ቀዳማይ ሚስተር ኢትዮጵያ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ካብ ስልጣን ኣሰናቢቱ

2023-12-12 07:52:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 453 times

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ11 ታሕሳስ 2023 ንኣቶ ታየ ደንደኣ ኣደሮ ካብ ዝልጣኑ ኣሰናቢቱዎ። ኣቶ ታየ ደንደኣ ኣባል ናይቲ 250 ኣባላት ዘለዉዎ ማእከላይ ኮሚተ ብልጽግና፡ ኣባል ክልላዊ ቤት ምኽሪ ኦሮሚያን ምክትል ሚኒስተርን፡ ሚኒስተሪ ሰላምን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ በዓል መዚ እዩ።

ታየ ኣብ ኣካይዳ ብልጽግናን ኣመራርሓ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነቐፈታኡ ከንጸባርቕ ዝጸንሐ እዩ። ብፍላይ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ዝፈሸ ዘተ፡ ናይቲ ፍሽለት ተሓታቲ መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስን እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት መፍትሒ ከምዘየምጽእን ብምጥቃስ፡ ግሁድ ተቓውሞ ምስ ኣስመዐ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብዘይካ ምፍላሽ ዘተ ኣብ ታንዛንያ፡ ኣብ ኦሮሚያ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ይወርድ ናይዘሎ ዕንወትን ህልቂትን መንግስቲ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከቃልዕ ዝጸንሐ እዩ።

ኣቶ ታየ ካብ ዝልጣን ወሪድካ ምስተባህለ፡ ናብ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ “ብዛዕባ መደመር ዝጸሓፍካዮን ዝተዛረብካዮን ኣሚነ ስዒበካ እየ። ሎሚ ግና ኣብ ዝተዛረብካዮ ዘይትጸንዕ ጥራይ ዘኮንካ፡ ብደም ሰብ እትጻወት ኣረመንየ ምዃንካ ተገንዚበ ኣለኹ።  ሓቂ መሲሉኒ ኣብቲ ብስም ህልውና ሃገር ክካየድ ዝጸንሐን ካብ ምቅትታል ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ሃገር ዘብረሰ ውግኣት ክስዕበካ  እንከለኹ ክትንእደኒ ጸኒሕካ ኢኻ። ሎሚ ምስተረደኣኒ ናይ ኣሕዋት ምቅትታል ጠጠው ይበል ስለ ዝበልኩ ግና ካብ ስልጣን ኣውሪድካኒ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።

ታየ ደንደኣ ኣብ ግዜ ኢህወደግ ኣባል ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተባሂሉ፡ ንዓመታት ዝተኣስረን  ሓደ ካብቶም ናይቲ ቄሮ ብዝብል ለውጢ ዘምጸአ ሓይሊ መንእሰይ ኦሮሞ መራሕቲ ከም ዝነበረ ዝንገረሉን እዩ።

Last modified on Tuesday, 12 December 2023 09:10