ብሓላፊ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተኾነን “ዕልዋ” ዝተበህለ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ መግለጺ ኣውጺኦም፡

2025-01-24 12:09:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 327 times

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል፡ ምትዕርራይ ክግበረሉ፡ "ዝደኸሙ መራሕቶም" ድማ ክትክኡ፡  ብ23 ጥሪ 2025 ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ነቲ መግለጺ፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታው ድሕሪ ምባሉ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ኣካይዶም ዝርዝር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 22 ጥሪ 2025 ኣኼባ ኣካይድና ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ትግራይ ዘውጽእዎ 13 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ፡ ነቲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሰረዞ ኣካል ህወሓት ከም ዝድግፍዎን ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ልዕሊ 50%  ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳት ትግራይን ላዕለዎት ኣዘዝቶም ናይ ምግዳብ መንፈስ ዘለዎ ምዃኑ የመልክት። ነቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ እሞ ዘካየዶ መበል 14 ጉባአኡ ብብሄራዊ ቦርዲ ምርጫ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ዝተሰረዞ ክፋል ህወሓት ከም ዝድግፉ በቲ መግለጽኡ ኣፍሊጡ ።

ብምቕጻል ድማ ብደረጃ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውሰድ ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ምትዕርራያት ንድሕሪት ንክምለስ ኣብቲ መግለጺ ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት ሓደ እዩ። ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ብህወሕ ዝተገልጸ ብምድጋም “ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይ” ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ከእትው ኣይንፈቅድን ኢሉ። ብዘይካዚ ከምቲ መግለጺ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝበሎ፡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዘለዉ ሓለፍቲ ብኽሕደት ከሲሰሞም። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝበልዎ ዘየነጸርዎኳ እንተኾነ ብናይ ብዙሓት ተረድኦ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም 13 ጀነራላት፡ እቲ  መግለጺ ካብ ዘጽደቐሉ ኣኼባ ረጊጾም ወጺኦም።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ መግለጺ ሕጋውን ፖለቲካውን ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ገሊጹ፡ ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ምክያድ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓያሎ መዲያታትን ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይን ነቲ ብስም ኣዘዝቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ውሑዳት ኣብ ዘይምልከቶም ዝኣተዉ ስጉምቲ እዩ ብዝብል ተሪር ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኦም። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነቲ ስጉምቲ “ልስሉስ ዕልዋ” ክብሉ ይገልጽዎ’ለዉ።

Last modified on Friday, 24 January 2025 13:16