ዑደት ኣዛዚ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን

2023-12-31 17:58:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 353 times

ኣዛዚ ህጹጽ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፡ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሐመቲ ብ31 ታሕሳስ 2023  ምስ ፕረሲደትን ጅቡትን እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድን ኢስማዒል ዑመር  ከም ዝተራኸበ ማዕከናት ዜና ጅቡቲ ሓቢረን። ኣብዚ ርክቦም፡ ጸገም ሱዳን ኣብ ትሕቲ ጽላል ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ተመያይጦም።

ሐመቲ ናብ ጅቡቲ ዝኸደ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቻድ፡ ኡጋንዳ፡ ጋናን ኢትዮጵያን ከካይዶ ዝቐነየ ቀጻሊ ዑደት እዩ። ኣብቲ ጉዕዘኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ርእሲ  ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ  ምስ ኣካላት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብስቱር ከም ዝተራኸበ ዝሕብሩ ምንጭታት ኣለዉ።  ሐመቲ ድሕሪ ናይ ጅቡቲ ብጸሖቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጸሐን ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዝተተሓሓዘ መብርሂ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ርክቡ ምስ መራሒ ጅቡቲ፡ ጉዳይ ሱዳን በቲ ብኢጋድ ዝቐረበ ርኢቶ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎን ብወገኑ በቲ መራሕቲ ኣኼባ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንቐጻሊ ንምፍታሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝምእዘዝሉ ኣረጋጊጹ።

ብ9 ታሕሳስ 2023 ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ብኣካል ክራኸቡ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ መን ብደረጃ ተዓዛባይ ይሳተፍ ኣብ ዝብል ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሱዳን ምትእምማን የለን።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ዓሊ ዩሱፍ ብውገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ዑመር ገሌን ሐመትን ኣብ ክሊ ውሳነ መራሕቲ ኢጋድዝተኻየደ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጅቡቲ ነቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2024 ክልቲኦም ተቐናቐቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ከካይድዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሱዕድ ዓረብያ፡ ኤርትራን ግብጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ አመረት፡ ኢትዮጵያን ቻድን ተጐጃጅሎም ከም ዘለዉ ብሰፊሕ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ።

Last modified on Sunday, 31 December 2023 19:10