ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል/amnesty international ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እውን ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ገበናት ከም ዝቐጸሎ ብ4 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቃሊዓ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ “ቀጻሊ ክሲ ኣምኒስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ብዝብል ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ብ4 መስከረም ዘውጸኦን ንቀጻሊ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘቃለዓሉን መግለጺኡ፡ ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ድሕሪኡ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን ዘርዚሩ።

ኣምኒስት ጸብጻቡ ብምቕጻል ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ዝፈጸምዎ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ወሲባዊ ግህሰትን ቦታን ዕለትን እናጠቐሰ ብሰፊሑ ዘርዚሩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝነበሮ ሰራዊት ኤርትራ፡ ቀጻሊ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ከም ዝፈጸመን ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ዝተባህለት ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ትራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ፡ 24 ሲቪል ሰባት ከም ዝቐተለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ታይገር ቻጉታህ  ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።.

ነዚ ጸብጻብ ኣብ ምድላው ኣምኒስት ካብተን ኣብ ወረዳ ኮኾብ ጽባሕ ግዳይ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ዝኾና ኣስታት 40 ደቂ ኣንስትዮ ምስተን11 ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረትን፡ ካብተን ግዳያት፡ ገሊአን ናብ መደበራት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ተወሲደን ንቀጻሊ መዓልታት ክዕመጻ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣብ ገዛእ ኣባይተን ከም ዝተዓመጻ ሰፊሕ ዝርዝር ብምሃብ ከም ዝመስከራ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ በዚ መግለጺ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ዝሰንበደ ህግደፍ ብቀዋሚ ወኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ  ንመግለጺ ናይቲ ትካል “ናይ ሓሶት ክሲ” ኢሉ፡ ካብቲ ዝተላዕለ ኣጀንዳ ወጺኡ ኣምኒስት ኣብ 2011 ኣብ ኤርትራ ስርዓት  ናይ ምቕያር ውዲት ኢድ ዝነበሮ ኣካል ክብል ከሲስዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ  ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ብ3 መስከረም 2023፡ ሚኒስተራት ብኣባልነት ንዝርከብዎ ሓይሊ ዕማም፡ ሓደ ሺሕ መንግስቶም ዝድግፉን ኣብቲ ናይ 2 መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ከተማ ተልኣቪ ዘጋጠመ ህውከት ዝተሳተፉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክመልሱ መምርሒ ከም ዝሃቡ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራን ካለኦት መዲያታትን ኣፍሊጠን። ናታንያሆ ኣብቲ ዝሃብዎ መምርሒ እስራኤል መንግስቶም ከም ዝድግፉ ባዕላቶም ብዝኣወጁ ስደተኛታት ክትሽገር ኣይግበኣን ኢሎም።

እቲ መግለጺ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ እስራኤል ስደተኛታት ህይወቶምን ሓርነቶም ኣብ ሓደጋ ናብ ዝውደቕ ሃገር ብሓይሊ ክትመልስ ከም ዘይትኽእልን ተጠቒሱ፡ እንተኾነ መንግስቶም ዝድግፉ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል መሰል ስደተኛ ዝሓትሉ ምኽንያት ስለ ዘየብሎም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ናታንያሆ ንሚኒስትራቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ክህቡ ዘገደዶም እቲ ኣስታት 150 ኤርትራውያንን 30 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝቖሰልሉ፡ ኣዳራሽ ህግደፍ ፈሪሱ፡ ኤምባሲ ህግደፍ ዝወደቦ መደባት ዝተሰረዘሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዘጋጠመ ሓያል ጐነጽ እዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣብቲ ዝተፈጥረ ጐንጺ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዕንወትን ገበን ዝፈጸሙ ኣካላትን ምጽራይ ክግበርን ኣድላይ ስጉምቲ ክውሰድን እውን መምርሒ ሂቦም። ብትዕዝብቲ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ልዕሊ ገለገል ካብቶም ተቓወምቲ ህግደፍ ካብቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ቦታ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ናይ ምግላል ዕድል ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ይግመት።

ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ፖሊስ እስራኤል ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን ነቲ ባእሲ ንምብታን ንላዕሊ ጠያይት  ከም ዝተኮሰን እውን ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ሃገራት ስዊዘርላንድን ኖርወይን እውን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ጐንጽታት ተፈጢሩ፡ ዝተወሰነ ጉድኣት ከም ዘኸተለን ኣብ ኩሉ መደባት ህግደፍ ከም ዝተሰረዘን ተፈሊጡ።

 

