ኢትዮጵያን ሶማሊላድን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ከቲመን
2024-01-01 20:29:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 699 timesቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸተሙ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። እቲ ን50 ዓመታት ከም ዝጸንሕን ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ ቀዋሚ ስምምዕ ኮይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉን ሰነድ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ቢሂ ኣብዲን ከም ዝተኸተመ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ንናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕርን ናይ ወደብ መማረጽን ዘውሕስ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኢስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋ ሑሴን፡ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መርሂ፡ ኢትዮጵያ ብኽራይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘኽእላ እዩ ኢሎም። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፈስቡክ ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ርኢቶ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝተኸተመ መሰማምዒ ሓሳብ፡ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን መርበብ ዝኸፍት እዩ” ኢለምዎ።
ኣቲ ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣፍደገ ክኸፍት እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ስምምዕ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ክም እትኣምን ከም መዕቀኒ ክትወዶ ከም ትኽእል ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስጉምቲ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱን ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላም ከም እትግደስ ከም ዘረጋግጽን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ንምጥቃም፡ ምስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ምስ ሶማሊ-ሞቃድሾ፡ ጅቡትን ካለኦት ኣካላት ከረሓሕቓ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።