26 ሚያዝያ ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን እንዝክረላ ናይ ሕሰም ዕለት’ያ

2024-04-25 21:58:40 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 711 times

ዕለት 26 ሚያዝያ ናይዚ ዓምት እዚ’ውን ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይን) ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ካብ ከተማ ከሰላ ሃገረ ሱዳን ብናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መራሕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተሓባበርቶምን ተጨውዮም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ መበል 32 ዝኽሪ መጭወይቶም እንዝክረሉ ዘለና መዓልቲ’ዩ። ኣብ 1992 ዓ.ም. እዛ ዕለት እዚኣ ጾመ ኣርባዓ ተወዲኡ በዓለ ትንሳኤ (ኣፋስጋ) ዝኽበረኡ ዕለት ኢዩ ነይሩ። በቲ ኣጋጣሚ ሓደ ንብጻይ ወልደማርያም ባህልቢ ቀረባ ዘመዱ ዝኮነ ተስፋጼን ገብረሱስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ኽልቲኦም  ሓቢሮም ምስኡ ንክውዕሉ ምሳሕ ዓደሞም። እዚ ዕለትዚ ድማ ይትረፍዶ  ኣብ ቀረባኻ ምስዘሎ ቤተ-ሰብስ፡ ዋላ እቶም ኣብ ርሑቅ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ-ቤታት እንተኾነውን ናብ ዓዶምን ስድራኦምን ተጓዒዞም ብሓባር ምስ ወለዶምን መታዓብይቶምን ዝውዕሉሉን ዝራኸብሉን መዓልቲ ስለዝኾነ፡ ብጾት ንዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ ዕድመ ብዘይ ገለ ምኽንያት ይቕሬታ ክሕተቶ ዘይካኣል እዃ እንተነበረ ኣብዘይጥዕሞም ሰዓታት ስለዝነበረ እቲ ዕድመ ንምሳሕ ምዃኑ ተሪፉ፡ ብሓባር ንኽቈርሱ ተሰማምዑ። ምኽንያቱ ዓዳማይ ናይ ግድን ኣብ ሓዲኡስ ክንራኸብ ኣለና ስለዝበሎምን ንባዕሉውን እቲ ዓዳማይ ነቲ በዓል ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝቕመጡ ስድርኡ ብሓባር ንኸብዕሎ ኢሉ ካብ ስዑድያ ዝመጸን ኢዩ ነይሩ።

ከም ቈጸራኦም መጺኦም ድማ ብሓባር ቈረሱ። ድሕሪ ቁርሲ ገለ ግዜ ጸኒሖም ንኽብገሱ ፍቓድ ምስ ሓተቱ  ዓዳማይ ሓንሳብ ጽንሑ ካብ ዕዳጋ (ሱቕ) ዝዕደግ ኣለኒ ብምባል ንሓንቲ ካብተን ብሽግለታት ናይዞም ብጾት ወሲዱ ንወዱ ለኣኾ። ወዲ ተስፋጼን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ተመልሶም’ሞ፡ እዞም ብጾት ብሽግለታኦም ስለዝተመልሰትን ዝኣኽሎም ናይ ዕላል ግዜ ስለዝወሰዱን ንኽኸዱ ደጊሞም ፍቃድ ሓተቱ። ተመሳጊኖም ካብቲ ገዛ ምስ ወጹ፡ ድሕሪ ቁሩብ ስጉምትታት፡ ካብቲ ዝነበርዎ ገዛ ከይራሓቑ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ ምስ ምሉእ ወታሃደራዊ ልብሱ ኣብ ቅድሚኦም ጸኒሑ ደው ኣበሎምም፡ ኣብ መደበር ወታሃደራዊ ስለያ ናይ ከሰላ ትድለዩ ኣለኹም ድማ በሎም። እዞም ብጾት ነዚ መጸዋዕታዚ ከም ሓድሽ ጉዳይ ገይሮም ኣይወሰድዎን። ምኽንያቱ ኣባላት መሪሕነታት ኮነ ካድራት ተቓወምቲ ውድባት ብጸጥታ ናይቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ክሕተቱን ክጽዉዑን ልሙድ ኣብርእሲ ምዃኑ ክልቲኦም ከኣ ኣባላት መሪሕነት ብምንባሮም ምስ ክራኸብዎም ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሃገር ናይ ስራሕ ሌላታትን ርኽክባትን ስለዝነበሮም ብዘይገለ ጥርጥር ነቲ ወታሃደር ሰዓብዎ።  ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ብዘይካቲ ኤርትራ ምውስዶም ዝመሎቈ ዘረባን ኣሰሮምን ኣይተረኽበን። 

