ሕጋዊ ተሓላቒ ፕረሰ ዝተኣስራ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት ንክፍተሓ ጸዊዑ

2026-03-17 20:41:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 32 times

ብሰንኪ ውግእ ኣብ ግዝኣት ኒያላ ዝሰዓበ ዕንወት ካብ ዘርእዩ

ዓለም ለኻዊ ተሓላቒ መዲያን ሰዳናዊ ሕጋዊ ሓጋዚኡን ብጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን፡ ኣብ ደቡብ ዳርፎር ኣሲርወን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጣኛታትን ነጠፍትን ንክፈትሐን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። እዚ መጸዋዕታ ዝቐረበ ኣብቲ ከባቢ ጃምላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እዩ።

ዓለምለኸ ኮሚቲ ምክልኻል መሰል ፕረስ (CPJ)  ብወገኑ ካብ ኒውዮርክ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ሪፖርተራት ሬድዮ ግዝኣት ኒያላ ዝተፈጸመ  ኮይኑ፡ እተን ግዳያት ሪፖርተራት ማዋህብ ኢብራሂምን ዛህራ መሓመድ ኣል ሓሰንን ዝተባህላ እየን። ከምኡ እውን ኣቕራቢት መደብ ኢሽራቕ ዓብደራሕማን ምስኣተን ዝተኣስረት ምዃና ተጠቒሱ። እተን ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጋዜጠኝነት ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ኒያላ ድሕሪ ምስታፈን ከም ዝተኣስራ’ውን እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ትካል ፕረስ ኣፍሊጡ።

ሳራህ ኳዳ ዝተባህለት ናይቲ ተጣባቒ ትካል ዳይረክተር፡ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ስጉምቲ ምውሳድ ከቋርጽ ጸዊዓ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ሓበሬታ መጋደዲ ህውከት ከይከውን ኣብ ምግዳብ ግደ ከም ዘለወን ኣፍሊጣ። በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነበርቲ እቲ ከባቢ እተን ግዳያት ኣብ ከተማ ኒያላ ኮርያ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ሕጊ እየን ተዳጒነን።

ነቲ ጸብጻብ ማእሰርቲ ዝመዝገበ ጉጅለ ጠበቓታት ሱዳን ብወገኑ ብዘይካ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ሪፖርተራት ማእሰርቲ፡ ዶር ማናሀል ሙስጡፋ ኣል ሳነውሲን ኢዝደሃር ዓብደል ሞነዕምን ዝተባህሉ ፍሉጣት ሰባት ዝርከብዎም ካለኦት እሱራት ከም ዘለዉ’ውን ኣቃሊዑ። እቲ ጉጅለ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ  ዝቆጻጸሮ ከባብታት መስርሕ ፍትሒ ስለ ዘየለ እቶም እሱራት ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ ስግኣቱ ኣስፊሩ።

እቲ ዜና፡ ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተኣስሩ’ሞ ፍትሒ ዘይረኸቡ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሱዳን ብድሕሪ እቲ 2023 ዝጀመረ ውግእ ሕድሕድ ብደረጃ ዓለም ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ኮይና ዘላ እያ።

Last modified on Tuesday, 17 March 2026 21:51