ኣብ ተልኣቪቭ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ፡ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ተዓጽየን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ዘጋርድያ ዝተወስደ እዩ
ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከባ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ክዕጸዋ ከም ዝወሰነ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቓወምትን ደገፍትን ስርዓት ኣስመራ ነበርቲ ተልኣቪቭ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ግብረ መልሲ ምዃኑ ቢቢሲ ብተወሳኺ ጠቒሳ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እቲ ጉዳይ ብመንጽር መሰል ሃይማኖት ዘዛርብኳ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ጐንጺ ንከይፍጠር ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ክልተ ክፋላት ኣብ ተላቪቭ ካብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ምስሕሓብ ከም ዝተፈጥረን ዘለዎም ናይ ተቓወምቲ ብሰማያዊ፡ ናይ ደገፍቲ ድማ ብቀይሕ ሕብርታት ዝልለ፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነቲ ምስሕሓብ ከም ዘጋድዶ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። ብሰንክዚ ፍልልይ ብዝተፈጥረ ጐንጺ ሰብ መዓርግ ፖሊስ እስራኤል ዝርከብዎም 170 ሰባት ከም ዝቖሰሉን 53 ጥርጡራት ድማ ከም ዝተኣስሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ እስራኤል ዳግማይ ጐንጺ ከይፍጠር ፈሪሖም ንሓደ ቀዳመ-ሰንበት ኣብያተ-ክርስትያን ንክዕጸዉ ክውስኑ እንከለዉ፡ ብጸጥታ እታ ሃገር ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያን ዝግበር ምትእኽኻብ ተጠቒሞም ንምጉናጽ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እስራኤል ናብ ተልኣቪቭ ናይ ምምጻእ መደብ ነይርዎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝርከቦ እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ኣፍሊጡ።
በቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ገለ ኤርትራውያን ነበርቲ ተልኣቪቭ ነቲ ግዝያዊ ዕጽዋ ኣብያተ- ክርስትያን ብመንጽር ድሕንነቶምን ጸጥታን ክድግፍዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብመንጽር ሃይማኖታዊ ናጻነት ከም ዘተሓሳሰቦም ኣመልኪቱ።
ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ንኢድ ኣእታውነትን ብናይ ሰላም ርኢቶኡ ከገድድ ምፍታኑን ንሕብረት ኣፍሪቃ ብ9 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ደማዚን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብትሪ ምንቃፎምን ኣባል ሃገራት ናይቲ ሕብረት መርገጾም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከእርሙ ምጽውዖም ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።
እቶም ጀነራል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ብምኽንያት ናይ 25 ሕዳር 2021 ፈተነ ዕልዋ ኣባልነት ሱዳን ምድስካሉን ክሕዞ ንዝጸንሐ ማእከላይ መርገጽን ክቃወሙ እንከለዉ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ብወገኖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ንወከሊ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ተቐቢሉ ኣፍልጦ ምሃቡ ብትሪ ተቓዊሞም።
ኣል ቡርሃን መንግስቶም ሰላም ከምዘይጻረር እንተኾነ፡ ህላወ ዘይሕጋዊ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ንሱዳን ናብቲ ዘላቶ ህውከትን ውግእ ሕድሕድን ዝመልስ ስምምዕ ቅቡል ከምዘይከውን ዝገልጽ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ኣባላቱ ኣካይደኦም ዘየዕርዩ እንተኮይኖም ሱዳን ጸገማ ባዕላ ክትፈትሕ ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እቲ ሕብረት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ምእታው መሰል የብሉን እውን ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ናብ ቦታኡ ክመልስን፡ ኢጋድ ብወገኑ ጉዳይ ሱዳን ንክፈትሕ ኣብ ዝመዘዞ ኣካል ኣቦመንበርነት ኬንያ ክቕይርን ጸዊዕም።
ኣዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህጻናት ኣድሕን/ Save the Children፡ ዝተባህለ ትካል ሱዳን ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኮይና ኢሉ፡ ካብቶም 7.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ እቶም 3.3 ሚልዮን ህጽናት ምዃኖም ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
Eritrea’s missing Swiss Ambassador tracked down
Written by Martin Plaut
The "NZZ am Sonntag" has tracked down the Eritrean ambassador in Geneva who has allegedly disappeared and gone into hiding. The regime's lack of transparency and dubious information policy repeatedly lead to false reports and rumours. Source: NZZ Magazine Eritrea - a dictatorship of rumoursGeorg Humbel How can this be? Various newspapers reported this week that Adem Osman had left the embassy and disappeared. An Eritrean radio station in exile was the first to broadcast the news. Adem Osman is an internationally known figurehead of the regime in Asmara. He has appeared before the UN several times. This makes the news that he has virtually deserted all the more spectacular. The news spread like wildfire in the Eritrean exile community. Bloggers and later Swiss media jumped on the bandwagon and spread the news. Adem Osman has disappeared! Eritrean ambassador is said to have applied for