ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ሓለዋ ክግበረሎም መጸዋዕታ ቀሪቡ

2024-07-12 18:52:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 367 times

ኣካልቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስግኣት ዝፈጥር ዘሉ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰል፡ ድሕርቲ ኣብ ሱዳን ዝተጀመረ ውግእ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ዝርከብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛ ኣብቲ ዘለዎ መደበር ሓለዋ ስለ ዘየብሉ ወይ ካብኡ ንክወጽእ ዝተታሕዘ መደብ ስለ ዘየለ፡ ከም ዘሰክፎ ብ10 ሓምለ 2024 ካብ ናይሮቢ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ዝደተኛታት ብዙሓት፡ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ወጽዓን ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ዝሃደሙ እዮም። ናይቲ ሰብኣዊ ኣካል ስኽፍታ ዝያዳ ዝዓረገ፡ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ኣብቲ ዝያዳ 400 ሺሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብሉ ምምሕዳር ሲናር ሓያል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

እዚ ካብ ከተማ ገዳርፍ ብዙሕ ዘይርሕቕ ከባቢ ብሰንኪ ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ዝወጹ ኤርትራውያን ዝዓርፍሉ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብፍላይ እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እቲ ናይ ሱዳናውያን ውግእ ከሰላን ገዳርፍን እንተደኣ በጺሑ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ከም ዘፍለጡ እቲ ሰብኣዊ ኣካል ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል፡ ብፍላይ ኣብ ገዳርፍ ዝተዓቖቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዝሓደሮም ስግኣት ሓለዋ ክግበረሎም ወይ ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ክውሰዱኳ በተደጋጋሚ ክምሕጸኑ እንተጸንሑ ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ ምስክርነቱ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ውግእ ሱዳናውያን እንተቐጺሉ እዞም ኢትዮጵያውያን ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከየጋጥሞም ከም ዝሰግእ ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ብዝተፈጥረ ናይ መንግስቲ ለውጢ፡ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተ ናይታ ሃገር ርኬር ስታመር  ነቲ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ወጺኡ ዝነበረ መደብ፡ “ሞይቱ ዝተቐብረ” ኢልዎ። በዚ መሰረት ብሪታንያ ኣቐዲማ ንሩዋንዳ ዝሃበታ 310 ሚልዮን ዶላር ይመለስ ኣይመለስ የዋጥጥ ከም ዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።

Last modified on Friday, 12 July 2024 20:58