ዜናዊ ጸብጻብ፡ ጨንፈር ኖርወይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

2023-12-09 19:49:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 483 times

ጨንፈር ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ ብ3 ታሕሳስ 2023 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣባላት ጨንፈር ብኣካል ዝተራኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣኼበኛታት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ከምኡ ውን ኣብ ጻዕርታትን ዓወታትን መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ዝተኮረ ዛዕባታት ብቀዳምነት ብመሪሕነት ጨንፈር መብሪሂ ተዋሂቦም ኣስዒቦም ድማ ዓሚቊ ምይይጣ ኣካይዶም።

ኣቦ መንበር ጨንፈርን ኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይቲ ኣኼባ  ዛዕባታት ኣቕሪቡ።

ብምቅጻል ሓላፊ ምጣኔ ሃብታዊ ጉዳያት ጨንፈር ሓው ሙሴ ዓማር ብተቆጻጻሪ ገንዘብ ዝተመስከረ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻባት ሰልፍን ጨንፈርን ኣቕሪቡ፣ ኣብ ጉዕዞ ንዝተራእዩ መሰናኽላትን ድኽመታትን ብምሕባር፡ ኣብ ዝቅጽል ጉዕዞ ቃልሲ ክውገዱን ክእረሙን ከመለዎም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ክሊዚ ዛዕባዚ ብኣባላት ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደባቱ ብግቡእን ኣብ ምዱብ ግዜን እንዳሰላሰል ንቅድሚት ክስጉም እንተኾይኑ፣ ኣባላት ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊታቶም ኣብ ግዝይኡ ክኽፍሉ ከምዘለዎም ናይ ሓባር መረዳእታ ነይሩ። ኣገባብ ምኽፋል ኮነ  ምስ ገንዘባዊ ጉዳያት ዝተሓሐዘ ሕቶታት  ብመሰረት እቲ ቁዋም ሰልፍን መሪሕነት ሰልፊ ዘውጸኦ መምርሕን ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣኼባ ካብ ዝተሰማማዓሎም ጉዳያት ሓደ ነይሩ።

ምስዚ ብተወሳኺ ኣኼባ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ብናይ ገንዘብ ወፈያ እጃሞም ዘበርከቱ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ምስጋናኡን መጎሱን ገሊጹ፡ ተሳትፎኦም ቀጻልነት ክህልዎ እውን ተላብዩ።

ብምቕጻል ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ፡ ናይ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ኣመልኪቱ፡ ጉባኤ ብዓወት ተሰላሲሉ፣ ኣብ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት ሰልፊ እውን ብሓዲሽ ኣቦ መንበሩ እንዳተማእከለ፣ ዳግመ ስስርዕ ገይሩን ዓመታዊ ውጥናቱ ኣጽፊፉን ድሮ ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከምዘሎ ገሊጹ። ንሰብኣዊ ሓይልን ፖለቲካዊ መደባትን ጨንፈር ኣመልኪቱ ድማ ጨንፈር ውሽጣዊ ሰብኣዊ ዓቕማታቱ ኣበራቢሩን ከም ብሓዲሽ ወዲቡን ብምንቅስቃስ ኣብ ከባቢኡ ጽልዋ ብዘሕድር ኣገባብ ክነጥፍ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ብተወሳኺ፡ ኣባላት ጨንፈር ምስ ዝኾነ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ፣ ልኡላውነት፡ ሓድነትን ታሪኽን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓቂቦም ንስርዓት ህግዲፍ ብምእላይ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ምሕደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝቃለሱ ወገናት ኩሎም ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ሓባር ግንባር ምፍጠርን ከምዘድሊ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ መጽናዕትን ልዝብን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2023 ኣብ ዓወት ምብጽሑ ዝተኣወጀ ምሕዝነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት መርኣያ ምዃኑ ብምጣቃስ፣ ንኣድማዕነቱ ኣብ ደረጃ ጨናፍር እውን ብዕቱብ ክስረሓሉ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ሕቶን ሪኢቶን መድረኽ፡ ክበርሃሎም ዝደለይዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ ንዕብየትን ዓወትን ሰልፊ ኢሎም ዝኣመትዎ ሪኢቶታቶም እውን ኣመዝጊቦም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ብርገድ ንሓመዱ ዝስመ ህዝባዊ ማዕበል ዝምድናን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መደባትን ኣለዎዶ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ዘዛረበ ኮይኑ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተወስደ መርገጽን መትከልን ምርኲስ ብምግባር፣ ሰዲህኤ ንብርገድ ንሓመዱ ከም ሓደ ኤርትራዊ ማዕበል ጭቁናት ገይሩ ከምዝወስዶን፣ ንምዕዋቱን ንምሕያሉን እውን ኣብ ጎኑ ኮይኑ ክሰርሕን ክተሓባበርን ድሉው ምዃኑ ኣቢሩ። እንተኾነ ብርገድ ንሓመዱ ክሳብ ሎሚ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ምዃን ሓሊፉ ሓደ ትካላዊ ቅርጻን ኣሰራርሓን ዘይወነነ፡ ካብ  ምእላይ ንጨቋንን መላኽን ስርዓት ህግዲፍ ሓሊፉ  እንታይ ዓይነት ሃገራዊ መደባት ከምዘለውዎ ዘየነጸረ ብምዃኑ፣ ሰልፍና ነዚ ዕሸል ግና ከኣ  ሓያል ሃገራዊ ምንቅስቓስ፣ ከይኩለፍን ከይዕንቀፍን ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝሰርሕ ኣብሪሁ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ፡  ኣብ ጨናፍር ወሪዱ መሰረታት ከበራብርን ከሕይልን ናይ ኣባል መንነት  ኣብ ምሃብን  ምሕዳስን ዝረአ  ምድንጓያት ከይህሉ ዝብልን ከምኡ ዝኣመሰሉን ለበዋታት ናብ  መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቡ።  

Last modified on Saturday, 09 December 2023 20:53