ክታበት፡ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን

2022-02-13 15:37:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 951 times

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ወጽዓ ኣብ ኩሉ መዳያት እዩ። እቲ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብኩራት ብምርጫ ዝቖመ መሪሕነታዊ ትካላት፡ ምኽላእ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምስቲ ገደብ ዘየብሉ ግድዱ ዕስክርና ደሚርካ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናጻ ኮይኑ ከይሓርስን ከይነግድን ብግጉይ ህዝቢ ዘየሳትፍ ፖሊሲታት ኢደ-እግሩ ኣሲርካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ራሺን ቁጠባን ከም ዝኸውን ምግባሩ እውን ካልእ ናይቲ ጭቆና መልክዕ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከም ዘሎ፡ ኣብ መዳያት ሕክምናን ትምህርትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስእነት ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት፡ ኣብ ስእነት ፍትሒ፡ ኣብ ኢደ ወነናዊ ኣልማማ ማእሰርትን ኣብዚ ሃገርዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣተሓሕዛ እሱራትን ግህሰትን ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን እንተሪኢና፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ከጋጥም ኢልካ ዘይትግምቶ ድሑር እዩ። ህዝብና ከኣ ስም ጥራይ ሒዛ ኣብ ዝተረፈት ሃገር “ቋሕ ተበልካ ሰማይ፡ ሰም ተበልካ ምድሪ” ኮይንዎ፡ ከምቲ “ናተይ ኢንተልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። መራሒ ህግደፍ እውን ባዕሉ “ኩሉ ነገር የለን”  መግለጺ ኤርትራዊ ህይወት ምዃኑ ብዘይሕፍረት  ብተደጋጋሚ ዝገለጾ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልሙት ህይወት ከም ዝነብር ዝገበሮ ከምቲ ከመሳምሶ ዝፍትን፡ ዓቕሚ ስኢኑ ወይ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ስለ ዝኣገድዎ ኣይኮነ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እንዳተዋግአ፡ ምስምሳቱ ቦታ የብሉን። ቀንዲ ምኽንያቱ እምበኣር  ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶኡ ተመሊስሉ  ንስልጣኑ ዝፈታተን ሕቶታት ከየቕርበሉ ስለ ዝሰግእ እዩ። እዚ  እቲ ጉጅለ “ህዝቢ ኣእሚንካን ሕቶታቱ መሊስካን ዘይኮነ፡ ኣገዲድካን ገጽ ከሊእካንዩ ክምራሕ ዝግበኦ” ብዝብል እኩይ ኣተሓሳስባ ከም ዝምራሕ ዘርኢ እዩ። እቲ ካልእ እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ስልቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ከይፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ሚድያታት ዓጺኻን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ከልኪልካን ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ምሕባእ ኮይኑ ጸኒሑ። ሎሚ ሎሚ ግና ሳላ ዕቤት ናይቲ ሰንጢቕካ ናይ ምእታው ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምሕባእ ዓቕሙ ተዳኺሙ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ኮሚሽነራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ምእታዉ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ሓቢእካ ዘይሕባእ ዓለም ዘጨነቐ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ወራር ካብ ዘካይድ ድሮ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ እውን ጉጅለ ህግደፍ ንዝተወሰነ ግዜ በቲ “ርኡይ ናይ ምሕባእ” ባህሪኡ ቀጺሉ። ደሓር ግና ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተኸሰተ ተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጉድኣት እንዳ ነከየ ነቲ ማህሰይቲ ከነኣእሶ ፈቲኑ። ብግብሪ ግና ዋላውን እቲ ንዓለም ዝንገር ይውሓድ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ለበዳ ካብ ምልካፍን ሙማትን ኣይደሓነን። ዓለምና በዚ ኩነታት ተጨኒቓ ዝሓሸ ዓቅሚ ዘለወን ሃገራት ነተን ዓቕሚ ዘየብለን መከላኸሊ  መሳርሒ ክልግሳ ምስ ጀመራ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ነቲ ልግሲ ነጺግዎ። እዚ ከኣ ካልእ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ጭብጢ ኮይኑ ተመዝገበ። ነቲ ህዝቢ ንኸይጥቀመሉ ኣናኣኢሱ ዝነጸጎ መከላኸሊ፡ ሂይወቱ ንምድሓን ግና ተጠቒምሉ እዩ።

ድሕሪ ክንደይ ናይ ሊቃውንቲ ዓለም ምምርማርን ጻዕርን ክታበት ምስተማህዘ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይርህራሀ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናጻ ክረኽቦ ዝኸኣለ ክታበት  እውን ነፊግዎ። በዚ መሰረት ከኣ ኤርትራ ከምቲ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት፡ ብብዝሒ ስደተኛታትን ብዝሒ ኣብያተ-ማእሰርትን ቅድሚት እትስረዖ “እንኮ ንህዝባ ክታበት ዝነፈገት ሃገር” ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ። በዚ ከኣ ህዝብና እቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ናይ ምክልኻል  ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ርኡይ ኣበርክቶ ዘለዎ ክታበት ተነፊግዎ ኣሎ።  ምልስ ኢልና ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ዘይሓላፍነታዊ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስዚ ምእጋድ   ክታበት ተደሪቡ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ መልከፍትን ሞትን ብኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ መመሊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ በቲ መንግስቲ ብዝሓደሮ ሕማም ሞይቱ እንዳተባህለ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክገሹ እንከለዉ ናብተን ዝኸድወን ሃገራት  ንምእትው ክታበት ከም ቅድመ-ኰነት ሰለ ዘቕርባ ከይኣትዉ ይኽልከሉ ኣለዉ። ብሰንኪ ዘይምኽታብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሕከሙ ብዘይምኽኣሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣለዉ።  ደራሲ ተስፋየ ገብራኣብ ካብ ኤርትራ ንሕክምና ናብ ሃገረ ሽወደን ከይዱ ብሰንኪ ዘይምኽታቡ  ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምምላሱ ካብ ጠንቅታት ሞቱ ሓደ ምንባሩ  ምጥቃሱ ኣብነት እዩ።  ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ብሰንኪ ኣባላታ ዘይምኽታቦም ናብ ወጻኢ ከይዳ ካብ ምውድዳር ትእገድ ከም ዘላ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ክቃላሕ ዝቐነየ ዜና እዩ።

 ነዚ ተዓዚቦም ኩነታት ህዝቦም ስለ ዘተሓሳስቦም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ክኢላታት ሕክምና ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥር ምሕጽንታ ምቕራቦም ዝተባባዕ እዩ። ብወገኖም ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ድልውነቶም ምርግጋጾም ከኣ ዝነኣድ ተወፋይነት እዩ። እቶም ካለኦት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ብጸጋ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል እንዳረኸቡ፡ ምስቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኸልእ ጉጅለ ተጐዝጒዞም “ቀጽሎ፡ ንኺድ ጥራይ” ዝብሉ ወገናት ህዝቦም ይብድሉ ከም ዘለዉን ጽባሕ ከም ዘጣዕሶምን በዚ ኣጋጣሚ ኢደ-እግሮምን ገንዘቦምን ካብ ህግደፍ ክስሕቡ ነዘኻኽሮም።

  

Last modified on Sunday, 13 February 2022 16:44