ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምጥሓል ስደተኛታት ኣብ መዲተራንያን።

2023-12-17 12:23:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 433 times

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብዝሒ ኤርትራውያን ይእሰሩ ከም ዘለዉ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕቶም፡ ካብ መዘናግዕን መእከብን ቦታታትን ኮይኖም ኣብ ጐደናታት ኣብ ዝግበር ጐርጓር ዝተሓዙ ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ። ካብቶም ዝእሰሩ፡ መብዛሕትኦም  ናይ መንበሪ ፈቓዶም መዓልቱ ዘሕለፈ ምዃኑ  እውን ተሓቢሩ።

 ኣብዚ እዋንዚ እቲ “እንዳ ኣራ” እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ትካል “ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን”፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት መንበሪ ከሕድሰሎምን ናይ መርዓን ካልእ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ክህቦምን ጀሚሩ ከም ዘሎ ከኣ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

በቶም ምንጭታት መሰረት እቲ ማእሰርቲ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ እምበር ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ዝምድና የብሉን ይብሉ። እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ይወጹ ከም ዘለዉ ዝሕብሩ ወገናት ከኣ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያን ሊቢያ 61 ስደተኛታት ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት  ኣይ ኦ ኤም (IOM) ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርግሐ ዜና ካብቶም ግዳያት ካብ ናጀርያ፡ ጋምቢያን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝርከብዎም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ምንባሮምን ዘይምንጋሮምን ዝበሎ  የለን።

እታ ስደተኛታት ጽዒና ዙዋራ ካብ እትበሃል ከተማ ሊቢያ ዝነቐለት ጃልባ 86 ሰባት ኣሳፊራ ከም ዝነበረትን ካብኣቶም 25 ከም ዝደሓኑን ካብቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣይ ኦ ኤም፡ እቲ እዞም ስደተኛታት ክሰግርሉ ዝፈተኑ መስመር ሓደገኛ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣብቲ መስመር ኣስታት 2,200 ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከም ዝዛየደን  ኣፍሊጡ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት 153 ሺሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ሊቢያ ኢጣልያ ከም ዝበጽሑ ድማ ተተቒሱ።

Last modified on Sunday, 17 December 2023 13:35