ጅቡቲ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ደብዳብ ብምፍጻም ተኸሲሳ
2025-02-01 19:28:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 291 timesናይቲ ደብዳብ ግዳያት
ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ ከም ዘሎኣመልኪቶም።
ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።
በቲ ካልእ ወገን ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ። ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር ዘስግእ እዩ።