asylum in Switzerland Wild stories immediately started to circulate among the Eritreans: Osman had taken a well-paid job at the UN, was one version. Quite wrong, others said: He had applied for asylum and was now living anonymously in a refugee centre in Ticino. Or a third version: Osman had fallen out with the regime. He had to go into hiding and was fleeing in panic. Osman is still ambassadorObviously, he is not. He is standing on the pavement in Geneva's Paquis district at midday on Friday, talking to this newspaper's reporter in a relaxed manner. "I am still working at the embassy," Osman says. Nothing has changed, everything is normal, the Eritrean diplomat emphasises. There is not enough time for a selfie, Osman says a friendly goodbye and continues walking with his companion towards Lake Geneva. It is not the first time that there are rumours around the Eritrean embassy in Geneva. What exactly is happening on Rue de Lausanne? Is the embassy collecting funds? Is it spying on the diaspora in Switzerland? Such questions pop up again and again. The fact that they remain unanswered is due to Eritrea's information policy. The embassy hardly talks to the Swiss media. Telephone calls are pointless, they always lead nowhere. Enquiries by e-mail remain unanswered. The embassy is thus following in the best tradition of the regime in Asmara. Government action in the East African country is highly non-transparent. There is no valid constitution. There are written laws - but they only apply to a limited extent. Unwritten guidelines are just as important. There is a permanent state of uncertainty. Political scientist Mirjam van Reisen does research on Eritrea at Tilburg University in the Netherlands. She is considered one of the best experts on the country. She says: "There are always a lot of rumours in Eritrea. No one knows anything for sure, so everyone is speculating." This is typical of a non-transparent dictatorship. The whole thing is fuelled by the fact that Eritrea is a strongly oral society and there is a tradition of drinking coffee and talking. This leads to rumours spreading extremely quickly. For example, rumours about the health of the autocrat Afewerki are constantly circulating. Sometimes he is deathly ill and close to his deathbed, then again he is in the best of health. Disinformation as a strategyVan Reisen, however, goes one step further. "The regime is deliberately using a strategy of disinformation," says the professor. The government is working to construct a "grey area". It is definitely in the regime's interest that it remains unclear what is true and what is false. "Even rumours and false reports have an impact if they are spread long enough," van Reisen says. This grey area surrounds Eritrea as a whole. Since refugee numbers from the East African country skyrocketed in 2006, Federal Berne has been puzzling over how bad the situation in the country really is. Refugees describe the country as hell on earth. As a kind of "North Korea of Africa". Bourgeois asylum politicians have long suspected that the situation in the country is not so bad. Which is true? As always in the case of Eritrea, it is difficult to find out. The country is isolated, and hardly any reliable information gets out - but all the more rumours. |
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ዘየናሕሲ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ሃገሩ ክነብር ስለ ዘይከኣለ፡ ከም ምርጫ ናብ ስደት ካብ ዘምርሕ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ክሳዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት እውን ኤርትራ ምስተን ካብ ህዝበን ብብዝሒ ዝተሰደ ከም ኣፍጋኒስታንን ሱሪያን ዝኣመሰላ ቀዳሞት 10 ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ። መጀመርታኡ እምበር መወዳእቱ ዘይፍለጥ መደብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ኤርትራውያን ብብዝሒ ክስደዱ ዘገደድዎም ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ሓደ እዩ። እቲ ተገዲዱ ሃጽ ኢሉ ዝተሰደ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ይርዳእ እዩ። እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ስደት ካብ ሱሩ ምውጋዱ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዝተፈላለየ መልክዕ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ስደት ህግደፍ ካብ ዝስለፍ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ዝረአ ዘሎ ውዕዉዕ ተቓውሞታት ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ውዳበ ኣንጻር ህግደፍ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ንህግደፍ ዘርዓደ ህዝባዊ ማዕበል ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ውጽኢትን መቐጸልታን ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ መኸተታት እዩ። እነሆ ከኣ ከምቲ ጸባ ቅድም ንክረግእ፡ ምስ ረግአ ከኣ ተሓቚኑ ጠስሚ ንከውጽእ ብመስርሕ ክሓልፍ ዝግበኦ፡ እዚ ሎሚ ንህግደፍ ዘንቀጥቅጦ ዘሎ ማዕበል እውን መስርሑ ሓልዩ ዝመጸ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ድሕነት መንእሰያት ዓቂቡ፡ ውጽኢታዊ ንክኸውን ድማ ጥንቁቕ ስራሕ ዘድልዮ እዩ። ህግደፍ በዚ ማዕበል ክሳብ ክንደይ ከም ዘሰንበደ እቲ ዘርእዮ ዘሎ ሽበድበድ መስካሪ እዩ። ህግደፍ ምስንባዱ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ማዕበል ንምኹላፍ ዘርእዮ ዘሎ ጠንበርበር እውን ንዕዘቦ ኣለና። ነቲ ብሰንኪ ናቱ ጭቆናን ወጽዓን ዝነቐለ ማዕበላዊ ዓመጽ፣ ንካለኦት ወገናት ብናይ ምልዕዓሉ ተሓተቲ ክገብሮም እውን ንሰምዕን ንርእይን ኣለና። ከምቲ ልማዱ፡ ወዮ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፈጸሞ ገበናት ዘየቖጥዕ ኮይኑስ፡ ነቶም ዝምክትዎ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት “ተጋሩ እዮም” ክብሎም ምፍታኑ ካሳብ ክንደይ ካብ ክውንነት ይሃድም ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።
እዚ ንህግደፍን ደቀ-መዛምርቱን ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል፡ ንድሕሪት ተመሊሱ መፍቶ ህግደፍ ንከይከውን ብጥንቃቐ ክተሓዝ ይግበኦ። ህግደፍ ነቶም ናይቲ ማዕበል ተዋሳእቲ ኣብ ርእሲቲ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ምጽላሙን ምጥቃዑን፡ በተን ዝነብርወን ሃገራት ተኸሲሶም ከም ዝጥቅዑ ንምግባሮም ዘካይዶ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ቀጻሊ ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝባዊ መኸተ ሕጋዊ መስመሩ ዓቂቡ ህግደፍ ብዘይብለጸሉ፡ ልኡኻቱ ልሒኾም ብዘይኣትዉሉን ናይተን ሃገራት ሕግታት ብዘይጥሕን ብቐጻሊ ዝካየደሉ መስርሕ ክሕዝ ይግበኦ። ከምኡ’ውን ኣብ ግዝያዊ ኣጀንዳታት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምግባሩ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ ዝብለጸሉ ጌጋታት ከይፍጠር ድማ ብዝከኣል መጠን ምጥንቃቕ ኣድላይ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣወዳድባን ምምሕዳርን ሃጓፍ ንከይፍጠር ምእኩል ትካላዊ ኣመራርሓ የድሊ።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ማሕበረ-ቁጠባዊ መጻኢኦም ጸልሚቱ፡ ብጥይት ህግደፍ እናተሳሕቱ፡ ምድረበዳን ባሕርን ኣቋሪጾም ዝተሰዱ፡ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ምሒሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መሰል ዑቕባ ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ተመሊሶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ሒደት ኣይኮኑን። እዞም መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ተቓሊሶም ህዝቢ እውን ሓራ ከውጽእዎ እናተጸበዮም ብናይ ጣዕሳ መጸዋዕታ ተዓሽዮም ናብ ባርነት ህግደፍ ምምላሶም ንብዙሓት ወገናት ዘስደመመ እዩ። እዚ ከይኣኽሎም ብህግደፍ “እሙናት ኣገልገልቲ” ምእንቲ ክበሃሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፉ ህዝባዊ ሓላፍነቶም ዘይዘንግዑ መሳድድቶም ሴፍ ምምዛዞም ከኣ እቲ ካልእ ዘገርም ጭካነ እዩ።
እዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ግጉይ ኣቕጣጫ፡ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘደናጒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓኣቶም እውን ሓደገኛ ምዃኑ ምልክታቱ ይረአ ስለዘሎ፡ ካብ ደሓር ኣብ ጸገም ድሕሪ ምእታዎም ምጥዓስ ከሎ ጋና ከስተብህሉን ሓላፍነታውያን ክኾኑን ይግበኦም። ናይቲ ትማሊ ናብ ኤርትራ እንተተመሊስና ክሓርደናን ክቖርጸናን እዩ ዝበልዎ ኣረመኔ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ምዃኖም፡ ነተን ናይ ሓሶት ምኽንያቶም ኣሚነን ዘዕቆበኦም መንግስታት፡ ኣብቲ ናይ ቅድም ውሳነአን ዳግመ-ምጽራይ ክገብራ ከም ዘገድደን ክዝንግዑ ኣይምተገብኦምን። ስለዚ ደሓር ንዝመጽእ መዘዝ ተሓተቲ ምዃኖም ተረዲኦም ኢደ-እግሮም ክእርንቡ ይግበኦም። ህግደፍ ብዘይካ ገበኑ ሓቢኡ “ደገፍ ህዝቢ ኣለዎ” መበሊ ክኾንዎን ገንዘቦም ክሓልብን እንተዘኮይኑ፡ ደሓር ከም ዝርሕረሖም ከቶ ኣይዘንግዑ።
እተን ኣብ ሃገረን ኣብ መንጎ ኤርትራውያ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ክሳብ ናብ ምፍሳስ ደም ዝበጸሐ፡ ንኣኽበርቲ ሕገን ዝለከመ ተረኽቦ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጸጥታአን ተጽዕኖ ስለ ዝህልዎ ከቢድ ጾር ኮይንወን ኣሎ። ከቢድ ጾር ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒ ክረኽባሉ’ውን ግድን ስለ ዝኾነ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካላት መንግስታተን ይሰርሕሉ ኣለዉ። ኣብዚ መዝገብ ናይቶም ኣብ ሃገርና ምንባር ከሊኡና ዝበልዎ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ደገፍቲ ዝኾኑ ምጽራይ፡ ቅድሚት ክስራዕ ዝኽእል ኣጀንዳ እዩ። “እቶም ክልተሻብ ዝተዛረቡ፡ ናብቲ ዝድግፍዎ መንግስቶም እንተተመሊሶም ሓደጋ ከምዘየጋጥሞም ባዕላቶም ዝመስከሩ ኣባላት፡ መሰል ስደተኛ ናይ ምሕላው ግዴታ ስለ ዘየብልና ናብ ሃገሮም ክንመልሶም ኢና” ዝብሉ መንግስታት ድምጾም ብጋህዲ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ እዞም መንግስታት ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ዘካይድዎ ምጽራይን ዝወስድዎ ስጉምትን ፍትሓዊ ንክኸውን ንምሕጸን።