ወዲቲ ንምሳሕ ዝዓደመ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ብብሽግለታ ተላኢኹ ዝተመልሰ፡ መልእኽቲ ናይ ወላዲኡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ስለዝተገንዘበ ብጾት ካብቲ ገዛ ምስተሰናበቱ ብካንሸሎ/መካበብያ ናይቲ ግዛ ተቐልቂሉ ይኸታተሎም ነበረ። እቲ ፖሊስ ናይታ ሃገር ደው ኣቢሉ ከዘራርቦም ምስራኣየ ድማ ኣይቀሰነን። ስግኣት ስለዝሓደሮ ድማ፣  ኲነታቶም ንምፍላጥ ደድሕሪኦም ስዒቡ ክሳብቲ መደበር ወተሃደራት ሱዳን ዝኣትዉ ከምዝተኸታተሎም የረጋግጽ። ክልቲኦም ብጾት ብወተሃደራት ተኸብኪቦም ተወሲዶም ዝብል ወረ ኣብቲ ከተማ ምስተሰምዐ ጉዳዮም ንምፍላጥን ብዝዋሓደ መዕለቢኦም ንምርግጋጽን፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ምድላዮም ጻዕርታት ተኣትወ። ነዚ ዝሰምዐ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሕብሮ ድማ “ክልቲኦም ዝተሰቕሉዋ ሓንቲ ብብርቱዕ ናህሪ ኣትጐዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ካብ ከተማ ከሰላ ንዶብ ኤርትራ ገጻ ክትወጽእ ርእየያ” ይብል።

በዚ ኣገባብዚ ድማ ኣብ ኢድ ናይቲ መፈንጠራዊ ስራሓት ንምስልሳል ውራየይ ኢሉ ዝተዓጥቀ ኣካል ስለያ ህዝባዊ ግንባር  ዝኾነ መርሃዊ ክብሮም ዝተባህለ ባእታ ቅድም ኣባል ተሓኤ፡ ድሕሪ 1982 ከኣ ኣባል ተሓኤ ሓጋጊ ኣካል ዝጸንሐ፡ ቀጺሉ ኣባል ስሙር ውድብ ዝነበረ ዕሱብ ከምዝወድቁ ኮነ። መርሃዊ ክብሮም ድሕርዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ጎቦታት ሓልሓል ዝነበረ መደበር ስለላ ህግዲፍ እንዳተዋፈሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝንቀሳቀሱ ኣብ ቅንጸላን ምጭዋይን ኤርትራውያን ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለታት ናይቲ ስርዓት ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። “ሰራቕ ሞባእስ ባዕሉ ይለፋለፍ፡ ከምዝባሃል፡ ኩሎም ኲነታት ናይዞም ዝተጨውዩ ብጾት ዝሰምዑ ኣባላትን ዘይኣባላትን ውድብ ብጭንቀት ተዋሒጦም ንምንዳዮም ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ  ዝነበረ ግዜ፡ ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ብዛዕባኦም ከይሓተተን ከይተሻቐለን ምሉቅ ኢሉ ንስዑድያ ከይዱ። ቅድሚ ምብጋሱ ግን፡ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ብጻይ ወልደማርያም  ዝዀነት ሰብ፣ “ኣይትሸገሪ ናብ ዓዶም ኢዮም ኣትዮም ዘለዉ” ከም ዝበላ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ውድብ ድሒሩ ብዘካየዶ  ክትትልን ምጽራይን፡ እዞም ክልተ ኣባላት መሪሕነት እዚኣቶም ብተሓባባርነት ጸጥታ ሱዳንን ተስፋጼን ገብረሱስንን  ብናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ስለላ ኣካላት ከምዝተጨውዩ  ምሉእ ብምሉእ ተረጋገጸ።

ብድሕር’ዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብቁጽሪ መዝገብ 754 ዓንቀጽ 162 ናይ 1958 ዝጸደቐ ናይ ሱዳን ሕጊ መሰረት ክሲ ኣቕሪቡ። ኣብ ዕለት 16.05.1992 ከኣ እቲ ቀዳማይ ኣብ ምጭዋዮም ቀጥታዊ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ተስፋጼን ካብ ሱዳን ንኸይወጽእ በቶም ሰበ-ስልጣን ከምዝተወሰነ ይዝከር። ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ኣብቲ ውዲት ዝዓበየ ኢድ ከምዝነበሮ ከይኽሻሕ፡ ቅድሚ እታ ናይ ሕጊ ኢድ እተርክቦ ናይ ምውጻኡ መደብ ኣዳልዩን ሰሪዑን ስለዝጸንሔ ከምልጥ ከኣለ። እንተኾነ ዋላኳ ንግዝያኡ ዘምለጠ እንተመሰሎ፡ ካብ ሕማቕ ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራን ንሓዋሩ ከምልጥ ከምዘይኽእል ግን ንኣምን።

