስግኣት ኣስዒቡ።

ከምቲ ህዝቢ ዝገመቶ ብናይ ህዝብታት ርክብን ናይ ቀረብ ሕቶኦም መፍትሒ ምርካቡን “ዓይኑ ደም ዝመለአ” ኢሳይያስ ቅድም ኣፍደገ ሰርሓ-ዛላንበሳ ዓጽይዎ። ስለምንታይ ከም ዝተዓጽወ መብርሂ ዝህባ ኣካል ኣይነበረን። ድሕሪኡ በብግዜኡ እቲ ናይ ምዕጻው ለበዳ ቀጺሉ ኣርባዕቲኡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣፍደገታት ተረጊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳያት ብወገን ኤርትራ መብርሂ ኣይተዋህበን። እዚ መብርሂ ዘይምሃብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣረገሉ ስለ ዝኾነ እምብዛ ኣይሕደሶን። ምናልባት ብወገን ኤርትራ “ብኸምዚ ምኽንያት ኢና ከፊትናዮ ወይ ዓጺናዮ” ዝብል መብርሂ እንተዝወሃብ ግና፡  ኣዝዩ ውዑይ መዛረቢ መኾነ። ምኽንያቱ ንኤርትራውያን እቲ ሓድሽ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡  ድምጽኻ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምቲ “ሕማም ጐረቤት ተላጋቢ”  ዝበሃል፡ ግዲ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተዓዛቢ ዓዲሙ ተጠሊዑ ዝኸፈቶ ኣፍደገታት ክዕጸው እንከሎ፡ ካብቲ ብዛዕባ ዝኾነ ምዕባለ ናይ ምሕባር ባህሉ ወጺኡ፡ ሕማቕ ምስሊ ኢሳይያስ ክሓብእ ግዲ ደልዩ ምጽቃጥ ምምራጹ ዘገርም እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ብወገን ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶባት ክኸፍት እንከሎ፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ድሌት ዝተፈልየ ግና ዝበርዓነ ዕላማ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ ትንፋስ ዝሓጽሮን ዘንጸርጽርን፡ ዝተዓዛዘሮ  ወዲ 73 ዓመት ገበነኛ ሰብኣይ ብዛዕባ እንዳማቱ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ምእዋጁ ትጽቢቱ ኣብ ግጉይ ሕሳብ ዝተመስረተ ምንባሩ ዘመልክት እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተኸፍተ ኣፍደገታት ጥዕና ዝኸለኦን መሊሱ ንክዕጾ ዘገደዶን ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢሩ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ሴፍ ክመዝዝ ዝደናደን ኤርትራዊ መራሒ እየ በሃሊ፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጽቡቕ ክኾነሉ ምጽባዩ ቅኑዕ ነይሩ ምባል ኣይከኣል። ብመንጽር ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ጐረባብቲ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ ኢድ ኣእታውነት መለለይኡ ምዃኑ ላዕለዎት ሓላፍቲ ኢትዮጵያ ከሎ ጌና ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ LTV ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ዘይመንግስታዊ መደበር ተለቪዥን፡ ነባር ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር መራሕን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ንዲክታቶር ኢሳይያስ ዝፈልጥዎን ኣቶ ለንጮ ለታ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ኣሎ ይበሃል’ሞ ከመይ ትርእይዎ?” ተባሂሎም ምስተሓቱ ፡ ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሕቶዚ ሎሚ ኣይምልሶን እየ” ብዝብል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ምእታው ከኣ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ናይ ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም ጉዳይ ዝፈሸለ ኣካል እዩ።

Last modified on Thursday, 25 April 2019 09:29