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዚ ናይ ዓለምና ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ነናቶም ርኢቶ ከም ዝህልዎም ርዱእ እዩ። ደገፍቲ ህግደፍ ኪኖ እቲ ጉጅለኦም ዘካይዶ ዘሎ ጸለመ ምንብድባድ ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም ውሁብ እዩ። ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፉ ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ማዕበል ብደቂቑ ክንከታተሎን ከንዕኩኾን ይግባኣና። ጉድለታት ክህልዉዎ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ”ወዮ ህዝባዊ ማዕበል ከይዕንቀፍ” ኣብ ኣተሓሕዛና ነቲ ዝጐደለ ናብ ምምላእን ምእራምን ዘድህብ እንተዘይ ኮይኑ፡ ነቲ ንኡስ ድኽመት ኣግዚፍካ ብምቕራብ መፍቶ ህግደፍ ከይከውን ክንጥንቀቐሉ ይግበኣና።
Eritrea’s Diplomatic Missions are Instruments of Extortion and Intimidation
Written by Martin Plaut
|
Tel Aviv Riots Put Spotlight on Israel’s Covert Ties With Eritrea’s Dictator
Written by Martin Plaut
|
Israel: Many injuries, some life-threatening, after Eritrean democracy activists clash with Eritrean supporters of President Isaias
Written by Martin Plaut
Around 90 Eritreans have been wounded, with at least 4 in a serious condition, in hospitals in Tel Aviv, following a clash between supporters and opponents of the Eritrean government. These are some images of the fighting that broke out this morning, with police responding with tear gas, live ammunition and brute force. The Israeli authorities were warned a week ago by pro-democracy Eritreans that this would happen. Alert about a mass event that is accompanied by violent threats on social networks08/26/2023 Greetings, On Saturday 02/09/2023 the Eritrean Embassy in Israel is planning a political event, the planned event accompanied by threats from its supporters, to the same extent a demonstration of opposition is planned by those opposed to the dictatorship, Such events took place during the month of July and August around the world, such as Germany, Sweden, Great Britain, Canada and the United States, the events mentioned were stopped due to severe violence that endangered the lives of both supporters and opponents as well as civilians. In Israel there have been such bloody events in the past that got out of control took a heavy toll on people and it took us a long time for the community organizations to calm them down, now following the events around the world and the provocations of the Eritrean ambassador and his supporters the threats of escalation have returned once again and this may lead to unnecessary bloodshed. There is a threat testimony on Facebook of the organization of men of an organized squad that has only men today, Saturday 08/26/2023, which is intended to scare and threaten explicitly in preparation for the event next week. In light of the above, we, as a community organization that works for the peaceful life of the community in various fields, express our concern for real fear for human life and ask the Israel Police to act to prevent violence that endangers human life. Egon team – Eritrean New Hope Organization Chairman Berhana Nagasi Mahate Eritrean New Hope Organization |
Eritrea Festival in Oberuzwil: demonstrators arrived from all over Switzerland – organisers cancel the event
Written by Martin Plaut
According to Marina Menzi, media spokeswoman for the St.Gallen cantonal police, the festival was canceled by the organizers: “The organizers have realized that their festival cannot be held.” Source: Tagblatt Despite warnings from the authorities, an Eritrea festival to commemorate the beginning of the War of Independence took place in Oberuzwil. Demonstrators came from all over Switzerland. The police were on duty with a large contingent. By Raphael Rohner September 2nd, 2023, 5:15 p.m An Eritrea festival was to take place in Oberuzwil on Saturday afternoon. Several dozen people from Eritrea wanted to interrupt and prevent the festival, which brought together supporters of the dictator Afewerkis. They traveled from all over Switzerland to do this. The festival's landlord tells this newspaper that he was warned by the police in advance, but decided not to do anything about the festival: "These people come every year. Nothing's going to happen." Meanwhile, the man was contacted by several Eritrean experts to urgently cancel the festival. “Now I have a strange feeling and, to be honest, I’m afraid to go and cancel the party.” According to eyewitnesses, there are several familiar faces on site. Among other things, there are also supporters