ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣይዘንጋዕ

2023-03-21 20:12:16 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 900 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ገበናት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝቃላዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ ብዝፍጽሞ በደላት ኣብ ዓይኒ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓበይቲ ብዲሞክራስን ሰብኣውነትን ዝግደሱ ትካላትን ካብ ዝኣቱ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ንገበናት ህግደፍ ዝርእይሉ መነጸርን ዝቓንይሉ መምዘንን በበይኑ ምዃኑ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ “ገበነኛ እዩ” ክብሎ እንከሎ፡ ሚዛኑ ርትዓውን ብመንጽርቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ባይታ ኤርትራ ክርአ ዝጸንሐን ዘሎን ናይቲ ጉጅለ ጨካን ተግባራት እዩ።  ብመሰረቱ ህግደፍ ነቲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ሃገሩ ናጻ ኣውጺኡ ሓርነትን ፍትሕን ሃንቀው ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ጠሊምዎ እዩ። ካብቲ ስዉኣት ክስውኡ እንከለዉ ዝገድፍዎ ሕድሪ፡ ብኣንጻሩ ደኣ ከይዱ እምበር ንዋላ ሓደ ኣየኽበረን። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰንኪቲ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና፡ ክመሃሩ፡ ክሰርሑን ማሕበራዊ ህይወት ክሰርዑን ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ክንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ፡ ኣደዳ ስደትን ዝተፈላለዩ ብድሆታቱን ይኾኑ ኣለዉ። ብዘይድሌቶም ምስተዓስከሩ ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ዝሞቱ፡ ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝፍጽሞ ገበናት እውን ኣይሓዝንን እዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ገዛእ ሃገሮም ገንዘቦም ኣውፊሮም ንገዛእ ርእሶም ክረብሑን ሃገሮም ክሃንጹን ዝግበኦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ብህግደፍ ዕድል ምስተነፍጎም፡ መተካእታ ስኢኖም ኣብ ኤርትራ ክፈስስ ዝነበሮ ሃብቲ፡ መማዕበሊ  ቁጠባ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ክገብርዎ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ ዓዶም ዝሰኣንዎ ክብረት፡ ዕድልን መሰልን ብጐረባብቲ መንግስታት ክረኽብዎ እንከለዉ ከኣ ገበናት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንዜጋታቱ ኣቐንዛዊ ከምዝኸውን ዘገንዝብ ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣውፈርትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኡጋንዳን ብዛዕባ ኣተገባብራን ኣመዓባብላን ወፍሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዘካየድዎ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ከኣ ሓደ መርኣያ  እዩ። ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣንጎላን ዘለዉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ዘተሓሳስብ ከኣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ እናሰዓበ ከዕንቅፎም ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ገበናት ናይቲ ጉጅለ በዚ ዝተጠቐሰ ዕንቅፋታትን ዝኣመሰሉ ጭካነታትን እዩ ዝመዝኖ። ምምዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲቲ ካብዚ ገበናት ክናገፍ ባዕሉ ዘካይዶ ቀጻሊ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ጽልዋ ናይ ምሕዳር ልዕልና ዘለዎም ትካላትን መንግስታትን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይሉ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ  ዘማርር ናይቲ ህግደፍ ዝፍጸሞ ገበናት ቀዳማይ ግዳይ ስለ ዝኾነ እዩ።

ምዕራባውያን ኣጻብዕተን ኣንጻር ህግደፍ ካብ ዝቕስራ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ኢለን ከም ዘጠመቐኦን ድማ ዝዝከር እዩ። ናብዚ መደምደምታ ዝበጸሓሉ ቅኒትን መበገስን ግና ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቤታዊ ኣጠማምታ ዝፍለ እዩ። ንሳተን ገበነኛ ተግባር ህግደፍ ንምምዛን ቅድሚት ዝሰርዐኦ መዕቀኒ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዝኽሰት ዞባውን ዓለምለኻውን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ኣብ ረብሓአንን ክብረንን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ዝቃነ እዩ። ንህግደፍ ብቐዳምነት ዝረግመኦን ዝቐጽዐኦን ከኣ ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት ከምዘይኮነ ፍሉጥ  እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ዘመሓድራ ዘሎ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ ነይሩ። ብ2018 ድማ ብመንጽርቲ ዘይብሱልን ዘይግሉጽን  ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምርኣይ  ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ። ኤርትራውያን ነቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይተቓወምዎን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ እገዳ  ክኸውን ዝነበሮ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገበን ዳርጋ ተዘንጊዑ፡ “ህግደፍ ኣብ ሶማሊያ ምስ ኣልሸባብ ተሓባቢሩ” ዝብል ግዳማዊ  ጠንቂ ጥራይ ኮይኑ ምቕራቡ፡ ግቡእ ሚዛን ከምዘይነበረ ኣብቲ እዋኑ ስምዕታኦም ኣቃሊሖም እዮም። ኣብ ኤርትራ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ርኡይ እናሃለወ እቲ እገዳ ብ2018 ምልዓሉ ከኣ ንምእጋድን ዘይምእጋድን ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግምት ከምዘይኣተወን  ከምዝተዘንግዐን  ዘርኢ ነይሩ።

ህግደፍ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ እንደጋና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቱን ናይ ንግዲ ትካላቱን እገዳ ተወሲኑ። ናይዚ እገዳ ጠንቂ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እሞ “ናብ ደረጃ ገበን ጽንተት ደይቡ ድዩ ኣይደየበን” ንምጽራዩ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ላዕልን ታሕትን ዝበሃለሉ ዘሎ ዝተፈላለየ ገበናትን ዓመጻትን እዩ። እዚ ገበናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብህግደፍ ካብ ዝፍጸም ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ክነሱ፡ በቶም ገበናት ዘጻርዩን እገዳ ዝውስኑን ኣካላት ግቡእ ክብደት ተዋሂብዎስ ኣብ ግምት ዝኣተወ ኣይመስልን። ገበናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብ ሱዳን፡ ትግራይ ወይ ሶማሊያ ናብ ኤርትራ ዝፈስስ ዘይኮነ፡  ኣብ ኤርትራ ምስ መልአ ናብዘን ጐረባብቲ ክፈስስ ዝጸንሐ  እዩ። 

እቶም እገዳ ዝውስኑ ኣካላት ንኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዘይሰርዕሉ ምኽንያት ሓደ፡ ናታቶም እስትራተጅያዊ ልዕልና፡ ክብርን ተሰማዕነትን ስለ ዘቐድሙ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ ስለዘይርድኡ ኣይኮኑን። እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ንሕና  ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንገበናት ህግደፍ ብኽንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከነቃልዖ ዘይምብቃዕና እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከቢድ እገዳ ናይ ምውሳንን ብዝፈጸሞ ገበን ናይ ምኽሳስን ምልክታት ይቀላቐል ኣሎ። ስለዚ “ገበናት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይዝንጋዕ” ናይ ምዝኽኻርን ምምሕጻንን እቲ ቀንዲ ህግደፍ  ክቕጸዓሉ ዝግባእ ጠንቂ ኮይኑ ንኽቐርብን ክንሰርሓሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ሓይልታት ለውጢ ዕማም እዩ።

Last modified on Tuesday, 21 March 2023 21:14