ኣመሪካ ኤርትራ ናይ እትርከበን 19 ሃገራት ቀዋሚ መንገሪ ክምርም’የ ምባላ ተሓቢሩ

2025-11-28 19:37:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 20 times

ሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋኣ ብዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ብዝሓደራ ስግእት ኤርትራ ናይ እትርከበን  19 ሃገራት ናብ ኣሚሪካ ኣትዮም ቀዋሚ መንበሪ (green card) ናይዝረኸቡ ዜጋታት ዳግማይ ምርመራ  ንከተካይድ፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኢሚግረሽን ናይታ ሃገር ትእዛዝ ከም ዝሃበ ሲኤንኤን (cnn) ሓቢራ።

ኣብቲ ንኢሚግረሽን ኣሜሪካ ዝተዋህበ ጥቡቕ መምርሒ፡ እቲ ምጽራይ ኣብቶም ካብ ዘጠራጥራ ሃገራት ዝመጹ እሞ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ዜጋታት ክግበር ምዃኑ፡ ጆ አድሎው ዝተባህለ ዳይረክተር ዜግነትን ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ኣሜሪካ ብ27 ሕዳር 2025  ኣብ ዘመሓላልፎ መምርሒ ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር እተን እዚ ምጽራይ ዝምልከተን ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2025 ፕረሲደንታዊ ውሳነ ተወሲንወን ዝነበራ ምዃነን ጠቒሱ።

በዚ መሰረት እተን ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡  ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ቡሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራሊዮን፡ ቶጎ፡ ቱርኩሚስታንን ቬንዙዋላን እየ።

በቲ ብ27 ሕዳር 2025 ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ካብተን 19 ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ኣሉታዊ ጸብጻብ ዘመዝገበት፡ ምሉእ ብምሉእ ዕድል ኣይክወሃባን እዩ። እቲ ክሳብዚ መገለጺ ክወጽእ ዘገደደ ኣንጻር ኣባላት ሓለዋ ዝተኻየደ ተኹሲ ብዝምልከት፡ እቲ ፈጻሚ ራህማኑላህ ላካዋል ዝተባህለ ኣፍጋኒስታዊ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኣሜሪካ ዘቤታዊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ  ኩሎም ኣብ ግዜ ባይደን ዝጸደቑ  ንኢምግሬሽን ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ብሓድሽ ክጻረዩ እዮም’ውን ኢሉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዜጋታት ኣፍጋኒዝታን ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ናይ ኢሚግረሽን ዛዕባታት ንዘይተወሰነ ግዜ ጠጠው ክብል ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ዘገርም ከኣ ቢቢሲ ከም ዝጠቐሰቶ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ካብተን ሃገራት 3ይ ዓለም ዝብለን ዝኾነ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ኣሜርካ ንዘይምቕባል መደብ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።

Last modified on Friday, 28 November 2025 20:40