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ብሓብር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ  ክቃለስ  ምስተሰማምዐ፡ ሓባራዊ  ግዝያዊ መሪሕነት ከምዘቖመ ብ2 መስከረም 2023 ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዘቃንዖ ጽንብል ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ መስርሕ ዘተ ክዋስኡ ዝጸንሑ ጽላላትን ውድባትን  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን እዮም። እንተኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘይወገኖ ጉዳያት ስለ ዘጋጠሞ ንዕኡ  ክሳብ ዘጻፍፍ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ጥራሕ ክታሙ ከምዘየንበረን እቶም ሰለስተ ኣካላት ነቲ መስርሕ ከም ዝቕጽልዎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመልኪቱ።

ኣብቲ መድረኽ ናይቲ ነቲ ጽንብል ዘሰናደአ ኣካል ቃል ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ቀሪቡ። ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃሎም ኣስሚዖም። እቶም ናይ ደገፍ ቃል ዘስምዑ፡ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ብምምልካት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ኣሓት ኣድያም ተፈራን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ዝመረሐኦ ዝያዳ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መድረኽ፡ ኣብ መንጎ መንጎ እቲ መደባት ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ዘንጸባርቑ ግጥምታትን መዛሙርን እውን ቀሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2023 ካብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን 140 ኪሎሜትር ንውሽጢ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናይ ኡጋንዳ ከተማ ጂንጃ 20 ኤርትራውያን ብናይ ኡጋንዳ  ኣባላት ፖሊሲን ጸጥታን ከም ዝተኣስሩ ሞኒተር ግሩፕ/MONITOR GROUP፡ ዝተባህለት መዲያ ሓቢራ። እታ መዲያ ከም ዝሓበረቶ ካብቶም እሱራት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ 6 ህጽናት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ናይቶም ኤርትራውያን ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ዝርከብዋ ክፍለ-ከተማ ካባላጋ ከም ዝነበረ ሞኒተር ግሩፕ ሓቢራ።

ናይቲ ዝተታሕዝሉ ዞባ ኣዛዚ ፖሊስ ወሃብ ቃል ጀምስ ሙቢ፡ እቶም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ዓበይቲ፡ ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ጂንጃ ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቶም ህጽናት ግና ኣብታ ከተማ ኣብ ሆቴል ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣስዒቦም፡ እቶም ኤርትራውያን “ዝኾነ ሕጋዊ ናይ መገሻ ሰነድ ኣይነበሮም” ኢሎም፡ ብድሕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ መን ከም ዘሎ ንምጽራይ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ዘይሕጋውያን ተጐዓዝቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ፡ ጥሒሶም  ከም ዝኣተዉ  ንጋዜጣ ቪዥን ኡጋንዳ  ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምጥቃሶም ሞኒተር ግሩፕ ኣፍሊጣ።  

መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ፡ በሺር ሓሰን የሱፍ ዝተባህለ፡ ጉዳይ ሶማሊያ ዝከታተል ጸሓፊ ብ31 ነሃሰ 2023 ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ። ንሱ ከም ዝጸሓፎ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022፡ ሰለስተ ሺሕ (3000) ዝኾኑ ሶማላውያን ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ጠቒሱ፡ እዞም ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2023 ክምለሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ካብ 1800 ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ካብዞም ዝምለሱ ናይ ጸጥታን ባሕረኛን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ገይሾም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መኮነናት ሶማሊያ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወተሃደራቶም ከም ዝተራኸቡን ብዛዕባቲ ንምምላሶም ወጺኡ ዘሎ መደብ ከም ዝሓበርዎምን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ መእሰያት ሶማሊያ፡ ህግደፍ ምስምሳት ፈጢሩ ኣይለቆምን እየ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሶማሊያን ወለዲ ናይ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን  ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ጋቦን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስልጣን ከም ዝመንዝዑ ብናይታ ሃገር ተልቪዚዮን ጋቦን-24 ምግላጾም ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቶም ወተሃደራት ነቲ ብ26 ነሃሰ 2023 ዝተኻየደ እሞ ፕረሲደንት ዓሊ በንጎ ከም ዝተዓወተ ተነጊርሉ ዝነበረ ምርጫ ውጽኢት ከም ዝሰረዝዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ፕረሲደንት በንጎ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎን ሓደ ካብ ደቁ ድማ ብኽድዓት ሃገር ከም ዝተኣስረን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም። በቲ መግለጺ መሰረት ናይ 53 ዓመታት ስልጣን ቤተሰብ ዓሊ ቦንጎ በዚ ዝተወስደ ናይ ዕልዋ  ስጉምቲ ከብቅዕ እዩ።

