ኣሜሪካ ሃገረነት ሶማሊላንድ ንክተፈልጥ ሓደ ሰነተር ጸዊዑ
2025-08-17 08:58:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 51 timesሶማሊላንድን ብኣኣ ዝግደስ ሰነተር ክሩዝን
ኣሜሪካዊ ሰነተር ተድ ክሩዝ፡ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኣቦመንበር ንኡስ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ግሎባላዊ ፖሊሲ ጥዕናን ዝኾነ ሰነተር ነዚ ዘፍለጠ ብ15 ነሃሰ 2025 እዩ።
እቲ ሰነተር ኣብቲ ደብዳበኡ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኣኣ ኣቢልካ ናይ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ረብሓ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ከም ዝከኣል ኣዘኻኺሩ። ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ኣደን ተጸጊዓ ኣብ ጐኒ’ቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መተሓላለፊ መራክብ ከም እትርከብ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ ሶማሊላንድ ኣብ ምቁጽጻር ዞባዊ ራዕድን ናይ መራክብ ምጭዋይን ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከበርክት ዝኽእል ብቑዕ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ከኣ ኣፍሊጡ። እታ ንእሽቶ ሃገር መሓዛ ኣሜሪካ ንከይትኸውን ዝጻብእዋ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ቻይና ብሰንክቲ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጸገም ሃገር ክትከውን ከምዘይትደልያ ኣስፊሩ።
እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ሶማሊላንድ መሓዛ ኣሜሪካ ንክትክውን ትብዓትን ቅሩብነትን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብመንጽርቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልስን ኣብ ቁጠባዊ መዳይን ምስ ኣሜሪካ ንክትመሓዞ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ፡ እዚ ቅሩብነታ ብግብሪ ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ ናይ ሃገርነት ደረጃኣ ንክሕለወላ እጽውዕ ኣለኹ ኢሉ።
ኣብ 1960 ሃገር ኮይና ነይራ ክነሳ፡ ብውሳነኣ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተጸንበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ መምዘንታት ኣማሊኣን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ዝበሃል ምርጭታት እናካየደትን፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ናይ ምርካባን ዘይምርካባን ዛዕባ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መራሒኣ ዓብደራሕማን መሓመድ “ዒሮ”፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣሎ።