ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዳ

2023-12-13 08:46:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 421 times

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ  ሰዲህኤ፡ ብ10 ታሕሳስ 2023 ስሩዕ  ኣኼባኣ ከም ዘካየደት ኣደመንበር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ሓቢራ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ዛዕባ ንጥፈታት ናይታ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ብተናጸልን ብሓባርን ዳህሲሰን ሓፈሻዊ ሚዛን ኣንቢረን።

 ኣባላት ምምሕዳር ናይታ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ወ/ሮ ገርጊሽ ነጋሽን ወ/ሮ ገነት ሃብተጊዮርጊስን ኣብ ዞባታት ይግበር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ምሕዳስ ጎስጓታትን ዝተወስደ ስጉምትታትን ዝምልከት ጸብጻባት ኣቕሪበን፡ ኣብ ቐጻሊ ክስርሓሉ ምዃኑ ድማ ሓቢረን።

ወ/ሮ ትዕበ ተኬኤ ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወድባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ፡ ንዳግማይ ምብርባርን ዳህሳስን ብዝምልከት ወጺኡ ዘሎ መደብ ስራሕ፡ ብመገዲ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወድባዊ ጉዳያት፡ ኩሉ ክግበር ዝከኣል ንክስራሕ፡ ብዕቱብ ክትነጥፈሉ ምዃና ሓቢራ።

ብድሕሪ እዚ ኣደ መንበር  ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ፡  ወ/ሮ ኣስገድት ምሕረተኣብ፡ በታ ትመርሓ ዘላ ምትእስሳር ዝግበር ዘሎ ስራሕ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ።  ኣብ 3ይ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ዝቐርብ ንምምሕያሽ ውሽጣዊ ቅዋም ዝምልከት ነጥብታት ከኣ ገሊጻ። ወ/ሮ ጸጋሂወት ሓጎስ ተሓዚት ገንዘብ  ፕሮጀክት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዩ ብወገና፡ ጽብጽብ ኣቕሪባ። ኣኼባ ወ/ሮ ሉላ ተስፋዝግን ወ/ሮ ግድይ መሓርን  ንምዕዋት ፕሮጀክት ይወስድኦ ንዘለዋ ኣብነታዊ ንጥፈታት ኣድንቖቱን ሞጎሱን ኣቕሪቡለን።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ብበርገሳዊ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዩ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት  ዝምልከት  ሓፈሻዊ ምይይጥ ኣካይደን። ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕመን ብዝፈቕዶ ምትሕብባር ክገብራ ምዃነን ድማ ተስማሚዐን። ብምቅጻል ይካየድ ንዘሎ መስርሕ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩለን ኤርትራዊ ዉድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ዝምልከት ድማ ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ሓርነታዊ ቃልሲ ንምብጻሕ፡ ዘትስፉ ቀዳማይ ስጉምት ስለ ዝኾነ ኣመጒሰን፡ዝያዳ ንኽስስንን ንኽዓብን ከኣ ኩሉ ንኽሰርሓሉ ተማሕጺነን። ኣብ መድምደምታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዋሕስ ሓርነት ህዝብን ሃገርን ስል ዝኾና፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ግቡእ ቦትእን ንክሕዛ፡ እተን ተሳተፍቲ ጻዊዕተን ኣቕሪበን።

Last modified on Wednesday, 13 December 2023 09:51