እቶም 12 ኮይኖም ብ30 ነሃሰ 2023 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ብተለቪዝዮን መግለጺ ዝሃቡ ወተሃደራት፡ ንውጽኢት ምርጫ ሰሪዞም ንትካላት ናይ ሪፐብሊክ ጋቦን ከም ዘፍረስዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓድሽ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ናይታ ሃገር ዶባት ከም ዝተዓጽወ ሓቢሮም። ተቓወምቲ መንግስቲ ዓሊ በንጎ ብወገኖም፡ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ዓሊ በንጎ ዳርጋ ብክልተ ሲሶ ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ከም ዝሰዓረ ብምጥቃስ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢለምዎ።

ኣተሓሒዞም ድማ ዓሊ በንጎ ብኣዛዚ ሪፐብሊካዊ ሓለዋ፡  ጀነራል ብራይስ ኦሊጁ ኒዩማ ከም ዝትካእ ሓቢሮም። እዚ ናይ ጋቦን  ኣብ ልዕሊ ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ዕልዋታት 8ይ እዩ።

ፈረንሳ ነቲ ትግባር “ውጽኢት ምርጫ ክኽበረ ኣለዎ” ብዝብል  ኮኒናቶ። ቻይናን ሩሲያን እቲ ዕልዋ ካብ ዘሻቐለን ሃገራት እየን። ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ተረኽቦ ዓብይ ዛዕባ እዩ ኢሉ፡  ስልጣን ብሓይሊ ምምንዛዕ ዘይምርግጋእ ዘጋድድ እዩ ኢሉ።

እቶም ወተሃደራት ኣካል ናይቲ “ኮሚተ ምስግጋር፡ ምዕቃብ ትካላትን ምምላስ ኩነታት ጸጥታ ናብ ንቡር”ን”  ዝበልዎ  ምዃኖም ጠቒሶም፡ ተልእኮኦም ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ኣወጊድካ ጸጥታ ሃገር ምሕላው ምዃኑ ሓቢሮም።

ጋቦን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡  90 ሚእታዊ ካብ መሬታ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ሃገር ምዃና ይንገረላ።

ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ናይ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫን ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝተሰወረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዲፕሎማት ነዚ ስጉምቲ  ዝወሰደ፡ ጉዳያቱ ኣጻፊፉ ቀልጢፉ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስተነግሮ ብዝሓደሮ ስግኣት ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ናይ ስግኣቱ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ዝነበሩ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ካብ ስራሕ ምድስካልን ምዃኖም ስለ ዘረጋገጸ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ኣደም ዑስማን ካብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝወጸ ምስ ተጠርጠረ፡ ሽዑንሽዑ  ናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርቱ ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ቦታ ኣደም ዑስማን ብግዝያውነት ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋብኡ፡ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ህግደፍ ንዝቐረቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቅታት እንዳ ከሓደ  ብምቅዋም ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ መጋበርያታት ሓደ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ ካብ 28 ነሃሰ ክሳብ 8 መስከረም 2023 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑ ክፍሊ ርክብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መዘኻኸሪ ሓቢሩ። ማይክ ሃመር ኣብ ጉዕዘኦም ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ክበጽሑ እዮም።

እቲ መዘኻኸሪ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ መገሸኦም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ከኒያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ስምምዕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ዘሎ ጐንጽታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ከም ዘተሓሳስቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘይካዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብሰላም ዝፍተሓሉ፡ ድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝትከለሉ፡ ምዕሩይ ምምሕዳር ዝተኣታትወሉ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝረጋገጸሉን ተሓታትነት ዝፍጠረሉን ኩነታት ብዝምልከት ምስቶም ዝራኸብዎም ኣካላት ከም ዝመያየጡን ብዛዓብ ምፍታሕ ጉዳይ ሱዳን  ዝካየድ ዘሎ ዘባዊ ጻዕሪ ከምዘልዕሉን  ተፈሊጡ።

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ

ኣብ ዓመተ 2023 ክልተ ሺሕን ዓሰርተ ሰልስተን (2,013) ስደተኛታት ናብ ኤውሪጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፈአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ 2022 ምሉእ ዓመት ዝነበረ  ኣሃዝ 1,417 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 24ን 25ን ነሃሰ 2023፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ህይወት ኣድሕን/Ocean Viking፡ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ኣሽርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ። ብመስረት ጸብጻብ “ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ”፡ ብ24 ነሓሰ 2023 ናይ 23 ሃገራት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ  ከም ዝደሓኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ግዳያት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ፡ 9 ህጻናትን 5 ኣካለ ስንኩላንን ምዃኖም እቲ ህይወት ኣድሕን ትካል ከም ዝሓበረ እታ ማዕከን ዜና ኣስፊራ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ25 ነሓሰ፡ 166 ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ በታ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከብ ናይ 438 ስደተኛታት ህይወት ክድሕን ክኢሉ።  

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ  ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡

1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ  ክስዕቡ ወሲኑ።

2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።

3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር  ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ  ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

 

Page 13 of 137