ማይክ ሃመር ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጓዒዙ

2023-12-08 11:24:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 383 times

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ማይክ ሃመር ካብ 7 ክሳብ 17 ታሕሳስ 2023 ናብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኳታርን ከም ዝበጽሕ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብዚ መገሻኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ክመያየጥ እዩ። 

 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግእ ብሰላም  ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ከም ዝዘራረብ ተፈሊጡ። ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ናይቶም ዕጥቂ ዘረክቡ ምጥያስን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣተገባብራ መሰጋገሪ ፍትሕን ምውጋድ ናይ ጽልኢ መደረታት ኣብ ኢትዮጵያን ከም ዝመያየጥ ተሓቢሩ፡

ኣብ ጅቡቲ  ኣብቲ መራሕቲ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ብጉዳይ ሱዳን ዘካይድዎ መበል 41 ፍሉይ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ነቲ ሽግር ብሰላም ኣብ ምፍታሕን ብቐጻሊ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረሉን ፍትሕን ተሓታትነትን ዝነግሰሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዞባውን ዓለም ለኻውን ደገፍ ከም ዝገብር ተሓቢሩ።

ኣብ ኳተር ኣብ ዝዳሎ ፎረም ከም ዝሳተፉን ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያትን  ከምኡ እውን ብዛዕባ ሱዳንን ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝዘራረቡ እቲ መግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

Last modified on Friday, 08 December 2023 12:46