እነሆ 31 ዓመታት ሓሊፉ እዞም ብጾት ተጋደልቲ እዚኣቶም፡ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እንዳተኸላበቱ እዚ ጨቋኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ የሳቕዮም ምንባሩ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ስርዓት ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ንኣታሃላልዉኦም ንዝምልከት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ኩሉ ግዜ ኣሉ ምስ በለ እዩ። ክእመን’ውን ትጽቢት የብልናን። እዞም ተጋደልቲ እዚኣቶም ኣብ መፋርቕ ናይ ሰብዓታት ልክዕ ከምቶም ብዙሓት ካልኦት መዛንኦም ኤርትራውያን ትምህርቶምን መነባብሮኦምን ጠንጢኖም በጃ ሃገሮም ክዀኑ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ኢዮም። ንኹሉ’ቲ ሓናቒ ጸገማትን ሽግራትን ጠሓሒሶም ድማ በቲ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ተወፋይነትን ንመትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ናይ ምዕዋት ተሪር እምነትን፡ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ቀጺሎም ድማ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኰይኖም ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ተሰከሙ።

ነዚ ናይ መጭወይቲ መዓልቲ’ዚ ክንዝክር እንከለና፡ ኣብቲ እዋንቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውንነት ምንባሩ  ንምምላስ ዝሕግዙ ገለ ነጥብታት  ምጥቃስ ዘድሊ ይመስለና።

እቲ እዋንቲ ሃገርና ካብቲ ን30 ዓመታት እተኻየደ መሪር ጸረ  መግዛኣታዊ ውግእ ሓራ ዝዀነትሉ ናይ ውግእን ወረ ውግን ምዕራፍ ኣኸቲሙ፡ ናይ ዳግመ ህንጻ፡ ስኒትን ዲሞክራስን ሓድሽ ምዕራፍ ክኽሰት ትጽቢትን ባህግን ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ መድረኽ ብግቡእ ብምልላይን ሓድሽ ናይ ምርድዳእን ስኒትን መድረኽ ክጅምር ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንልዝብ ዝጸዋዓሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ዕላምኡ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ስልጣን ባዶነት ንምምላኣ ዘቖ`ሞ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንእዋኑ ደጊፍካ፣ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቀሳን ክወዳደራን ምፍቃድ፡ እተን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃመን ዘበርከታ ውድባትን ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖታትን ህዝባዊ ውክልና ዘለዎም ሃገራውያን ማሕበራትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ብጉዳይ ሃገራዊ ቻርተርን ዲሞክራስያዊ ቅዋምን ክካየድ ትጽቢት ዝነበረሉ እዩ። ባሓቲ መርሆ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን፣ ኣብቲ ውድባት ንውድበን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ይጸንበራ ዝብል ዘይተግባራውን ዘይክውንነታውን ናይ ሰማንያታት መርገጻቱ ስለዝደረቐ ተበግሶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንስኒትን ሃገራዊ ዕርቕን ክዕወት ኣይካኣለን።

በዚ ዲሞክራስያውን ናይ ህዝቢ ረብሓ ዝሕሉን ጠለባት ዝተሳናበደት ግዝያዊት መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ዝዓለመ ወታሃደራዊ ዓመጽ ንምክያድ መረጸት። ከምኡውን ኣብ ከተማታት ሱዳን ንዝርከቡ ኣባላት ውድባት ኤርትራ ናይ ምጭዋይን ምቅታልን መደባት ሰሪዓ እከይ ተግባራታ ንኽትፍጽም ኣበርቲዓ ክትንቀሳቐስን ኣብ ምዝርራይ ክታሓባበርዋ ምስዝኽእሉ ኣካላት ጸጥታ ሱዳን ውዲታዊ ዝምድና ፈጠረት። በዚ ርኹስ ኣገባብዚ ከኣ ኢዮም ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ወዲ ባሻይን ናይዚ ውድባት ንምጽናት ዝዓለመ ብቐንጻሊ ስርዓት ዝተወስደ  ጃምላዊ ወታሃደራዊ ጭውያ ግዳይ ዝኾኑ።

እቲ ኣብ ዕለት 16 ጥሪ 1995 ኣብ ኣልወስጥ ዝተባህለ ናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ሱዳን ሕታም ቁጽሪ 155 ዝተቓልዐ ጸጥታዊ ሰነድ ስምምዕ ግርማይካ ከኣ መቀጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ውዲታዊ ስጉምቲ ምንባሩ’ዩ ዘረጋግጽ። እዞም ኣብ ቅድሚ ሓቅን ፖለቲካዊ ግጥምያን ደው ክብሉ፡ በይኖም ገጢሞም ክስዕሩ ዘይኽእሉ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ቃጻን ውዲትን ቀንዲ መሳርሒኦም ስለዝኾነ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ቀጺለሞ እዮም። 

