ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን  ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ'ዩ

2021-11-21 12:33:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1033 times

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት፣ ስቪላዊ መራሕትን ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ናይ ሓምዶክ ናብ ቦታኡ ምምላሱ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ'ውን ክፍትሑ'ዮም።

ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ብ25 ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋን ንዓኡ ተኸቲሉ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኰነታትን ንሰሙናት ዝቐጸለ ሓያልን ቀጻልን ህዝባዊ ናዕቢ ተኻይዶ ኣብ ልዕሊቶም ዝተቓወሙ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝፍለጥ እዩ።

ሓላፊ ሰልፊ ኡማ ፋድለላህ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ጠቒሱ፡ እቲ ስምምዕ 21 ሕዳር 2021 ክፍረም ትጽቢት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። ካብ ሙሁራት፣ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ተዋጺኦም ነቲ ወተሃደራዊ ክፍልን ሲቪል ኣካላት፡ ዘዛተዩ ብወገኖም ንትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ብዝምልከት መግለጺ ሂቦም። በቲ መግለጺኦም መሰረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ሚኒስተራቶም ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብቲ ዝነበርዎ ስልጣን ክምለሱን፡ እቲ ሱዳን ዝጀመረቶ ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክቕጽልን ዝብሉ ይርከብዎ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ስቪላዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር ብምፍራስ ላዕለዎት ሓለፍቲ  ምስ ኣሰረ፡ ነቲ ስጉምቲ "ዕልዋ" ኣይኮነን ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ስቪልን ሓይልታት ጸጥታን ጎነጽ ክልዓል ዝደፋፍኡ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ስለ ዝነበሩ ነታ ሃገር ካብ ዘስግኣ ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ምንባሩ ኣምሲሉ ከቕርቦ ፈቲኑ እዩ። ብኣንጻርዚ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካለኦት ከባብታትን እታ ሃገር ንስጉምቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ብምንጻግ ኣብ ዘርኣይዎ ተቓውሞታት መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ዝመልስዩ ብዝብል ናብ ንቡር ንክምለስ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ነቲ ዕልዋን ኣዋጅ ህጹጽ ኰነታትን ብምንጻግ  ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ክሓትት ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕብረት ኣፍሪቃ  ሰዳን ኩነታታ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ኣባልነታ ኣብቲ ሕብረት ክድስክል ወሲኑ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ከኣ ንሱዳን ክትህቦ መዲባቶ ዝነበረት 700 ሚልዮን ዶላር ጠጠው ከም ዘበለቶ ክትገልጽ ጸንሓ እያ።

Last modified on Sunday, 21 November 2021 13:38