ዜናዊ ጸብጻብ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2023

2023-08-01 06:54:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 714 times

ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ  ጀርመን ዝተዳለወ፣ ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ዝተሰላሰለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023  ብ28 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ቀንዲ መዳባቱ ድማ ንጽባሒቱ ሓምለ እዩ ብዝግባእ ኣካይዱ። ኣብ ምጅማር እቲ ፈስቲቫል፡ ሰንኪ ኮቪድ-19 ዝነበረ ዕጽዋ ተሰይሩ ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ሰዲህቱን መሓዙት  ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል በዂርዎም ዝጸንሐ ኣካል ምርኻን ምዝንጋዕን ዘረጋገጽሉ ናይ እሂም ምሂንን ወግዕን ምሸት እዩ ነይሩ።

ብዘይካዚ ኣብ ራባዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተመርጸ ማእከላይ፣ እቲ ዝበዝሔ ብኣካል ዝተረኽበሉ እቲ ክርከብ ዘይካኣለ ድማ ብሳይበ ፈላሚ ርክብ ዘካየደሉን ኣቦ መንበርን ፈጻሚ ሽማግለን ዝተመጸሉ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ቦታ ፈስቲቫልዩ ተኻይዱ።

ካብ ቀንዲ መደባት ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል ማሕበራውንን  ፖለቲካውን ጉዳያት ኮይኑ፣ 29 ሓምለ ዝተኻየደ እዩ፣ ብመራሕቲ መድረኽ  ሓውቲ  ኣድያም ተፈራን  ሓው ግርማይ ዘምኪኤልን ብዝቐረበ ሰናይ ትምኒትን ምስጋናን ተኸፊቱ። መራሕቲ መድረኽ ብዓረብኛን ትግርኛን እቲ ብመንገዲ ፈስቲቭላትን ኣኼባታትን ህዝቢ ንኸይራከብ ዓንቂጹ ዝጸንሐ ቀንዲ ምኽንያታት ምእላዩን ዳግም ንክንራከብ ምኽኣልናን ሓጎሶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ፈስቲቫል ንዝኽሪ ሰማእታት ብናይ ሓደ ደቂቕ ጽሞና ክኽፈት ድሕሪ ምሕባሮም፣ ንሓው ዶክተር ኣኽሊሉ ግርማይ ቃል ኤርትራዊ ማሕበር ንኸስምዕ ዕድል ሂቦም።

Adiam Und Ghirmai 2023

ሓው ኣኽሊሉ ግርማይ ኣብ መግለጺኡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ምንቅስቃሳትን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ ኣድናቆቱ ብምግላጽ ምስጋንኡ ኣቕሪቡ። ፈስቲቫል ንኽዕወትን ንተሳተፍቲ ጽቡቕ ግዜ ክኾነሎምን ተመንዩ።

ቀጺሉ፡ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብኣቦ መንበር ሽማግለ ሓው ጸሃየ ቀለታ ብሰፊሕ ቀሪቡ። ሓው ጸሃየ ብሰላምታ ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ማሕበር ሽወደናውያን ኤርትራውያን ጀሚሩ፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ህዝቢ ንኸይራኸብ ዝነበሮ ኣሉታዊ ግደን ሳዕብየናቱን ብምጥቓስ፣ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ሕሰም ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ይኹን እምበር ደምበ ተቓውሞ እውን ኣብ ምድንጓይ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ተራኡ ግዙፍ ብምዃኑ፣ ካብ ተሓታትነት ክድሕን ከምዘይክእል ቅሪታኡ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዕለተ ናጽነት ግዝያዊ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ኮነ ህግደፍ ዝተኸተልዎ ጥልመትን ቅትለትን ኣስራትን እናረኣየ ፍኒሕ-ኒሕ ክብል ዘይምኽኣሉን ጠቒሱ። ንምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ https://harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrina-articles/item/8882-2023-07-31-05-41-00

ድሕሪ ሰፊሕ መግለጺ ሓው ጸሃየ፡ ሓው ክብራ ኣብ ምስግና ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ወኪሉ ንዝተገብረሎም ዕድመ ብምምስጋን፣ ንዓውት ፈስቲቫል ኤርትራ ተመንዩ፣ ንመድረኽ ፈስቲቫል ሰዲህኤ ጋሻ ከምዘይኮነን፣ ከም ቤቱ ከምዝርእዮን ድማ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ዘተን ልዝብን ዓመታት፡ ድሕነትን ሓድነትን  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ፖሓኤ፡ ሓባራዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ንምቛም ተሰማሚዑ ምህላዉ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣበሲሩ። እቲ ስምምዕ እውንታዊ ነጥበ መቐይሮ ምዃኑውን ጠቂሱ። እዚ ስምምዕ’ዚ ንኽዕወት ግን ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ግዱስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክድግፎን ንምዕዋቱ ክጽዕርን ከም ዝግብኦ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ገና ኣብዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓባራዊ ስምምዕ ዘይተሳተፉ ሓይልታትን  ምንቅስቃሳትን እውን ክሳተፍዎ ጽዊዑ።    

ስዒቡ፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ቦርድ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሓው መስፍን መንግስቱ፣ ኣብ መድረኽ ፈስቲቫል  ብዛዕባ መነባብሮ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ንምሕባር ንዝረኸቦ ዕድል ንኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣመስጊኑ። ኣብ ዝገበሮ ዑደት መነባብሮ ናይቶም ምሳና ዝነበሩ ጀጋኑ ብጾትና ግን ከኣ፡ ብሰንኪ ስንክልናኦም ንነዊሕ ዓመታት  ኣብ ሱዳን ከሰላ ምስ ብዙሕ ስቕያቶምን ሽግሮምን ዝነብሩ ዘለው  መብርሂ ኣቕሪቡ። ብምስልን ተንቀሳቓሲ ፊልምን ዝተቐርጸ ምስክርነት ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሽግርን ስቓይን ንኽቃለል ምሕሳብን ምስራሕን ናይ ውሱናት ሰባት ዕማም ዘይኮነስ ኩሉ ዝካኣሎ ከበርክትን ከወፍን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።  ኣብ ኣንነብረሉ ሃገራት ብማሕበራት ደረጃ ተጠርኒፍና ኮነ ኣዘሎ ማሕበራት ኣባልነትና ኣረጋጊጽና ክንድግፎም ብዝተወሃሃደ  ዘድልዮም ነገራት ከነማልእ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ሓውቲ ትዕበ ተኪኤ ተወካሊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብወገና፣ ዓወት ፈስቲቫል ተመንያ፣  ምስጋናን ሰናይ ትምኒትን ንመሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ኮነ መላእ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣቕሪባ። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣብ 2018 ብወግዒ ተመስሪቱ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ መኽሰብ ኣልቦ ነጻ ማሕበራት ኮይኑ ብወግዒ ተመዝጊቡ እዩ። ናይታ ማሕበር ዕላማ  ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ፣ ምስ ኤርትራውያን ኮነ ምስ ኩለን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝቃለሳ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ሓቢሩ ክሰርሕ ድልዊ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለጺኣ ገሊጻ። ብዘይካዚ ዕብየት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕብየት ጠቕላላ ሕብረተ ሰብን ሃገርን ስለዝኾነ ኩልና ክብገሰሉ ከምዝግባእ ኣመልኪታ።  

 ይቕጽል

Last modified on Tuesday, 01 August 2023 09:07