ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ሰዲህኤ አኼባኡ አካይዱ

2020-01-28 18:35:24 Written by  ኣቦ-መንበር ጨንፈር Published in EPDP News Read 3245 times

ብዕለት ሰንበት 26/01/2020 ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብምሉእ ተሳትፍ አባላት ዝተሰነየ ካብ ሰዓት 11፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ስሩዕ አኼባኡ አካይዱ፡፡

አብ አኼባ ካብ ዝተላዕሉን ብዕቱብ ዝተዘተየሎምን ቀንዲ ጉዳያት፡ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር፣ ኣድላይነት ሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ፣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን  ዝብሉ ኮይኖም፡

 ድሕሪ ናይ ሌላን እንቋዕ ዳሓን መጻእኩምን መእተዊ ቃል ምስልሳ፡ ሰልፋውን ንኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ብኣውርኡ ድማ ኩነታት ሃገርናን ዞናን ብዝምልከት ኣድላዪ ሓበሬታታት ተመሓላሊፉን። ኣብቲ ኣኼባ ብዝወዓለ ኣባል መሪሕነት እውን እቲ ኣኼባ ደሚቑ። ቀጺሉ ኣብ ውሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር ብምትኳር ድማ ኣብ ምቁጽጻር መዛግብትን ኣብ ኣኼባ ንዘይተረኽቡ ኣባላት ምኽንያት መትረፊኦም መብርሂ ንኣኼበኛታት ተገሊጹ።

ቀጺሉ ሰልፍና (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ካብየለዎ ጽኑዕ እምነት ተበጊሱ፣ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ‘ውን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን (ይኣክል) ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ዘካይዶ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ምቅርራባትን ዘታትን፣ እምንቶ  ጨንፈር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣዳዕዲዑ ግዲኡ ዘበርክተሉ ዘሎ መዳይ እኳ እንተኮነ፣ ካብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ካብ ነዊሕ ልዕሊ ምእላይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ክኸይድ ከምዝኽእል ንቕሓት ዝወነነ ኣባል ሰልፊ፡ ቀዳማይ ዕማም ሰልፍና ከም ኩሉ ወዲ ሃገር ምእላይ ምልካዊ ሰርዓት ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕጊ ኣብ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖለቲካዊ መደባትቱ ኣብ ሃገር ተመራጺ ክኸውን ኮይኑ፡ ነዚ  እተጠቕሰ ዝተኣሳሰረ መትከልን ቅደም ተኸተል ናይ ቃልስን ንምዕዋት ብምሉእ ዓቅሙ ክምክት ግድነት ከም ዘሎዎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ምንታይሲ ምልካዊ ሰርዓት ኣብ ዝእለየሉ ህሞት ጥራይ እዩ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍና ኮነ ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ኤርትራ ቦታ ክህልዎ ዝኸእል።

ጨንፈርና ነዚ ሉዑላውነት ሃገርና ዝፈታትን ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት እውን ብዕምቆት ዘትዩሉን፡ ባንዴራ እና ኣምበልበልካ፣ ልኡላዊ ሃገር እየ እንዳበልካ፡ ጉዳይካ ካልኦት እንተወሲኖሞ ልዕዑላውነት ሃገርካ ከም ጉዕዞ ድፍረትን ምብርዓንን ምህላዉ ኤርትራውያን ክንግንዘብ ከምዘለና እውን ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።

ናይ መጻኢ መደባቱ ድሕሪ ምስራዕ ጨንፈርና ናይዚ ዓመት ፈላሚ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

           ዓወት ንቓልሲ ውጹዕ ህዝብና

            ክብርን ዝኸርን ንስውኣትና

           ኣ/መ ጨንፈር ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዓባይ ብርጣንያ

 

Last modified on Tuesday, 28 January 2020 19:46