ኣባልነት ኤርትራ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከምዘይሓገዘ ተገሊጹ

2024-07-13 10:58:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 328 times

መበል 56 ዓመታዊ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ናይቲ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተል ተመዚዙ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዶር ዓብዱሰላም ቀጻልነት ኣጽዲቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይ ኤርትራ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣባል ናይቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ  ባይቶ ኮይና ትጽናሕ እምበር፣ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከምዘይሓገዘ ኣፍሊጡ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ተሓታትነትን ዕንቅፋት ክትከውን ከም ዝጸንሐት ኣቃሊዑ።

ሓሰን ሺረ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ዝሰርሕ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ልኡኽ ተኸታታሊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ጸብጻብ ምቕራብ ክቕጽል ኣለዎ ኢሉ። ኤርትራ ንኣባልነታ ኣብቲ ባይቶ ከም መሸፈኒ ነቲ እትፍጽሞ ጥሕሰታት ክትጥቀመሉ ከም ዝፈተነት ብምጥቃስ ድማ፡ ኣባልነት ኣብ ባይቶ መሸፈኒ ገበናትካ ጌርካ ምውሳድ ቅቡል ከምዘይኮነ ጠቒሱ። 

እቲ ንኤርትራ ብዝምልከት በቲ ኣብ መበል 56 ኣኼባ ባይቶ ዝተወሰነ ብይን (A/HRC/56/L.16)፡ ኣብ ርእሲ ምንዋሕ ዕድመ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም  ኣሎ ዝበሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከም ዘሰክፎ ኣስፊሩ።  ካብቲ ዝጠቐሶ ጥሕሰታት፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምስዋርን፡ መጭወይቲ ዜጋታት፡ ብኩራት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንፋግ መሰል እምነት፡ ኢደወነናዊ ቅትለት፡ ምስቓይን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ከምዘይተኻየደን ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ክሳተፍ ከምዘይጸንሐን ገሊጹ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፈን ዝነበራ ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገነን፡ ኣቐዲመን እቲ ኣኼባ ዕድመ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ሰብኣዊ ልኡኽ ንክቕጽል ምሕጽንታ ከም ዘቕረባ ተሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ወገናት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ክንድቲ ክሰርሖ ዝነበሮ ብዘይምስርሑ ከም ዝነቐፍዎ ተፈሊጡ።

Last modified on Saturday, 13 July 2024 13:11