ህዝባ ሓራ ዘይወጸ፡ ናጻ ኤርትራ

2022-01-23 10:03:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 950 times

Logo

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕድመኡ ነዊሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡  ጉዕዘኡ’ውን ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ ኩርኳሕ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ኣዝዩ መሪርን ነዊሕን ጉዕዞ ቃልሲ፡ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት  ብዝተወሰነ መልክዑ ደቢስዎ እዩ። እቲ ዘይተመለአ ዓወት ናይ ምምላእ ቃልሲ ከኣ ቀጻሊ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲዛ ሓርነቱ ስለ ዘየውሓሰት ጌና እትሳቐ ዘላ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንፋስ ናጽነት ዘተንፍሰላን ጣዕሚ ሓርነት ዘስተማቕረላን ብልጽግቲ ሃገር ንክውንን እዩ ተቓሊሱ። ሓርነት ዘይተውሕስ ኤርትራ ባህጊ ህዝባ ዘማለአት ከምዘይትኸውን ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ። ናጻነት ኤርትራን ሓርነት ህዝባን ምሉእ ክሳብ ዝኸውን  ቃልሲ ክቕጽል ግድን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እነሆ መልክዑን ዕምቆቱን ቀይሩ ናብ ካልእ ምዕራፍ ብምስግጋር፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርዕ ቃልሲ  ይቕጽሎ ኢሎ።

ፍረ ናጽነት ምስትምቓር ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቕን ትርጉም ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ጠርኒፍካ ንምስፋሩ ዝኣክል፡ “ህዝቢ ብሰንኪ ሃገሩ ናጻ ዘይምዃና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ይወርዶ ካብ ዝነበረ ወጽዓታት ምንጋፍ” ማለት እዩ ኢልካ ምምዝጋቡ ይከኣል።  እቲ ካብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሎሚ አብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ኩነታት ነቲ ናይ ግዜ መግዛእቲ መነባብሮ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝደግም እዩ። ሓደ ሓደ ጉዳያት ንመርኣያ ምውድዳር ምስ ዘድሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብዕቅኑ ዝተቐርጸ ዝምርሓሉ ሕገ መንግስቲ ኣይነበሮም፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ብኸምኡ እዩ ዝግዛእ ዘሎ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብኢደወነኑ ዝጸዓኖ እምበር፡ “ይኹነኒ” ኢሉ ብድምጹ ዝመረጾ መንግስቲ ኣይነበሮን፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ምርጫ ነውሪ ኣብ ዝኾነሉ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ብኩራታት፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብን ምእማንን፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ማዕረ ተጠቃምነት ብጸጋታት ሃገር፡ ኮታ ኣደልዲልካ ምርጋጽን ዓው ኢልካ ምዝራብን ነይሩ፡ ሎሚ ከኣ እኳደኣ ብዝኽፈአ እዞም ብኩራታት መሊሶም ሳዕሪሮም ኣለዉ። እዚ ከኣ ነቲ “ህዝባ ሓራ ዘይወጸ፡ ናጻ ኤርትራ” ዝብል ኣበሃህላ ዝምጥን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዳህሳስ ኣብ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ነቒሉ፡ ኣብቲ ንቕድሚት ዘማዕዱ ብጉባኤ ዘጽደቖ ራኢኡ፡ “ሰዲህኤ፡ ኤርትራ ኩሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡ ሲቪላዊ ሓርነታትን ደሞክራስያዊ መሰላትን ብሕታዊ ቁጠባዊ ዋንነትን ዘውሓሰት ሙሉእ ናይ ሃይማኖትን እምነትን፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ምእካብን፣ ምንቅስቓስን፡  ከምኡውን ሙያውን ህዝባውን ማሕበራት ናይ ምውዳብን ነጻነት ዘለዋ ሃገር ንኽትከውን ይቃለስ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ሃለዋት ንክወድቕ ጣንቁ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ፡ ንዓወቱ ዝጨወየ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝቢ ሰሪዑ ናይ ሓርነት ወሃብን ከላእን ዝኾነ ፡ ሃገር ናይ ህዝባ ክንሳ ኣብ ጁባ ሓንቲ ጉጅለ ዘእተወ፡ ስሱዕ ጉጅለ ምውዳቑ እዩ። እዚ ጉጅለ ሓርነት ዝነፍግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓርነት ዝምልከት ሕቶ ምልዓል ከም ነውርን ገበንን ዝወስድ እዩ። ናይቶም ኩሎም “ጌጋ መንገዲ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ” ዝበሉ ወገናትና ምቕታል፡ ምእሳርን ምስዋርን ናይዚ መርኣያ እዩ። ተውዲቦም ምእንቲ መሰረታዊ ሓርነታት ህዝቢ ይቃለሱ ንዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣፍልጦ ምኽላእን ብኣንጻሩ ጸረ-ህዝብን ሃገርን ኣምሲልካ ምኽሳስ ከኣ ንምልካዊ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ካብ ዘርእዩ  እዩ።

ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ምኽንያት ኣዝዩ ብሩህ ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ ራኢ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ፡ “ህዝብና ዝተቓለሰሉ ግና ዝተጠልመ ሓርነታቱ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህያው ይኹን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓጺር ሓረግ ዝግለጽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ህግደፍን ደገፍቱን ንህልዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝህብዎ ግጉይ ኣስማትን መግለጽን ምስ ሓቂ ዝጓነጽ ጸለመ እዩ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ከምቲ ብዝግባእ ተሓሪሳ ዝለምለመትን ዝተደኩዐትን ግራት፡  ፍረ እንተዘይሂባ ትርጉም ዘይህልዋ እያ እትምሰል። ምኽንያቱ እዛ ብናይ ብዙሓት ጀጋኑ ደቃ ደምን ኣዕጽምትን ለሚዓ ናጻ ምስ ወጸት፡ ብናይ ህዝባ ዝለዓለ ድምጺ እውን ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ህዝባ ሓርነቱ ኣብ ዝሓፍሰላ ደረጃ ኣይበጽሐትን።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ናጽነቱ ሓርነት ከምጸኣሉ ተስፋ ኣንቢርሉ ዝነበረ ብኢደ-ወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ነብሱን ሃገርን ዘደስከለ ጉጅለ፡ “ዋላ ሓንቲ ኣየፍርየን” ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ንዓኡ ዝምልከት ዕማም እውን ኣይወሰዶን። ሎሚ ከኣ ትዕቢቱን ንዕቀቱን ደረት ሓሊፉን ሓዲዱ ስሒቱን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል ከምዘይገበረ ባዕሉ እውን እንዳተኣመነ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ተጠሊዑ፡ “ጉዳይና እዩ” ክብሎ ሰሚዕናን ተዓዚብናን። እዚ ኣበሃህላኡ ንብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ወገናት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ወዮ ካብ ቀደሙ ዘይሓልየሉ “ኣነ ካልእ ዘይኤርትራዊ ጉዳይ እዩ ዘለኒ” እዩ ዝብሎ ዘሎ። ኣብዚ ንርከብሉ ዘለና ወሳኒ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ተመንጢልዎ ንዘሎ ልዑላውነት ንምምላስ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ብጽሞና ክሓስብ ግዜኡ እዩ።  ከምቲ “ፈረስን ኣኮይ ኣኮይ ይብል፡ ኣድግንከ ዘግዳዱ” ዝበሃል፡ ድሕሪ እዚ ህዝቢ ኤርትራ “ጉዳይካ ጉዳየይ ኣይኮነን” እንዳበሎ፡ ካብ ህግደፍ ራህዋን ሓርነትን ክጽበ እንተኮይኑ ንቡር ኣይኮነን።

ከምቲ ብዛዓባ ምውጋድ ህግደፍ ክንሓስብ እንከለና፡ “እንተላይ ናይ ወጽዓ መሳርሒ ትካላቱ” እንብል፡   በይኑ ዝተንጠልጠለ ኣይኮነን። ብውሕዱ ናብ ወራር ዘዋፍሮ ሰራዊት፡ ፖሊስን ጸጥታን ዝኣመሰሉ መሳርሒ ትካላት ኣለዉዎ። ኣብዘን ትካላት ዝዋስኡ ዘለዉ ባእታታት ኤርትራውያን እዮም። እዞም ባእታታት ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ቅድሜኦም ክልተ ምርጫታት ጥራይ ኣለወኦም። ህዝቦም ምድሓን ወይ ምስቲ ጸረ ህዝቦም ዝኾነ ኣካል ተሰሊፎም ምግልጋል።  ክሳብ ሎሚ ብተደጋጋሚ “ረብሓኹም ምስ ረብሓ ህዝብኹም እዩ እሞ፡ ኣፈ-ሙዝኩም ኣንጻርቲ ወጻዒ ኣቕንዕዎ” ክንብሎም ጸኒሕና ኢና። ከምቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ግና፡ ክሳብ ሕጂ ናይቲ ጉጅለ መሳርሒ እምበር ጸግዒ ህዝቦም ከምዘይኮኑ ክርድኡ ይግበኦም። በዚ እንተቐጺሎም ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ናጻ ከምዘይኮኑ ከኣ ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

Last modified on Sunday, 23 January 2022 11:06