of a group loyal to the regime that has made the headlines and been the focus of the authorities several times in the past because of violent excesses: “Eri Blood”. Experts consider this group to be very dangerous because it carries out criminal acts on behalf of the government and takes action against opponents of the regime all over Europe. “This group can be compared to Russia’s Wagner troops,” an expert told this newspaper. The behavior of the police caused great resentment among the people who had traveled: “Why are we being sent away while a genocide is being celebrated?” Many people didn't want to wait at the motorway exit in Uzwil, but wanted to drive to the venue anyway: “We don't believe the police that the festival is canceled! We want to see it for ourselves,” says a young woman. According to Marina Menzi, media spokeswoman for the St.Gallen cantonal police, the festival was canceled by the organizers: “The organizers have realized that their festival cannot be held.” It was only on Saturday morning that reports from Israel made headlines: At least four people were injured there during demonstrations against an Eritrean festival. |
ዜናዊ ጸብጻብ: ህዝባዊ ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ውጽኢት ክቱር ወጽዓ ምዃኑ ተገሊጹ
Written by EPDP Information Officeኖርወጅያን ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል
ብዛዕባ ጐንጽን ኣፈታትሓኡን መጽናዕትን ምርምርን ዘካይዱ ነርወጃዊ ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል፡ ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ውጽኢት ክቱር ወጽዓን ድምጾም ንክስማዕ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምትን ምዃኡን ገሊጾም። እቶም ፕሮፈሶር ነዚ ዝገለጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ በርገን ሃገር ነርወይ ብ2 መስከረም 2023 መዲብዎ ዝነበረ እሞ ዝተሰረዘ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ማዕከ ዜና ነርወ ኤንቲቪ/NTV ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ እዩ።
እቶም ካብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሮም ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ፕሮፈሶር፡ ኣብቲ ሰፊሕ ቃለመጠይቖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ስደቶም ከይተረፈ፡ ተጽዕኖ ከም ዝፈጥረሎም፡ 2% ክኸፍሉ ከም ዘገድዶምን ዝበሎም እንተዘይገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ስድረኦም ኣገዲዱ ገንዘብ ከም ዘኽፍሎምን ጠቒሶም። መንግስቲ ኤርትራ ስደተኛ ኣምሲሉ ኣብ ኤውሮጳ ሰለይቲ ከምዘዋፍር ድማ ኣቃሊዖም።
ትሮንቮል ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ በርገን ንስርዓት ኤርትራ ብዝቃወሙ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ናይ ህንጡይ መርዓዲ ጌርካ ምውሳዱ ጌጋ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብኣንጻሩ ንጡፋት ልኡኻት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሃገር ነርወይ ከምዘለዉ ህዝብን መንግስትን ነርወይ ከስተውዕሉ ኣዘኻኺሮም።
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ህዝባ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንክወጽእ 30 ዓመታት ዝተቓለሰላ ሃገር እያ ዝበሉ እቶም ፕሮፈሶር፡ እቲ ንኢሳያስ ከም ጅግና ዝውሰድ ወገን ጌጋ ምዃኑ ጠቒሶም፡ በቶም ኣብ ሃገሮም ምንባር መሪርዎም ዝተሰዱ ግና ኢሳያስ ብኣንጻሩ እዩ ኢሎም። እዚ ተጻራሪ ኣተሓሳስባ እዩ ኣብ ከተማ በርገን ዝተራጸመ ድሕሪ ምባሎም ከኣ እዚ ተርእዮ ኣብ ቀጻሊ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክምዕብል እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣዳለውቲ ናይቲ መደብኳ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣይነበሮን እንተበሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዩ ዝጥቀም። ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓወምቲ ተመሊሶም ኣብ ስለያ ከም ዝዋፈሩ እናሓበሩ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ተግባራት ተረዲኡ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ እቶም ፕሮፈሶር ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ምቁጽጻር ህግደፍ ይዳኸም ኣሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ይሕይል ኣሎ ዝበሉ ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ምኽንያቱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ስድራቤታት ዝወስዶ ጨካን ስጉምቲ ከምቲ ናይ ቅድም ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ኤርትራውያን ጻዕራማትን ፈተውቲ ሰላምን ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ተጻረርቲ ሓሳባት የምዕብሉ ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ዘርዕድን ውድቀቱ ዘቀላጥፍ ተርእዮ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም።
ኖርወጅያዊ ፕሮፈሶር ሸቲል ትሮንቮል ተመራማሪ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘካየዱን ዝጸሓፉን፡ ኣብ 2009 ድማ The Lating Struggle for Freedom in Eritrea, Human Rights and Poletical Develpmen, 1991-2009, ብእትብል መጽሓፍ ንህግደፍ ዘቃለዑ ደራሲ’ው እዮም።
More...
ብሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን “ኪዳን ንመሰረታዊ ለውጢ ኣብ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል 7 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊሲ ከም ዝተበተነ እተን ውድባት ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጠን። ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከሎ ጋና ዘይተፈቕደ ምንባሩን እቶም ወደብቲ ንግዜኡ ከቋርጽዎ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ፡ ብውሕልነት ከም ዝበተኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ንጋዜጠኛታት ብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይተን ውድባት መግለጺ ኣብቲ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ መቐለ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ ዝተሳተፉ 50 ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ናይተን ውድባት ዝርከብዎም ኣስታት ሚእቲ ሰባት ከም ዝተኣስሩን ኣብ ልዕሊኦም ምግፋዕ ከም ዘጋጠመን ጠቒሱ። ፡ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ ካብቲ ቦታ ክለቁ ብፖሊስ ተመኺሮም ዝኣበዩን ህውከት ከልዕሉ ዝፈተኑን 40 ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ብጥንቃቐ ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።
መግለጺ ናይቶም ተቓወምቲ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ከም ዝነበረ ክጠቕስ እንከሎ፡ ፖሊሲ ከተማ መቐለ ግና፡ እቲ ዝመረጽዎ ዕለትን ቦታን ቅቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሕቶኦም ብመትከል ቅቡል ኮይኑ፡ ግዜን ቦታን ክቕይሩ ተነጊርዎም ከብቅዕ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ጀሚሮም ህውከት ከም ዝፈጥሩ ክፍክሩ ከም ዝቐነዩ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣተሓሒዙ ብደርጃ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታጨው ረዳ ከይተረፈ፡ መደቦም ክቕይሩ ተነጊርዎም ከም ዝነጸግዎ ሓቢሩ።
ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣቐዲሞም ኣብቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕዎም 38 ጭረሖታት ከም ዝነበርዎም ከፋልጡ እንከለዉ፡ ካብቲ ጭረሖታት “ህልውና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኸትም ኣለዎ” ዝብል ከም ዝርከቦን፡ እዚ ጭረሖዚ ካብቲ ምስቲ ናይ ትግራይ ጉዛእቲ ውድብ ህወሓት ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምኽንያታት ሓደ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብሓፈሻ ክረኣይ እንከሎ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተተግብሩ፡ ከባብታት ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ዘምውጽኡን ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ኣብ ትግራይ ወጥሪ ፈጢሮም ካብ ዘለዉ እዮም።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል/amnesty international ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እውን ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ገበናት ከም ዝቐጸሎ ብ4 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቃሊዓ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ “ቀጻሊ ክሲ ኣምኒስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ብዝብል ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ብ4 መስከረም ዘውጸኦን ንቀጻሊ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘቃለዓሉን መግለጺኡ፡ ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ድሕሪኡ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን ዘርዚሩ።
ኣምኒስት ጸብጻቡ ብምቕጻል ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ዝፈጸምዎ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ወሲባዊ ግህሰትን ቦታን ዕለትን እናጠቐሰ ብሰፊሑ ዘርዚሩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝነበሮ ሰራዊት ኤርትራ፡ ቀጻሊ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ከም ዝፈጸመን ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ዝተባህለት ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ትራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ፡ 24 ሲቪል ሰባት ከም ዝቐተለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ታይገር ቻጉታህ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።.
