ዋዕላ ፖሓኤ ሰነዳት ብምጽዳቕን፡ መሪሕነት ብምስያምን ተዛዚሙ
2024-08-08 11:41:42 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 265 timesዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መዚዙ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ኣቐዲሙ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበሉ ንድፊ ቻርተርን ዝመሓደረሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ፡ ነቲ ጽላል ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ ኣካል ብምስያም፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምትሕልልላፍን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ተዛዚሙ።
ቻርተር ፖሓኤ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ቃልስን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ዝምስረቱ ግዝያውን መሰጋገርን መንግስታት ዝቖምሉ ኣገባብ፡ ዝዓምዎ ስረሓትን ዝህልዎም ዕድመን ዘብርሁ ዓንቀጻት ዝሓቖፈ እዩ።
ናይቲ ጽላል ቅዋም ከኣ ስም፡ ኣርማን ካልእ መላለይን ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት ኣብቲ ጽላል፡ ግቡኣትን መሰላትን ኣባላትን ዘብርሁ ዓንቀጻት እውን ዘስፈረ እዩ። ስርዒታዊ ጽላል ፖሓኤ፡ ሓላፍነት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘነጽሩ ዓንቀጻት ኣብዚ ቅዋም ይርከቡ።
ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝግለጽ እሂንምሂን ዝሰፈኖ ተሳትፎ ነይርዎም። ኣብ መጻኢ መሪሕነት ጽላል ከተኲረሎም ብዛዕባ ዝግብእ ኣብ ዙርያ ምስፋሕ ኣባልነትን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮሩ ሃነጽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዋዕላ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 21 ቀወምትን 3 ተጠባበቕትን ዝኣባላታ ማእከላይ መሪሕነት መዚዙ። ምስዚ ከኣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝዳህሰሰ ፖለቲካዊ ውሳነታት ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ከሕልፍ እንከሎ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ድማ ስርሑ ዛዚሙ። ዋዕላ ኣብቲ መገለጺኡ ብኣካል ይኹን ብማንዛ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መድያን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተላኣእከ ናይ ዓወትን ሰናይ ትምኒትን መልእኽታት ተነቢቦም።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡ መእተዊ ቃልን ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ፖሓኤ ዝዳህሰሰ ጸብጻብን ብኣቦመንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ከምኡ ድማ መስርሕ ምድላው ከመይ ከም ዝነበረ ዘርኢ ጸብጻብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀሪቡ ድሕሪ ምይይጥ ከም ዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።