ስማዊ ካቢነ ኤርትራ ካብ ዝእከብ 6 ዓመት ከምዘሕለፈ ተሓቢሩ
2024-10-01 15:49:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 138 timesስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ብስሩዕ ካብ ዝእከብ 28 መስከረም 2024 ሽዱሽተ ዓመቱ ከም ዝሓለፎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 መስከረም ዝተዘርግሐ ዜና ቢቢሲ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ “ካቢነ ኣበይ ጠፊኡ? ሃለዋት እተን ዝመርሐን ዝነበረ ሚኒስተሪታት ከ ኣብ ከመይ ዝኣመሰላ ሃለዋት ኣለዋ?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ ከም ዘለዉ እውን ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ደገፍቲ ህግደፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ሚኒስተራት ብዕድመ ምድፋእ በቲ ካልእ ወገን ድማ መስርሕ ምትኽኻእ ዘየለ ምዃኑ ከም የተሓሳስቦም ከም ዘሎ’ውን ኣስፊሩ።
ፖለቲካዊ ባህሪኡ ብዘየገድስ ኣብ ንቡር መንግስታዊ ኩነታት፡ ካቢነ ሚኒስተራት ፈጻሚ ኣካል ኮይኑ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ናይቲ መንግስቲ ዝከታተል እዩ። ሓጋግን ፈራድን ከኣ ነናቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ እዮም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ካብ ቀደም ካብ ንቡር ወጻኢ በቲ ካቢነ ዝተጨውዩ ኮይኖም፡ እቲ ቁርብ ድምጹ ዝስማዕ ዝነበረ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ዝእከብ 6ተ ዓመታት ምሕላፉ ድማ ኩሉ ነገር ተጠቕሊሉ ኣብ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ምውዳቑ ዘመልክት እዩ።
ካቢነ ሚኒስተራት ብመሰረቱ ብሓጋጊ ኣካል ዝጸድቕ ሕግታትን ኣዋጃትን ዘተግብር ኮይኑ፡ ናይ ሕግታት፡ ዓመታዊ በጀትን ንድፊ ናብቲ ሓጋጊ ኣካል ዘቕርበሉ ኩነታት እውን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋጊ ኣካል ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ሕግታት መሰረት ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ኮነ ብግሉጽነት ዝፍለጥ በጀትን የለን። ኣባላት ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳር ህግደፍ፡ ብሓጋጊ ኣካል ዝድይቡን ዝወርዱን ዘይኮኑ፡ ውልቀ-መላኺ ብኢደ-ወነኑ ዘደይቦምን ከውርዶም እዮም። ኣብዚ መስርሕ ህዝቢ ኣጋጣሚ መዲያ እንተዘይኮይኑ፡ መን ኣበየናይ ሚኒስትሪ ተመዚዙ ይመርሖ ከም ዘሎ ኣይሕበሮን እዩ።
እቲ ብምርጫ ዘይኮነ ብሕርያ ቆይሙ ዝነበረ ሓጋጊ ኣካል ኤርትራ፡ ካብ 2002 ንደሓር ኣበይ ከም ዘሎ ከምዘይፍለጥን ናይቲ ኣካልቲ ምእካብን ዘይምእካብን ጠንቂ ናይቲ ኣብ 2001 ዝተኻየደ ኣልማማ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜተኛታትን ከም ዝነበረን እውን ቢቢሲ ኣብቲ ሰፊሕ ገምጋማ ኣስፊራ።