ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ናይ ምልላይ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-06-15 08:26:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2582 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ14 ሰነ 2020  ናይ ኣባላቱ ሕድሕድ  ምልላይ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ዝተኻየደ ድሕርቲ ብ20 ጉንበት 2020 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን  ምሉእ ሓድነት ምኽታሙ፡  ነዚ ስምምዕ ተኸቲሉ ናይ ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ምልላይ ኣገዳስነት ብምርኣይ እዩ።

ኣብዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ፡ ክልቱኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓድነት ዘርእዮ ቅሩብነትን ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዕዋት ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝተመዛ ሽማግለታት ጻዕርን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ፡  ኣብዚ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘይስገር ወሳኒ ኣጀንዳ ዝኾነሉ መድረ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ሰዲህኤ ዘዕቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ካለኦት ኣካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ዘተባብዕ ኣብነት እዩ ኢሉ።

ድሕሪ እዚ፡ እቶም ንክልቲኡ ውድባት ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሓገግቲ ኣካላት ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ነፍሲ ወከፎም ሓጺር ድሕረ ባይተኦምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ብንጥቃስ ተላልዮም። ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ናይ ምልላይ ቃላቶም ንኣገዳስነትን እዋናውነትን ናይቲ ዝተዓወተ ምሉእ ሓድነት ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዝተፈልየ ከዕውትዎ ምኽኣሎም ኣመጒሶም። ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰዲህኤ ብዛዕባ ዝጽበዮ ዕማም ጠቒሶም ብኹሉ ዓቕሞም መሪሕነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ምህላዎም ኣመልኪቶም። ኣብ ርእሲዚ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ክልቲኡ ኣካላት መጀመሪ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ንሓድነት ኣብቲ ዝድለ ደረጃኡ ንምብጻሕ ማእከላይ ባይቶ ከም ሓደ ቀንዲ ዛዕባ ክሰርሓሉ ምዃኑ ቅርቡነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ፡  እዚ ሓድነት ኣብ ጽኑዕ ንድሕሪት ዘይምለስ ባይታ ክድኮን ብጽሒት መሰረታት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ኣብ ምስራጹ  ዕቱብ ስራሕ ክሰርሑ ተላብዩ። መሪሕነት ሰልፊ ንመስርሕ ሓድነት ኣጻፊፉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክኣቱ ቅሩብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡  ፈጻሚ ሽማግለ ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ ስራሓት ክካየድ ክትልም ከምዝኮነ ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 15 June 2020 21:30