ኣብ ሱዳን ልዕሊ 90% ትሕተ-ቅርጻ መዲያ ከም ዝዓነወ ተሓቢሩ

2024-10-05 09:48:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 8 times

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን (ማጋሱ)፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ’ ካብ ናይታ ሃገር ትካላት መድያ ትሕተ-ቅርጻ  90% ከም ዘዓነወን ኣሸሓት ጋዜጠኛታት ከም ዝተመዛበለን ሓቢሩ። እቲ ማሕበር ኣተሓሒዙ ብዙሓት ትካላት ዜና ንብረተን ከም ዝተሰርቀን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ ካብ ሃገር ንክስደዱ ከም ዝተገደዱን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ዝተገልጸ እቲ ማሕበር ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየዶ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምዃኑ ድማ፡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳት ትሪቡን ኣፍሊጣ።

ናይቲ ማሕበር ጸሓፊ ኢማን ፋዱል፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 80% ከባብታት ሱዳን ካብ ኢንተርኔትን ካልእ መራኸብን ስለ ዝተቛረጸ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ህዝቢ ጸብጻባት ምቕራብ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት፡ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣስታት ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታት ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፡ 220 ድማ ብመራኸቢ ብዙሓት ተሳቲፎም። ናይቲ ኮንፈረንስ ቀንዲ ዛዕባ፡ ናይቲ ኮንፈረንስ፡ ጽልዋ ኣብ ጋዜጠኝነትን ንሱዳናውያን ጋዜጠኛታት ዘጋጠሞም ብደሆን ዝምልከት ምንባሩ  ሱዳን ትሪቡን ኣብቲ ጸብጻባ  ኣስፊራ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዝቐረቡ ኣርእስታት፡ ግደ መድያ ኣብ ውግእ፡ ምንዛሕ ናይ ጽልኢ መደረታት፡ ገበን ውግእን መጻኢ ዕድል ጋዜጠኝነት ኣብ ሱዳንን ዝብሉ ይርከብዎም። እቲ ቀንዲ ዝተዘርበሉ ከኣ ንማሕበራዊ ኣቃውማ ሱዳን ዘስግእ ዘሎ ምዝርጋሕ  ሓሶት ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ፋዱል ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 445 ጋዜጠኛታት ግዳይ ሞት፡ ማእሰርትን ስቓይን ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ ካብዚኣቶም 39 ዝተቐትሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

Last modified on Saturday, 05 October 2024 11:56