ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ
2025-01-31 22:28:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 217 timesናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል
ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡ ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ኣብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ “ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን ኣሳታፍን ክኸውን እዩ” ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