ሰራዊት ሱዳን ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ኣመንቲ ኣድሒኑ
2024-08-08 15:44:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 234 timesካብቶም ናጻ ዝወጹ ግዳያት ብኸፊል
ሰራዊት ሱዳን ብ6 ነሃሰ 2024 ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ካርቱም ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ደናግል፡ ካህናትን 20 ሲቪል ደቡብ ሱዳናውያንን ናጻ ከም ዘውጸአ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ኣብ እምዱርማን ተዓጊቶም ከም ዝነበሩ ድማ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዞም ግዳያት ኣብቲ ቀጻሊ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ሸጃና ዝበሃል ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ደንበስኮ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ናይ ሰራዊት ምውግለጺ፡ ፍሉይ ስርሒት ብዝበሎ ናይ ሰራዊትን ክፍሊ ስለያን ናይ ሓባር ስጉምቲ ናጻ ምስ ወጹ፡ ናብታ ዝምድናዊ ሰላም ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዮም ተወሲዶም።
ናይቲ ሰራዊት መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣዞም ግዳያት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረብ ዝግበረሎም ዝነበረ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከውጸኦም ፈቲኑ ዘይተዓወተሎም እዮም።
እቶም ኣባላት ደንበስኮ ተዓጊተምሉ ዝጸንሑ ከባቢ፡ ካብ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን ውግእ ዝተጀመረሉን ብቐጻሊ ክካየደሉ ዝጸንሐን ክፋል ከተማ ካርቱም እዩ።