እዞም ንጹሃት ተጋደልቲ እዚኣቶም እንታይ ዝፈጸምዎ ኣበሳ ስለዘለዎም ኢዮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተዳጒኖም ንሳላሳን ክልተን ዓመታት ዝኣክል ህልውናኦም ኣብዘይፍለጠሉ ናይ ስቓይን ዓዛብን መዋእል ዘሕልፉ ዘለዉ? ንዝብል ሕያዋይ ሓታታይ እቲ መልሲ፡

  1. ብኢሳያስ ንዝቐረበ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ተቐቢሎም ንውድቦም ኣፍሪሶም ናብቲ ንሱ ዝመርሖ ዓንኬል ዘይምእታዎምን ኣገልገልቲ ናይዚ ቀንጻሊ ስርዓት ዘይምዃኖምን፡
  2. ካብ ናይ ኢሳያስ ዝፍለ ሃገራውን ህዝባውን ርእይቶ ስለዝነበሮምን ጥራሕ እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝፈጸምዎ ኣበሳ ኣይነብሮምን፡ የብሎምን እውን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ዝፈልጥዎም ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወሰዶ ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምቲ ኣብተን ምጽንባር ዝነጸጋ ውድባት ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ከኣ፡ ክፍለጥ ይግባእ። ሓደ ካብ መለለዪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ”  ዝብል ስለዝኾነ፡ ዋላ ኣባላት ናይተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን መብጻዓታቱ ኣሚነን ህልውናኤን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝኣተዋ ውድባትውን ከይተረፈ ካብቲ ጨካን ናይ ቅንጸላ መሓውራቱ ከምልጡ ኣይካኣሉን። ብዙሓት ካብቶም ንምሉእ ዕድሚኦም ምእንቲ ነጻነት ዝተቓለሱ ኣባላተን ከካብ ገዛኦምን ስርሖምን ተጨውዮም ብዘይዝኾነ ይኹን ክስን ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ውሑዳት ኣይኰኑን። ኲነታቶም ክሓቱ ፈቲኖም ተመሳሳሊ ዕጫ ዘጋጠሞም እውን ብዙሓት ኢዮም። ከም በዓል ዑስማን ዳየር፡ ማሕሙድ ዲናይ፡ መሓመድ ኬርን እስሌማን ሙሳ ሓጅን ዝኣመሰሉ ገዳይም ሃገሮም ዝባሃጉ ተጋደልትን እምባየ ሕድሩን ኣበይ ኣለዉ? ካልኦት ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ተጨውዮም እተወስዱ ከም በዓል ገብረሂይወት ቀለታ፡ ውልደስላሰ ቻንቹ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ፡ ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ ኸ ኣበይ ነጠቡ? ሕጂ እሞድማ፡ እገለን እገለን ኢልካ ብስም ጸብጺብካ ዝውዳእ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይቶም ጸልማት ተኸዲኖም ዝጨውዩ መጋበርያታት ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ናይ ራዕድን ሽበራን ቀንጸላን ስርዓት ነጊሱ ምህላዉ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነን። በዚ ኣጋጣሚዚ መበል ሳላሳን ክልተ ዓመት መጭወይቲ ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ኣብ እንዝክረሉ ዘለና እዋን እምነቶምን ኣተሓሳስባኦምን ብዘየገድስ፡ ብልኡኻት ናይቲ ቀንጻሊ ስርዓት ተጨውዮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ዘገምታዊ ይኹን ሃንደበታዊ ሞት ንምድሓኖምን ነጻ ንኽልቐቁን ድምጽና ከነስምዕን ከምኡውን 26 ሚያዝያ ዓመት ዓመት ምስቶም ብኣእዳው ቀንጻሊ ስርዓት ዝተጠልፉን ዝጠፍኡን ደው እንብለላን  ምስ ተጨውዮም ዝጠፍኡ  ምሕዝነትናን ደገፍናን እንገልጸላን ዕለት ኰይና ንኽትዝከር እንጽዋዓላ ዕለት ኢያ።

ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!!

ክሳብ ምሉእ ሓርነታት ህዝብናን ነጻ ምልቃቕ ፖለቲካዊ እሱራትን ዝረጋገጽ ንቃለስ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍን መጋበርያታቱን!

Last modified on Friday, 26 April 2024 00:06