ሪፖርታጅ፡ መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን

2024-01-03 19:56:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 358 times

ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ)

ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ፈደራላዊ ረፓብሊክ ሶማሊያ፡ ብ2 ጥሪ 2024 ኣብ መቃድሾ ህጹጽ ኣኼባ  ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ብ1 ታሕሳስ  2023 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ “ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገርና እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝቃወም፡ 9 ነጥብታት ዝሓዘ  መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ሶማላውያን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ከውሕሱ ቅሩባት ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ሶማሊያ  ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንበሳድራ ናብ መቃድሾ ጸዊዓ’ላ። ኣብ ሞቃድሾ ንዘሎ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ክትሰጉግ እያ ዝብል ግምት እውን ኣሎ። ሶማላውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ፡ ናይ ቅድም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ተቓውመኦም የስምዑን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕሉን ኣለዉ።

እቲ መግለጺ ብምንጽር ሕገ-መንግስቲ ሶማልያን ኣህጉራዊ ሕግታትን  ልኡላውነት ሶማሊያ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ካለኦት ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ህጹጽ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ክስለፉ  ጸዊዑ። መራሒ ሶማሊያ ብዛዕብዚ ተረኽቦ  ብቐዳምነት ምስ መራሕቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኤርትራን ግብጽን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምፍርራም ሓሓሊፎም ሓጐሶም ዝገለጹ ከባቢታት ኣለዉ። እንተኾነ  ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ምድንጋራት ይረአ ኣሎ። ገለ ወገናት ሃገሮም ብናጻ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝረኸበት ገይሮም ይርድእዎ። መንግስቲ እውን እቲ ተበጺሑ ዘሎ  ምርድዳእ ብሓፈሻ እምበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይኮነ ከነጽሮ ዝደለየ ኣይመስልን። ብሰንኪዚ ከምቲ “ባድመ ብፍርዲ ንዓና ተዋሂባ” ኢሎም ዘዕሸዉና ከይከውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣካላት ይስምዑ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ክራይ (lease) ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ናይ ሶማሊላንድ ሃገርነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ግድነት ከም ዝጽበዮ  ክገልጽ ዝደሊ ኣይመስልን። እቲ ዝካረዮ ቦታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ  ኣይደለየን።

ምስቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ወጥሪ፡ ክራይ ብኽራዩ ደኣ በቲ ዘለናዮ ምስ ጅቡቲ ዘይንቕጽል።  እዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ኣጀንዳ ኣብዚ  ግዜዚ ንቕድሚት ምምጽኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን  ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዋሚ ዋንነት  ኣፍደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ እውን ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ምስ ኤርትራ ውግእ ከይጅመር ዝሰግኡ ዝነበሩ ከኣ፡ “ኤርትራስ ትንፋስ ረኺባ” ይብሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያ እቲ ናይ ምኽታም ዕለት ሓደ ጥሪ 2024 ዝመረጸትሉ፡ ኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ዝጸደቐሉ ብምዃኑ ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይግምቱ።

መራሒ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ስምምዕ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ምዃኑን ብወገኖም ንኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ገምገም ባሕሮም ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን 20 ብ90 ኪ/ሜ ዝዓቐኑ መሬት ከዳልዉላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትፈልጥ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውንን ካብ መንገዲ ኣየራ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ክትረክብን ዘጠቓልል ስምምዕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ሶማሊላንድ፡ “መሬትና ንኢትዮጵያ ካብ ምሃብ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ይሕሸ”  ዝብል ስምዒት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ ይበሃል።

ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ነቲ  ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ፡ “መፈጸምታ ቅልውላውዶ ወይስ መጀመርታ ሓድሽ ቅልውላው” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡  ዝሓደሮ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ክህነጸሉ ተሓሲቡ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሶማሊላንድ ሉግሃያ ኣዋድ ኣብ ዝበሃል  ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ድሕሪ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘውጽእዎ መርሂ፡ “ነቲ ኩነታት ብጽሞና እከታተሎ ኣለኹ። ኣብ ህድኣት ዞባና ዓብይ ጽልዋን ተጽዕኖን ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ግና ቀጥታዊ ርኢቶ ኣይሃቡን። ኣስዒቦም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ናብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ብሰላማውን ሕውነታውን መንገዲ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንክምሕጸኑ ጸዊዖም።

ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምኽታም እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ “ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ረፑብሊክ ሶማሊያ፡ ብመንጽር ሕገ-መንግስታ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን  ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕቃብ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ እዩ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብቕሉዕ ዝበለቶ የለን። ናብቲ መንግስቲ ዝቐርባ ማሕበራዊ መድያታት ግና ንሲማሊያ ደጊፈን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ግብጽን ኤርትራን ቀዳሞት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፋ እየን”፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ተኸቲላ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፈልጣ እያ” ዝብሉ ብብዙሓት ዝቐርቡ  ግምታት ኣለዉ።

Last modified on Wednesday, 03 January 2024 21:03