10 ኤርትራውያን ኣትሌትስ ብስም ካልኦት ሃገራት ከም ዝወዳደሩ ተፈሊጡ

2024-07-16 21:19:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 329 times

ካብቲ ሃገሮም ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እምነት ኣጥፊኦም፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣትለትስ፣ ኣብቲ 26 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ውድድር ኦለምፒክ ነተን ዑቕባ ዝፈቐዳሎም ሃገራት ወኪሎም ከም ዝወዳደሩ ሬድዮ ኤረና  ዎርልድ ኣትለቲክስ/ world athletics ዝተባህለ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እዞም ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ናይ ካልእ ሃገር ተደራቢ ዜግነት ዝረኸቡ እሞ ኣብተን ሃገራት ነቲ መሳተፊ መምዘኒ ዘማልኡ  ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 10 ትውልደ-ኤርትራውያን ኣትሌትስ፡ መቕደስ ወልዱ  ብ10 ሽሕ ሜትሮ ማራቶን ንፈረንሳ፡ ወይኒ ቀላቲ ብ5 ሺሕ ሜትሮን ከምኡ‘ው ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓወት ኔፍታሌም ብ5 ሽሕ ሜትሮ ንኖርወይ፡ ኤፍሬም ግደይ  ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንኣየርላንድ፡ ፊልሞን ኣብርሃም፣ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንጀርመንን፡ ዘርኣይ ክብሮም ብ10 ሽሕ ሜትሮን ከምኡ‘ውን ኣብ ማራቶን ንኖርወይ ተኽለወይኒ ገብረየሱስ፡ ሳሙኤል ፍትዊ ኣብ ማራቶን ንጋንታ ስደተኛታት፡ ፡ እዮብ ፋኑኤልን ታደሰ ኣብርሃምን ድማ ኣብ ማራቶን ብቅደም ሰዓብ ንጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ወኪሎም ክስለፉ ምዃኖም እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ ።

ኣብዚ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ዓመታዊ ውድድር ጸወታ ኦሎምፒክ ዓለም፡ ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ካልኦት ስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ኣትለቲክስ /World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር  ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብፍላይ ድማ ንውድድር ኩዕሶ እግሪ ካብ ሃገር ዝወጹ ስፖርተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ተጽዕኖታት ንምድሓን፡ ብደረጃ ምሉእ ጋንታ ብዝወጽዎ ክተርፉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 16 July 2024 23:24