መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ክህቦ ዝጸንሐ ደገፍ ከምዘቋርጽ ኣፍሊጡ
2025-02-04 19:36:47 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 203 timesኤርትራ: “ተቐባልነት ዘይረኸቡ” ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት፡ መንግስት ስዊዘርላንድ፡ ክህባ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዝቋርጾ ቢቢሲ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ብምጥቃ ሓቢራ። እቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ንክትቅበል ንምትብበዓ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብዚ መዳይ ቅርብቲ ንክትከውን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ንክውሰድ ከም ዘገደደ እቲ ዜና ኣፍሊጡ ።
ቢቢሲ ሬድዮ ስዊዘርላንድ ብምጥቃ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት ሸውዓተ ሺሕ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ክልተ ሚእቲ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተወሰኖም እዮም። ምስዚ ብምትሕሓዝ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ነዚ ናይ ልምዓት ሓገዝ ምሃብ ዝጀመረ ካብ 2017 ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጉንበት ድማ ክቋረጽ እዩ።
ናይቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ቀንዲ ዕላማ፡ መንእሰያት ተክኒካዊ ብቕዓት ከም ዝህልዎም ብምኽኣል ቁጠባዊ ዓቕሞም ከም ዝዓቢ ንምሕጋዝ ምንባሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ማይክል ስታይነር ንመደባት ሬድዮን ተለቪዥንን ስዊዘርለንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ህላወ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣዝዩ ዝተደረተ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መደብ ክዕወት ኣይከኣለን።
እቲ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክል ስታነር፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስለ ዘየለ ድሕሪ ሕጂ ምስ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊስካ እግሪ ምትካል ዝተሓሓዝ ሓገዝ ከምዘይውሃባ ኣፍሊጡ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካ ስዊዘርላንድ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይታ ሃገር ፓርላማ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምትሕልላፍ መደብ ዝነበሮ ኮይኑ ተቐባሊት ሃገር ብዘይምርካብ ከም ዘይተዓወተ እውን እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ሓቢሩ።