ጀነራላት ሱዳን ብኣካል ክራኸኡ ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ

2023-12-11 09:51:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 340 times

ኣገልግሎት ዜና ጅቡቲ፡ ሱዳናውያን ጀነራላት ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ዳጋሎን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ ሕድሕዶም ምትእምማን ዝፍጠረሉ ኩነታት ክመያየጡ ቅሩብነቶም ከም ዘርኣዩ ኣፍሊጣ። ብተመሳሳሊ ክልቲኦም ጀነራላት ሱዳን ውግእን ህውከትን ንምቁራጽ ስምምዕ ክኽትሙ ፈቓደኛታት ምዃኖም ካብ ካርቱም ተሓቢሩ።

እዚ ተስፋ ዝህብ ሓበሬታ ዝወጸ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገሌ ብ10 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጅቡቲ ዝተጋብአ መበል 41 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ተኸቲሉ ምዃኑ ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ መራሕቲ ሱዳን ውእግን ህውከትን ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሶም፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ተስፋ ህብዚ ሱዳን ኣብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢለምዎ።

ኣብቲ ናይ ኢጋድ ኣኼባ ዝተሳተፉ ጀነራል ኣልብርሃን፡ ዝኾነ ስምምዕ ንምውጻእ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ካብቲ ስቪል ህዝቢ ዝነብርሉ ከባብን ኣባይትን ምውጻእ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ኣስዒቦም ድማ ዝኽተም ስምምዕ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢሉ ናብ ብምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ዝህልወሉን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ዝሕለወሉን ክኸውን ከም ዘድሊ ጠቒሶም።

ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ናብ ኣቦመንበር ኢጋድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ሱዳን ምትእምማን ንምፍጣር፡ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሃደሙ ናይ ቅድም መራሕቲ ምእሳር ዘጠቓልል ክኸውን ይግበኦ ከም ዝበሉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሱዳን 15 ዲፕሎማት ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ። እዚ ናይ ሱዳን ስጉምቲ ነቲ ኢመራት ኣቐዲማ 3 ሱዳናውያን ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ይዓርግ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

Last modified on Monday, 11 December 2023 10:58