ነዚ ጸብጻብ ኣብ ምድላው ኣምኒስት ካብተን ኣብ ወረዳ ኮኾብ ጽባሕ ግዳይ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ዝኾና ኣስታት 40 ደቂ ኣንስትዮ ምስተን11 ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረትን፡ ካብተን ግዳያት፡ ገሊአን ናብ መደበራት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ተወሲደን ንቀጻሊ መዓልታት ክዕመጻ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣብ ገዛእ ኣባይተን ከም ዝተዓመጻ ሰፊሕ ዝርዝር ብምሃብ ከም ዝመስከራ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ በዚ መግለጺ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ዝሰንበደ ህግደፍ ብቀዋሚ ወኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንመግለጺ ናይቲ ትካል “ናይ ሓሶት ክሲ” ኢሉ፡ ካብቲ ዝተላዕለ ኣጀንዳ ወጺኡ ኣምኒስት ኣብ 2011 ኣብ ኤርትራ ስርዓት ናይ ምቕያር ውዲት ኢድ ዝነበሮ ኣካል ክብል ከሲስዎ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስሙ ከይተጸውዐ ኣብ ዘይውዕለሉ መድረኽ ንርከብ ኣለና። ብዓብይኡ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝኸፈሎ ዋጋ ብኣውንታዊ ኣብነትን ጽንዓትን ዝጥቀስ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ብኣንጻሩ ብደቁ ናይ ዝተጠልመ፡ ኩሉ መሰላት ዝተነፍገን ብዝምእዘዞ ዘይኮነ፡ ኣፈራሪሑን ኣርዒዱን ብዝገዝኦ ዓመጸኛ ጉጅለ ይሳቐ ምህላዉ ናይ ኣሉታ ኣብነትን ዕለታዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ብዙሓትን ኮይኑ ኣሎ።
“ጽንዓት፡ ይኽእል እየ በሃልነት፡ ብቐጻሊ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ዘይምድሃል፡ ብምንዋሕን ምምራርን ቃልሲ ዘይምርብራብን ምእንቲ ሃገር ህይወትን ንብረትን ክትከፍል ሰጋእ ዘይምባልን መለለይ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እዞም ናይ ጽንዓት መለለይታት ኣብ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ዝሰፈሩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዓለምና እውን ከም መግለጺ ጽንዓቱ ዝተቐበለቶም መወከሲ ውርሻታት እዮም። ስም ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ምንጽብራቑ ከኣ፡ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ቁምነገር ኣረጋጊጽዎ እዩ።
ህዝብና ከምቲ “ንወሃብ ጸባዶ ትኸልኦ ማይጭባ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ሞሳን ኣበርክቶን ቃልሱ ብዝርደኣሉን ኣብ በሪኽ ቦታ ዘንብሮን፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ብዝኸፈአ ኩሉ መሰላቱ ግሂሱ፡ “ነዚ ድየ ደኣ ዝተቓለስኩ” ንኽብል ኣብ ትሕቲ ዝድርኾ ስርዓት ምውዳቑ እቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ዝግለጸሉ ዘሎ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ። እንተኾነ ተቓሊስካ ምዕዋት ከምዝከኣል ካብ ተመኩሮኡ ዝርዳእ ኤርትራዊ ተግባራት ህግደፍ ዘነድሮ እምበር ተስፋ ዘቑርጾ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ሓድነትን ብርታዐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ወጻዒኡ ጸብለል ኣብ ምባል፡ ከምቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘይምህላዉ ዘየሰክፍ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ንክቱርን መወዳድርቲ ዘየብሉን ወጽዓ ህግደፍ “ሓንጐፋይ ኢሉ እንተዘይቅበሎ ምስቲ ዘለዎ ተመኩሮን ዝወርዶ ዘሎ ምረትን፡ ምውጋዱ ህግደፍ ኣይመጸገሞን” ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም ወገናት፡ ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ” ክልተሻብ ዝተራእየ ህዝቢ” ክብልዎ ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይሕገ-መንግስትን ብዘይመረጾም ውልቀ ሰባትን ይምራሕ ከም ዘሎ፡ ዝኽተለን እምነታት ተቖጺረን ከም ዝወሃብኦ፡ ብናይ ሓንቲ ጋዜጣ፡ ሓንቲ ሬድዮን ሓንቲ ተለቪዥንን ጥራይ ብዝዝርጋሕ ሓበሬታ ዝተሻበበ፡ ከምኡ እውን ኩሉ ብኩራት መሰል ከምዘለዎ ርኡይ እዩ። እቶም ክሳብ ሬሳ ዜጋታት ኣብ ሃገሩ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ምዃኑ ዝርድኡ ወገናት ግና “ህዝቢ ኤርትራ ጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ኣሚኑ ልቡ ከምዘይህቦ ይርድኡ እዮም። እቲ ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምምካት ንነዊሕ ግዜ ክምህ ዘይበለ ዓቕምን ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?” ዝብል ሕቶ፡ ምስዚ ህልዊ ስቕታኡ ተዛሚዱ ክለዓል እትጽበዮ እዩ። “ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይካ ግበር” ክንብል እንከለና ከኣ ነዚ መሰረታዊ ሕቶዚ ግቡእ መልሲ ሃበሉ ማለትና እዩ።
ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣይኮነንዶ ንህዝባ ንዓለም ዘጨንቕን ዘሻቕልን ዘሎ እዩ። ኣንጻር’ቲ ጸዋዒት ህዝቢ ከይሰምዕ ዘጽቀጠ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብደረጃ ዓለም ዓገብ ዝብሉን ገበናቱ ዘቃልዑን ኣካላትን መዲያታትን ሎሚ ይበዝሑ ኣለዉ። ኣብ ገዛእ ሃገሮም ተወዲብካ ናይ ምቅዋምን መማረጺ ሓሳብ ናይ ምቕራብን መሰል ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ ቃልስን ዘስምዕዎ ዘለዉ ድምጽን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ መቓልሑ ቀልቢ ብዙሓት ይስሕብ ኣሎ። ጐኒንጐኑ ብዛዕባ ኣረመንያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ዝሓትት፡ ዝመራመርን መዋጸኦ ዝእምትን መስርሕ ይብርኽ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ፊትንፊት ተጻረርቲ ኣካላት ምዃኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘሕድሮ ስንባደ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ዘስመዕም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ብዘሎ ሓቂ ዘይኮነ፡ ብስምዒት፡ ቂምን ዓቕሊ ጽበትን ዝተደረኹ ውግእ ዝናፍቑ መደረታት ናይዚ መርኣያ እዮም።
ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ቃልስን ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ዘሕድርዎ ተጽዕኖን ዘይሩዘይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ዘሰውድን ዘራጉድን እምበር ዝትክእ ከምዘይኮነ ህዝብና ክግንዘቦ ዝግባእ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ህዝቢ ክንድቲ ናይቲ ወጽዓ ቀዳማይ ተጠቃዒ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይቲ ምእንቲ ሰላም፡ ሓድነትን ዲሞክራስን ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ቀላስን ወሳንን እውን ባዕሉ እዩ። ስለዚ ግዜን ዓቕምን ከይበቐቐ፡ ካብ ካልኦት ከይተጸበየን ንጽባሕ ከይበለን ክለዓለሉ ዝግባእ ዕማሙ እዩ። ንሱ ብቕምጡ ብስም “ድምጺ ህዝቢ ንኸውን ኣለና” ኣብቲ ብመሪር ቓልሱን ብኽቡር ዋጋን ዘረጋገጾ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ንዝወራዘዩ ወገናት፡ ተንኮሎምን ውዲቶምን ክሳብ ዝስዕርር ዕድል ከይህቦም ክጥንቀቕ ይግበኦ። እዚ ቀንዲ ገጽ ናይቲ “ጉዳይካ ባዕልኻ ምውጋን” እዩ። ኢሳያስ ዘርእዮ ዘሎ ዓቕሊ ጽበታዊ ሸበድበድ ከምቲ ደገፍቱ ዝብልዎ፡ ተሰማዕነቱን ተቐባልነቱን ዘዛይድ ዘይኮነ፡ ብህዝባዊ ማዕበል ከይጐሓፍ ናይ ምስግኡ ምልክት እዩ።
ህግደፍ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ዝስስን ርክብ ስለ ዘስገኦ፡ ንምርሕሓቖም ካብ ምስራሕ ዓዲ ኣይውዕልን እዩ። ከም 5ይ መስርዕ፡ የሚን፡ ወያነን ዝኣመሰሉን ገጸ-ባህርያት ይስእል እሞ፡ ብህዝቢ ከም ዝጽልኡ ይገብር። ድሕሪኡ ካብ ህዝቢ ክንጸል ንዝደልዮ በዚ ቅጽላት ከም ዝጽዋዕ ይገብር። ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ንኹሎም ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብብሪገድ ንሓመዱ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ናይዚ ግዳይ ክገብሮ ይጽዕር ኣሎ። እንተኾነ እዚ ተንኮልዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባትን ባእታታትን ተፈቲኑ ዝኸሰረ እዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ህግደፍ ዝነዝሖ ሓሶት ዝተፈልየ ሓበሬታ ከም ዘይረክብ ምግባሩ ካልእ ተንኮል ህግደፍ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ሎሚ ግና ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ተክኖሎጂ መራኸቢ፡ መዲያታት ሓጹር ህግደፍ ጥሒሰን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ይበጽሓ ስለ ዘለዋ፡ ህዝብና ኣብቲ ጉዳዩ ንምርኣይ ዝገብሮ ቃልሲ ዝሕግዞ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድሉ ይሰፍሕ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ንመራሒ ህግደፍ ጸላዕላዕ ዝብሎ ዘሎ እዩ።