ሱዳናውያን ኣብ ናይሮቢ ዘካየድዎ ፖለቲካዊ ልዝብ ኣይተዓወተን

2025-01-29 12:19:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 305 times

ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ

.ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ፖለቲካዊ ዘተ ዘካየዱ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ብዘይውጽኢት ከም ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ዘተ ዕላማ ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ከም ዝነበረ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብተን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኣካላት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ከም ዝርከበአን ተፈሊጡ።

ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጉጅለታት ኣብ ግደ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዝምድና መንግስትን ሃይማኖትን ዝምልከት ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ጠቒሱ።  ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣኼባ ዝዓደመ ኣካል፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ጉጅለ ክኢላታትን ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ ንክኾኑ ከም ዝጸዓረ ሓቢሮም። ካለኦት ወገናት ከኣ ገለ ማሕበራት ሱዳን ብኢድ ኣዙር መሳርሒ ፖለቲካ ምዃኖም ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።

ካብቶም ካብ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሺር 2019 ጀሚሮም ኣብ ሱዳን ዘየሰማምዑ ዘለዉ ጉዳያት፡ ውክልናን ምምቕራሕን ስልጣን ከም ዝርከብዎም ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ኣብ ሱዳን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ ተጠቒሱ። መራሒ ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ፡ ብወገኑ ኣብ ሱዳን ሰኩላራዊ ስርዓት ክምስረትን ከም ጎበታት ኑባ ንዝኣመሰሉ ውሁዳን ከባብታት ከኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ክፍቀደሎም ከም ዝደሊ ሓቢሩ። ተቐዱም ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ብወገኑ፡ ሰልፍታት ኡማን ባዕስን ኣብቲ ሰኩላራዊ ስርዓት ዝበሃል ዕቃበታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ሺሃብ ኢብራሂም ዝተባህለ፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቐዱም ብወገኑ፡ ኣኼባ ናይሮቢ ከምቲ ዝድለኳ እንተዘይተዓወተ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት ምዝታዩ  ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ፍልልያት ክፍጠር ንቡር ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ እቶም ኣካላት ናይ ሓባር ቻርተር ክነድፉ’ኳ እንተዘይከኣሉ ብዛዕባ ብዙሓት ጠቐምቲ ነጥብታት ግና ተመያይጦም እዮም።

Last modified on Wednesday, 29 January 2025 13:25