ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ህዝቢ ትግራይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

2025-02-03 20:10:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 317 times

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ለበዋ ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብ ምሁራት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ብ3 ለካቲት 2025 ብቋንቋ ትግርኛ ወግዓዊ መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ውግእን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጢቒሱ።

ኣብ መጸዋዕታኡ፡ "እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕጂ’ውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከየልምዕን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እዩ" ክብል ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።  ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብምውጋኖም ሕድሕድ ውግእ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ኣንጸባሪቑ።  

ንወገን ጌታቸው ረዳ ከም ዝድግፍ ዝግመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰላም  ከም ዝፍታሕ ንዝኾነ ዝስወሮ ኣይኮነን’ውን ኢሉ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን መዲያን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ፡ ቅድም ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ፍልልይ ብኢህን-ሚህን ክፈትሑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ፌደራልን ካለኦት ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንክፍታሕ ጽልዋኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዝፍጠር  ፍልልይ  ከም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምውሳድ፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መንእሰያት ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ንክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝፍጠር ብዘሎ ፍልልያት ኣስጋእነቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

Last modified on Monday, 03 February 2025 21:23