ፈስቲቫላት ህግደፍ ህድማ ናብ ኣስመራ

2024-07-11 08:57:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 601 times

ቆንስላዊ ጉዳያት ህግደፍ ጀርመን ፍራንክፈርት ብስም ክፍሊ “ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት” ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮበልዩ ፈስቲቫል ቦለኛ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝካየድን ደገፍቱ ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም ክሳተፍዎን ጸዊዑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብምኽንያት ናይዚ ካብ 10 ክሳብ 18 ነሃሰ 2024 ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዝኽሪ ፈስቲቫል ቦለኛ ዓመታዊ ፈስቲቫል ጀርመን እውን ከምዘይካየድ እቲ “ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦለኛ” ብዝብል ዝተዘርገሐ ዘዋሪ መልእኽቲ ኣመልኪቱ።

እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ካብ ኩለን ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝጐዓዝ ኤርትራዊ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ፈስቲቫል ንክሳትፍ ክደፍኡ ናብ  ማሕበረ ኮማት ዘተኮረ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  

ብዙሓት ከም ዝግምትዎ መበል 50 ምጅማር ፈስቲቫል ቦለኛ፡ ታሪኻውን ናይ ኩሉ ፈስቲቫላት ጀማርን ስለ ዝኾነ ኣብቲ ታሪኻዊ መጀምርታኡ ክዝከር ይግበኦ ከም ዝነበረ፡  እንተኾነ ህግደፍ  ከምኡ ከይገብር ዘገደዶ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዘጋጥሞ ዘሎ ዕንቅፋታት ከምዝኾነ ይገልጹ። ተመኩሮኡ ከም ዝሕብሮ ቀንዲ ዕላማ ፈስቲቫላት ህግደፍ ምእካብ ገንዘብን ጸረ ሓድነት ምልዕዓላት ምክያድን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝያዳ እቶት ክረኽበሉ ዝኽእል ኣብ ወጻኢ ዘለዉ  ደገፍቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኤውሮጳ ብቐሊሉ ተጓዒዞም ክሳተፉ እንከለዉ እምበር፡ ናብቲ ከቢድ ወጻኢ ዝሓትት መገሻ ከይዶም ዝሳተፉ ኣዝዮም ውሑዳት ከም ዝኾኑን እቲ ኣታዊኡ ብኽንድኡ ደረጃ ከም ዝንክን ይገልጹ።

ህግደፍ ፈስቲቫላቱ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣስመራ ዘህድም ዘሎ እምበኣር፡  እቲ ዝሓሸ ኣታዊ ኣብ ኢውሮጳ ክኸውን እንከሎ ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ከም ዝተራእየ ብሳላቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘርኣይዎ ተባዕ ተቓውሞ ክገብሮ ዝኽእለሉ ባይታ ከምዘየብሉ ስለ ዝተረደ እዩ። እዚ ከኣ ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ብግብሪ ይሰዓር ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

Last modified on Thursday, 11 July 2024 11:12