ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንዝኽሪ ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ መግለጺ ኣውጺኡ

2023-12-12 17:54:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 474 times

.ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ 23 ዓመታት ብ12 ታሕሳስ 2000፡ ብሓገዝ ዓለምለኸ ሕብረተሰብ ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ከም ዝኸታማ  ወሃብ ቃል ክፍሊ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ቀንዲ ሕመረት ምውሓስ ሰላምን ምቛም ናይ ሓብር ዶብ ዝውስን ኮሚሽንን ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

 ኣተሓሒዙ ድማ ኣብቲ ብ2018 ዝተሓደሰ እሞ  ታሪኻዊ ተባሂሉ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝወጸ ኮሚሽን ዶብ ዝወሰኖ ከም ዝኽብረኦን ዘተግብረኦን ቃል ኣትየን  ከም ዝነበራ ጠቒሱ።

እዚ መበል 23 ዓመት ምኽታም ስምዕ ኣልጀርስ ምኽንያት ብምግባር መግለጺ ዘውጸ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ መንፈሱ ከይተቐየረ ንክትግበር ዘለዎ ምሉእ ደገፍ እንደጋና ኣነጺሩ። እቲ ስምምዕ ልኡላውነታውን ሓድነታውን መንፈሱ ከይተቐየረ ክትግበር ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይቲ ስምምዕ ምትግባር ንዞባዊ ምርግጋእ’ውን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዝወሰኖ መስረት፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክትግበር ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ ንስሙኳ ንምምስማር ሓሓሊፉ ዘልዕሎ እንተኾነ ንትግባረ ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ቆላሕታ ነፊግዎን ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘምስል መግለጽታት ክህብ ከም ዝጸንሐን  ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 12 December 2023 19:00