መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተዓርዩ ከም ዝኽፈት ተገሊጹ
2025-08-17 20:49:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 85 timesብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ስዳን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ተጸጊኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ክኽፈት ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ መንግስቲ ከም ዝገለጾ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ። ምኽፋት እቲ ምዕርፎ ነፈርቲ ጐኒንጐኒ ምምላስ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ፖርትሱዳን ዝጸንሐ ናብ ካርቱም ዝፍጸም ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱሎ።
ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኢብራሂም ጃብር፡ እቲ ጽገና ኣብ መዳያት መስመር ማይ፡ ጽሬት፡ ሓይሊ ኤለክትሪክን መንቀልን መዕረፍን መስመር ነፈርትን ከም ዝተፈጸመ በቲ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቢሉ ኣፍሊጡ። በቲ ዝወጸ መግለጺ ምኽንያት ምዕናው እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰንኪ ኣብኡ ሰፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ (RSF) ምዃኑ ተጠቒሱ።
ዋና ኣካያዲ ኩባንያ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ኣልካቲም ባቢከር ብወገኑ፡ 85% ናይቲ ጽገና ከም ተፈጺመን ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ጥጡሕ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣረጋጊጹ። ናይቲ መስርሕ ምጽጋን ኮሚተ ሓላፊ ጃብር ድማ ናይዚ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽፋት ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱን መንግስታዊ ኣጋይሽ ንምቕባልን ንምፍናውን ዘኽእል ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዳግመ-ምህናጽ ትካላት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ንክጥዕም ኣብ ከተማ ካርቱም ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት ከም ዝወጽእ እውን እቶም ሓለፍቲ ሓቢሮም።
ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስን ምኽፋት መዓርፎ ነፈርትን ምልክት ሰላም ብምዃኑ’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ግና ዘቕስን ከምዘይኮነ ይግምቱ።